Home

ናይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ኣባላት ዝኾና ውድባት ኣባላት ኣብ ፍራንክፉርት ጀርመን ሓባራዊ ኣኼባ ተሰላሲሉ

ድሕሪ’ቲ መስራቲ ዋዕላ ምስላጥ: ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)፣ ኣኼባ ናይ ማእከላይ ባይቶ ብምስልሳል ዓመታዊ ናይ መደብ ስራሕ ናይ ግንባር ሓንጺጹ። ፈጻሚ ኣካል ድማ ብተርኡ ኣኼባ ኣካይዱ ናይ ኣፈጻጽማ መደብ ስራሓት ቀይሱ ናብ ስራሕ ከም ዝወፈረ ይዝከር። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለማት ንዘለዉ ናይ ውድባትና ስርርዓት ብዞባ መልክዕ ወዲቡ ናይ ስራሕ ንጥፈታቱ ከካይድ ጸኒሑ እዩ።