ማሕበራዊ ፍትሒ’ዶ? ማሕበራዊ ኣድልዎ? |
Tuesday, 23 February 2010 12:22 |
ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ካብ ዝጀሃረሎም ሓደ እቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሶ ሕብረተሰብ ብዘዕባ ምህናጽ’ዩ፡፡ እዚ ብቃል ጥራሕ ዝዝረብ ንብዙሓት ግን ትርጉሙ ብዝግባእ ዘይተረድኡዎ፡ ኤርትራውያን እዚ ስርዓት ስለ ዘይኮነሉ እምበር ጽቡቕ’ዩ ዝሓስብ ዝብል ምድንጋር ፈጢሩ ንረክቦ፡፡ እምበኣር ማሕበራዊ ፍትሒ እንታይ ማለት’ዩ? ዝብል ሕቶ ምምላሽ ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡
ማሕበራዊ ፍትሒ ማለት ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብሩ ህዝብታት ማሕበረሰባትን ብሄራትን ኣብቲ ሃገር ቁጠባዊ ረብሓ፣ ትምህርታዊ፣ ጥዕናውን፣ ጸጥታውን ውሕስነቶም ብተዛማዲ ብምዕሩይነት ክረኽቡ ምኽኣል ኮይኑ፡ ነቲ ዘሎ ባህሪያዊ ሃብትን ጸጋታትን ብማዕረ ከም ዝባጻሕ ክረጋገጽ ኣሎዎ ማለት’ዩ፡፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሄራት ባህላዊ ክብርታት ንኽዕቅቡዎን ከማዕብሉዎን ጥጡሕ ባይታ ክፍጠረሎም ምግባር’ውን ነዚ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ገስጋስ ካብ ዝረኣዩ ኩነታት ኢዮም፡፡
እሞ መንግስቲ ጉጅለ ሻዕቢያ ነቲ ወግሐ ጸብሐ ዝደጋግሞ መዝሙሩ ማሕበራዊ ፍትሒ ከንግስ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት እንታይ ገይሩ እንተይልና ዘመነ ግርምቢጥ.... ኢዩ ነገሩ፡፡ ሓደ ሓደ ኣብነታት እስከ ከም መርትዖ ነቐርብ እንተተባህለ ንምቑጻሩ ዘጸግም ኣዚዩ ብዙሕ ክውንነታት ማሕበራዊ ዘይፍትሓውነትን ማሕበራዊ ቅልውላውን ዘስዓቡ ፖሊሲታትን እከይ ግብርታትን ሻዕቢያ ከም ዘቃላዕ ዘጠራጥር የብሉን፡፡ ግን ኣነ ብዝዓቕመይ ዝተዓዘብኩዎ ከካፈለኩም፡፡
1. መሬት ሕርሻን ሕርሻዊ ንጥፈታትን፦ ፖሊሲ መሬት ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰን ረብሓ ናይ ገለ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘረጋግጽ እዩ፡፡ ነቶም ደቀባትን ብሄራትን ብግብሪ ካብ ዋንነት መሬቶም ዝጥርዝን ጥርሖም ዘትርፎም’ዩ፡፡ ኣብ ከበሳ ኣገባብ ጤሳ ነቲ ሕብረተሰብ ብባህላዊ መንገዲ ዝጥቀመሉ ሕጊ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ መሬት ብኮሚቴታት ጤሳ ከም ዘመሓድሩዎ ክገብር ከሎ መሬት ከበሳ ናይ ህዝቢ ከበሳ ጥራሕ ከም ዝኸውን ዝኾነ ኤርትራዊ ካብ ካልእ ቦታ መጺዩ መሬት ከሓትትን ሰሪሑ ክነብርን ከም ዘይክእል ዝገብርን መሬት ነደቀባት ዝህብን ሕጊ’ዩ፡፡ እዚ ፍትሓዊ ዝኸውን እምባኣር እቲ ኣብ ቆላታት ዝርከብ ደቀባትው’ን ደቀባታዊ መሰሎም ብተመሳሳሊ ምስ ዝሕለወሎም ከም ዝኾነ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ኢዩ፡፡ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላ ግን እቲ ነገር በንጻሩ’ዩ፡፡ እቲ ፖሊሲ ኣብዚ ከባቢ ዝርከብ መሬት ናይ መንግስቲ ጌሩ፡ ነቶም ደቀባት ኣብ ከተማታት ካብ ምምስራት ናይተን ከተማታት ኣትሒዞም ዝነበሩ ከይተረፈ ሊብሬት ተዘይብልኩም እቲ ናይ ገዛ መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ ብምባል ሃጊሩዎምን መሬት ብምምሕዳራት ከተማ ከም ዝዕደል ስለዝገበረ ብኣድሉዎን ብልሽውናን መሬት ሸይጦም ወዲኦም’ዮም፡፡ ኣብ ምዕዳል ሕርሻዊ መሬትውን እቲ ኩነታት ተመሳሳሊ ኮይኑ ብፍላይ ንሰብ ርእሰ-ማል ዝተዋህበ መሬት ቆጥቛጦም ጥራሕ ገዲፎም ጥርሑ ዘሎ ዋና ዘይብሉ ዝበሉዎ ልሙዕ ስቡሕ መሬት ንምውናን ጥራይ ስለዝነበረ እቲ ድሌቶም መረጋገጺ ወረቐት ናይ ዋንነት ብምውጻእ ዝኾነ ነገር ከይተኸለሉ ዝገደፈዎ ቡዙሓት ኢዮም፡፡
ኣብዚ ዝተራኣየ ብልሽውናን ጉቦን መንግስቲ ሪኡ ከምዘይረኣየ የሓልፎ ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ምክትታልውን ሰለዘይተገብረሉ እቲ ዝሕረስ ኣገዳሲ ቁጠባዊ ረብሓ ዝነበሮ ዘፍሪ ሕርሻ ባኺኑ ተሪፉ’ዩ፡፡ መሬት ንሓደጋ ተቓሊዑ ንምብሕገጓግ ተስጢሑ፡፡ ብሓጺሩ መንግስቲ ሻዕቢያ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ማሕበራዊ ዘይፍትሓውነት ኣንጊሱ ስቅያትን ድኽነትን ህዝቢ ብፍላይውን ደቀባት ብሄር ኩናማ ከም ዝብእስ ገይሩ፡፡
2. ባህላዊ ውርሻን ክብሪታት ህዝቢ ኤርትራ፡- ኣብዚ ብፍሉይነት ነቲ ካብ ኩሎም ብሄራት ኤርትራ ብመንግስት ተነጺሉን ብዓሌታዊ ኣፈላላይ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኩናማ ምኻኑ ክዛረብ ይፈቱ፡፡ ህዝቢ ኩናማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውነቱ ማዕረ’ቶም 8 ብሄራት ኤርትራ ዝውሰድ ዘይምኳኑ ብቐሊል ኣብነት ኣብ ክብርታትን ባህላዊ ውርሻታቱን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትን ብፍላይውን ብሄር ትግርኛ ምስ ናቱ ባህልን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ብምንጽጻር እቲ ሰብ ብባህሉ ከይኮርዕን ብልምድታቱ ከይነብርን ከምዝጽየፎን ንምግባር መዓልታዊ ዕዮኦም ዝገበሩዎ ውልቀ ሰባት ገዛ ይቑጸሮም፡፡ ነዚ ኩሉ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል መንግስቲ ሻዕቢያ ኮራኩራቱ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ብምስፋር በዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ኣተሓሳሰባን ስነ-መጐትን ነቲ ህዝቢ የመሓድሩዎ ኣለው፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ትካል ካብ ኣድልዎ ነጻ ዝኾነ ፍትሓዊ ኣገልግሎት ምርካብ ንህዝቢ ኩናማ ዝክኣል ኣይኮነን፡፡ እዚ’ዩ እምበኣር ህዝቢ ኩናማ ብብሄር ተወዲቡ ባህሉን ክብሩን ሰብኣዊ መንነቱን ኣብ ዝተረጋገጸሉ ሃዋሁ ንክነብር ዘኽእሎ መሪር ተጋድሎ ተታሓሒዙዎ ዝርከብ ዘሎ፡፡ ኩሉ ቁኑዕ ኤርትራዊ ኸኣ ኣብ ሃገርና መሰል ብሄራት ዝረጋገጸሉ፡ ዲሞክራሲን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝዓሰሎ ሩሁው መዋእል ንምርግጋጽ ክብገስ ጻውዒተይ የቕርብ፡፡
ናስር ቢንያም |