ካብ ከባቢ ዓፋር ዝተረኽበ ዜና |
Saturday, 23 May 2009 09:01 |
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር እዚ እዩ ዘይበሃል ዘስካሕክሕ ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ካብ ዘለዎ ኩቱር ጽልኢ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ መሪር ከም ዝኾነ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ስደተኛታት ኣስዓይታ ዝኣተው ኣባላት ዓፋር ብቃሎም መስኪሮም፡፡ ህግደፍ ንብሄር ዓፋር ብዘይ ምንም ወንጀልን ገበንን፡ ከም ዝኣስርን ከም ዝቐትልን ንገሊኦም ድማ ኣሰሮም ከም ዘጥፍኦም ገሊጾም፡፡
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዳቦ ዝተባህለ ካብ ዕስራ ንዘይውሕዱ ኣባላት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብጅምላ ከም ዝቐተሎምን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሙራዩም ኣብ ዝተባህለ ቦታ እውን፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስቲዮን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሳላሳ ንዝኾኑ ብጥይት ከም ዝረሸነ ኣብ ስደተኛታት ካምፕ ዓስሓይታ ተዓቒቦም ዝርከቡ አባላት ብሄር ዓፋር መስኪሮም፡፡ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብግፍዓዊ መንገዲ ንዝረሸኖም ኣባላት ብሄር ዓፋር ሬስኦም ኣብ ጎልጎል ዛሕዚሑ ስለ ዝደርበዮ ብሽታ ሬሳታት ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ንሕማም ከም ዝተቃልዑን ብዙሓት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ እቲ ዝመጸና ዜና ኣቃሊዑ፡፡
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር እዚ ግፍዒ እዚ ብምፍጻም፡ ንመንእሰያት ድማ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኣሰናኪሉ ናብ ውትህድርና ኣብ ልዕሊ ምግፋፉ፡ ዘርኢ ብሄር ዓፋር ንምጽናት፡ ብጅምላ ምቕታል፣ ብጥምየት ንክሃልቁ ምግባር፣ ሰሪሖም ንከይነብሩ ስለ ዝኸልከሎም ንጎረቤት ሃገራት ንክስደዱ ከም ዝተገደዱን ንስደት ኣብ ዘምርሑሉ እውን ኣብ መንገዲ ብምድባይ ብጥይት ከም ዝቐትሎም ኣብ ኣስዓይታ ተዓቂቦም ዝርከቡ ኣባላት ብሄር ዓፋር ኣቃሊዖም፡፡
ብተመሳሳሊ መንገዲ ስርዓት ህግደፍ ንኢተለኒ ኣሓው ንዝተባህለት ኣዴን በዓልቲ ሓዳርን ዝገበረቶ ወንጀል ዘይብላ ክንሳ፡ ካብ ከተማ ዓሰብ ካብ ገዝኣ ወሲዶም ክሳብ ሕጂ ሃለዋታ ከም ዘይተፈልጠን፡ ካብ ትውሰድ 8 ዓመት ከም ዝመልኣ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ብካልእ ሸነኽ ካብዚ ብዘይ ተፈልየ መንገዲ፡ ንበዓል ቤት ባርካ ኣሊ ብዘይ ምንም ወንጀል ሒዞም ብጥይት ከም ዝረሸኑዎን ብሞት በዓል ቤታ ሰንቢዳ ሙሉእ ኣካላ ፓራላይዝ ኮይና ትሳቐ ከም ዘሎ ባርካ ኣሊ ሓቢራ፡፡ እዘን ኣዴ ክልተ ደቂ ዘፍረያ ኮይነን ኣካለን ክስንክል ዝኸኣለ፡ ንበዓል ቤታ ብዘይ ምንም ወንጀል ካብ ገዛ ሒዞም ኣብ ቅድሚኣ ብጥይት ምስ ረሸኑዎ ብስንባዴ ክስንክላ ከም ዝኸኣላ ሓቢረን፡፡
እቶም ስደተኛታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብሄር ዓፋር ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ እዚ እዩ ዘይበሃልን ንብዙሓት ኣሰሮም ከም ዘጥፍኦም ብምግላጽ፡ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ብሄር ዓፋር ካብዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ ንምንጋፍ ኣብ ጎኒ መሪሕ ውድቦም ተሰሊፎም ክቃለሱ ይግብኦም ክብሉ ጻውዒቶም ከም ዘሕለፉ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡
|
Last Updated on Saturday, 23 May 2009 09:23 |