ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግሌ ሓምላይ ምንቕስቓስ ኤርትራ:- ናጻነት፣ ሂወትን ሂወት ትዘርእን ኢያ ትበሃል: ሃውልቲ ሱዉኣት፣ ተስፋ ጩቑናት፣ ክበረትን ዋሕስነትን ዜጋታት ኢያ ክብሉና’ውን ዓቢና። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ምስጢር ኣብ ዉሽጢ ነጻነት ከም ዝርከብ፣ ስለ ዝፈልጥ ዝነበረ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ነጻነት ክርኢ፣ ናጻነት ከስተንፍስ፣ ቑልቑለትን ዓቐብትን ወሪዱን ደዩቡን። እቲ ብ1961ዓ.ም ብዉሑዳት ሓርበኛታት ተጋደልቲ፣ ብተስፋን፣ ብፍቕርን፣ ብእምነትን፣ ብቆራጽነትን ዝጀመረ ፖሎቲካዊ ቃልስና፣ ድማ ስለስተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ተሓዊስዎ፣ ብሓይን ብሕግን ነጻነትና ካብ ንጭብጥ ዓሰርተ ሾመንተ ዓመት ነብዕል ኣሎና።