Skip to content

Mesel-Biherat.com

Home Tigirinya ህግደፍ ባህላዊ ልማዳታት ብሓይሊን ብመቅጻዕቲን ደው ንከብሉ ይገብር ኣሎ
ህግደፍ ባህላዊ ልማዳታት ብሓይሊን ብመቅጻዕቲን ደው ንከብሉ ይገብር ኣሎ
Saturday, 20 March 2010 08:14

ስርዓት ህግደፍ ጎዳኢ ዝኾኑ ባህልታት ብኣስተምህሮን ህዝቢ ጉድኣቱ ፈሊጡ በዓሉ ክገድፎን ኣብ ክንዲ ምግባር ብኣዋጅን ብማቅጻዕቲን ብማእሰርቲ ንክፈርዶም ከም ዝተንቀሳቐሰ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓቢርና ከም ዝነበርና ይፍለጥ፡፡

በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ከባቢ ቱጉልቲ ዓቅመ ኣዳም ንዝበጽሑ ባህላዊ ስነሰርዓት ኣብ ዘካየዱሉን ናይ ምክሻብ ስነ ሰርዓት እንዳፈጸሙ እንከሎው ሒዙ ዝኣሰሮም ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑ ንገሊኦም ስድራቤታት 10,000.00 ናቕፋ ክቀጽዕ እንከሎ ንገሊኦም ድማ 6,000.00 ናቕፋ ከም ዝቀጸኦም ተፈሊጡ፡፡ ነዚ ስጉምቲ እዚ ዝተጻብኡ ተቀማጦ ኡጋናን ኣመሓዳሪኦም ተሰማሚዖም ንሕና ንደልዮ ስነ-ስርዓት ባህልና ክንፍጽም ኢና ከምኡ እውን ንስኹም እውን ተዓዲምኩም ኣለኹም ኢሎም እታ ዓዲ ብምልእታ ስነ-ስርዓት ባህሎም ከም ዝፈጸሙ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ነባሮ ናይዛ ዓዲ ንሕና ንመንግስቲ ሻዕቢያ ደቂና ገቢርና ከምኡ እውን ነቲ መንግስቲ እውን ኣገልግልና ደቂና በሙሉኦም ሰራዊት ኮይኖም፡ ንብሄር ኩናማ ዝሰራሕኩሞ ምንም ነገር ድማ የለን፡ ስለዚ ካብዛ ዕለት እዝኣ ናባና ገጽኩም መጺእኩም ደቕኹም ኣይትበሉና ከምኡ እውን ኣብ ባህላዊ ስነ-ስርዓትን ምንም ዝእትወኩም ነገር የልቦን ኢሎም ብድፍረት ንተግባራት እቲ ስርዓት ከም ዝተቓወሙዎ እቲ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡

 

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ስርዓት ህግደፍ በቲ ካልእ ሸነኽ እንዳቀጸዔ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ባህሊ ብሄር ኩናማ ክጽናዕ ኣለዎ ብዝብል ጥበራ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ባህሊ ብሄር ኩናማ ዘጽንዑ ተባሂሉ ዓብ ዓዲታት ኮሚቴታት ኣቑሙ ከም ዘሎ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ንገዳይምን ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣቀሚጡዎም ንዝነበረ ሓላፍቲ ብሄር ኩናማ ከም ድላዩ ከላግጸሎምን ኣብ ዝደለየ ቦታ ክድርብዮምን ምስ ምንም ከየቆጸሮም ጸኒሑ ኣብዚ ግዜ እዚ ቃልሲ ብሄር ኩናማ ብምጉህሃሩ ዝሰንበደ ህግደፍ ከም ብሓዲሽ ይሾሞም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ በዚ መሰረት ደርቢዩዎ ንዝጸንሔ ኣውረልዮ ጃኩሚኖ ኣብዚ ግዜ እዚ ምክትል ኣመሓዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ገይሩ ሸይሙዎ ከም ዘሎን፡ በዚ ድማ ሰብኩም ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኣሎ ብዝብል ህዝቢ ኩናማ ንምጥባር ተበጊሱ ከም ዘሎ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ይኹንምበር አውረሊዮ ጃኩሚኖ ካብ ተፈጥሮኡ ስምዒት ብሄሩ ዘይብሉ ንኸብዱ ጠጠው ዝበለ ባእታ ስለዝኾነ በዚ ሽዩጥ ተቢሉ ሕርመት ልቢ ብሄር ኩናማ ክርከብ ማለት ዘበጥ ከም ዝኾነ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ይገልጹሎው፡፡ እዚ ሕጂ ዝተውሃቦ ሽመት ብዘይገድስ ልቢ ገይሩ ንረብሃን ክብሪ ብሄር ኩናማን ካልኦትን ማዕከል ዝገበረ ምንቅስቃስ ከም ዝገብር ብምትስፋው ሰናይ ናይ ስርሕ ዘመን ንክኾኖ ንምነ፡፡

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን ዲምሓኩኤ

 

Other Media


Warning: Parameter 1 to modMainMenuHelper::buildXML() expected to be a reference, value given in /usr/local/4admin/apache/vhosts/mekellecity.com/httpdocs/meselbiherat/libraries/joomla/cache/handler/callback.php on line 99