ደምዳሚ መግለጺ:ፈጻሚት ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ |
ፈጻሚት ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንሰለስተ መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ብምሕላፍ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባ እዚ ናይቲ ውድብ ናይ ስራሕ መደባትን ኣፈጻጽማኡን ገምጊሙን ብዝሓሸ መልክዑ ዝፍጸመሉ ትልምታት ሓንጺጹ፡፡ ቀጺሉ ብቀንድን ትኩረት ሂቡ ዝተመያየጠሉ ኣጀንዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2009 ኣብ ሰመራ ዘካየዶ ህዝባዊ ኮንፈረንሰ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ኮይኑ፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ማለት ካብ ካናዳ፣ ኑውዚላንድ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ጁቡቲ ከምኡ እውን ኣብ መዓሰከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብወከልቶም ዝተሳተፉዎ ሰሚናርን ብሓፈሻ ናይ ዓፋር ምሁራን ናይ ቀቢላ መራሕቲ ዝተሳተፉዎን፡ ህልው ኩነታት ኤርትራ ብዕምቆት ተመያይጡሉ፡፡ ከምኡ እውን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብሄር ዓፋር ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒታት ናይ ዓሌት ምጽናት ስጉምቲታት ምዃኖም ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ዘረጋገጹዎ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ ኣደራዕ እዚ ንምውጻእ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዘካይዶ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ ዝቅጽለሉን መሰል ርእስ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ክሳብ ዝረጋገጽ ብኩሉ መልክዑ ነዚ ቃልሲ ዝድለ ዘበለ መስዋእቲ ንክኸፍል ህዝቢ ቃል ዝኣተወሉ ታሪኻዊ ኮንፈረንስ ምንባሩን፡ ፈታውን ጸላኢን ዘረጋገጾን፡ ፈጻሚት ኮሚቴ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር እቲ ኮንፈረንስ ዘሕደረሉ ተስፋን ሞራልን ብሓደ ቃል ዝገለጸሉን ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ህዝባዊ ድጋፍን ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ክሳብ ዓወት ብኩሉ መልክዑን ቀጻልነትን ዘላቅነት ብዘለዎ መንገዲ ንክዋጽኦን ከምኡ እውን ንኩሎም ዘሳትፍን ብቅልጡፍ ዓወት ዝረጋገጸሉ ተግባራዊ መደባትን ኣፈጻጽማን ብምሕንጻጽ ኣብቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዝተረኽቡ ዓወታት ናብ ተግባር ዝልውጠሉ ሃዋሁ ከም ዝፈጥር ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባኡ ገሊጹ፡፡
ብካልእ ሸነኽ፡ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋርን ብኣጠቃላሊ ብሃገር ደረጃ ካብዚ ዓዘቅቲ ንምውጻእን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስፋንን ዘላቂ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባት መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ብዘይ ምሽርራፍ ኣብ ዘረጋገጸሉ ጥራሕ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ካብዚ ብርኪ እዚ ብምብጋስ ነዚ ዓላማ ብሃገር ደረጃ ናይ ምዕባይ ተግባር ይጽንሓለይ ዘይበሃል ብምዃኑ፡ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋርን ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ሰውራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊታት ግንባር ንምምስራት ብሓባር ከካይዶኦ ዝጸንሓ ምድላዋት ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዘጠናቀቀን፡ በዚ መሰረት ድማ እቲ ግንባር ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንኽምስረት ፈጻሚት ኮሚቴ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ወሲኑ፡፡ ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ዕላማ ሒዞም ዝቃለሱ ዘለው ሓይሊታትን ብሄራትን ኣብዚ ግንባር ንኽጽንበሩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ፡፡
ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባ ከም ኣጀንዳ ተታሒዙ ካብ ዝተመያየጡሉ እቲ ሓደ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዘለዎ ተሳትፎ ኮይኑ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሕጂ ዝወርዶ ዘሎ ስቓይ ንምንጋፍ ብሓባር ምቅላስ ወሳንነት ከም ዘለዎን ዲሞክራሲያዊ ሰረት ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ሓባር ጽላል ዘበርክትዎ ዘለው ተሳታፍነት ኣጠናኽሮም ከም ዝቅጽሉ ብምትእምማን፡ በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ኪዳን ንክስለፉ ጻውዒቱ የሕልፍ፡፡
ኣብ መጨረሻ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝርከባ ሃገራትን ህዝቢታትን ሰላምን ምርግጋእን ንከይህለወንን ዝገብሮ ዘሎ ግብረ ሽበራዊ ተግባራቱ ብምኹናን፡ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘላቂ ሰላም ንምምጻእ፡ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታት ከምኡ እውን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ፈተውቲ ሰላም ዝኾኑ ወገናትን፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ብምስላፍ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራሲያዊን ፍትሓዊ ቃልሲ ዝድለ ዘበለ ኩሉ ንኽገብራ ግቡኤን ምዃኑ ጸዊዑ፡፡
ዓወት ንቀይሕ ባሕሪ ዓፋርን ንመላእ ብሄር ብሄረሰባት ኤርትራ! ውድቀት ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ! ፈጻሚት ኮሚቴ ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ ሰኔ 03/2009
|