ዜና ካብ ውሽጢ ኤርትራ

ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ መራሕቲ ሻዕቢያ ካብ ዕለት 15/10/2005 ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ንብሄር ትግርኛ ንበይኑ ፈሊዮም ኣኼባ ከም ዝገበሩሎ ተፈሊጡ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ምስ ህዝቢ ባረንቱ ብሓደን ብሓባር ይግብሩሎም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ንምንታይ ዕላማ ንበይኖም ፈሊዮም ኣኼባ ከም ዝገበሩሎም ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር ከም ዘይለ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓብሮም፡፡ እዚ ፈልኻ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ  ብዕለት 01/11/2005 ኣብ ቱጉሊቲ ከምኡ ድማ ብዕለት 22/10/2005 ዕሱብ ፍራንኮን ምሰ ሓደ ወዲ ደጀን ዝበሃል  ኣብ ካርካሻ ንህዝቢ ኣኼባ  ገይሮም፡፡ ዕሱብ ፍራንኮ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝገበሮ መደረ "ኣብዚ እዋን እዚ ብብዝሒ መምህራንን ተማህሮን ይሃድሙ ከም ዘሎው፣ እዞም ዝሃድሙ ዘሎው ተማህሮን፣ መምህራን ምኽንያቶም ንወጻኢ ሃገር ንክኸዱ ብምሕሳብ ይኸዱ ምህላዎም ሓቢሩ፡፡ ስለዚ ደቂኹም እንተ ምዕድኹሞም ጽቡቅ እዩ፡፡" ብተወሳኺ ኣብቲ ኣኼባ ካብ እተዛረቦ "ተቓወምቲ ውድባት እንተ መጽኦም ዝበልዑዎን ዝሰትዩዎን ሃቡዎም ግን ዝረኸብኩሞ ዜና ናዓና ሓብሩና፣ እንተ ዘይኾይኑን ንዓቶም ዝምልከት ሓበሬታ ብተዘዋዋሪ እንተ ረኽብና ወይለኹም" እሎም ከም ዘሃደዱዎም ካብ ውሽጢ ዝተረኽበ ዜና ሓብሩ፡፡

ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ ካብ ዘለዎ ክቱር ንዕቀትን፣ ዝንቡል ኣመላኻኽታ ተበጊሱ ብዕለት 23/10/2005 ንኣብ ፎደ ዘለው ሚልሻታት ዕጥቆም መንጥሉ ናብ ከተማ ባረንቱ ከም ዝወሰዶምን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎነም ተፈሊጡ፡፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሚልሻታት ኣባላት ብሄር ኩናማ እምነት ብምስኣኑ ሓደሽቲ ብረት ክቅይረልኩም ብዝብል ሽፋን ዕጥቂ ከም ዝፈትሔ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ እውን ንሚልሻታት ተቐማጦ ቁሸት ፎደ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ይወስድ ምህላው ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ እዚ ስጉምቲ ንክወስድ ካብ ዘገደዱዎ እቲ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ ብዘለዎም ጽልእን ዘንባዕ ኣመለኻኽታ ተበጊሶም ከም ዝኾነ፣ ምናልባት በዚ ስጉምቲ እዚ ኣብ ስግኣት ክኣቱው ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ድሑር ኣረኣእያን ተሃዲድን፣ በዚ እከይ ተግባራቱ ካብ ዓዱ ተፈናቅሉ ንክስደድ ካብ ዘሎዎም ሸውሃት ዝነቅል ሜላ ከም ዝኾነ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡

ስርዓት ህግደፍ በዚ ሕጂ ኣብ ፎደ ዝወሰዶ ዘሎ ስጉምቲ ጥራሕ ከይተሓጽረ፣ ከም ልማዱ ንተቐማጦ ቁሸት መንገሉ ኣፈናቅሉ ናብ ኮሉኩ ይወስዶም ከም ዘሎን፣ ከምኡ ድማ ንሓደ ኣሳሊ ዝተባህለ ሰብኣይ ካብ ማሕበራዊ ናብራ ወጻኢን፡ ካብ ጥሪት ተፈሊዩ ናብ ካልእ ቦታ ንከይንቀሳቀስ ተሪር ትእዛዝ ከም ዝሃቡዎ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ካብ ኩፍታለ እትበሃል ቁሸት ኣርባዕተ ንግዝኡ ሽሞም  ዘይተፈልጡ ኣባላት ብሄር ኩናማ ሕዙ ከም ዝኣሰሮም ተረጋግጹ፡፡ ጸረ ብሄር ኩናማ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ብጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ኣብ ፎደ ብዝተወሰዶ ናይ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ብምጉልባብ ንኣባላት ብሄር ኩናማ ብኣልማማ ይኣስሮም ከም ዘሎን፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ናብ ዝኾነ ቦታ ንከይንቀሳቐስን፣ ካብ ቦታ ሕርሽኦም ድማ ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ክምለሱ ከም ዘገደዶምን በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ ናብሩኡ ከቢድ ጉድኣት የስዕበሉ ከም ዘሎ  እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡ ብተመሳሳሊ ካብዚ ዝተባህለ ሰዓታት ወጻኢ ብዝኾነ ሽግር ደንጉዩ ዝመጸ ዝኾነ ሰብ ብዘይምሕረት ከም ጸላኢ ተቆጽሩ ይእሰር ከም ዘሎን፣ ብተመሳሳሊ ዜና ድሕሪ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ዝወሰዱዎ ዕውት መጥቃዕቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ኮሉኩ፣ ታዱ ላሜክን፣ ኣለሙ ላሜክን፣ ኣፋቱ ኣጅና፣ ቱቱ ቢባን፣ ማጊ ኣሽኩን፣ ላይና ንዝበሃሉ ተቀማጦ ከም ዝኣሰሮምን፣ ኣብቲ እዋን  ሓንቲ ሰበይቲ ኣርበዓተ ደቃ ምስ ተወሰዱ ሓሪቃ፡ "ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ቅኑዕን፣ ብጣዕሚ ጽቡቅ ከም ዝኾነን፣ ጣቅዕት ዘድልዮ እዩ" ብምባል ኣብ ቅድሚ ዑሱባት ህግደፍ ከም እተዛረበት እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡ ብሕጂ ዝረጋገጽ ኮይኑ ቁጽሮም ካብ 50 ክሳብ 100 ንዝኾኑ ተቐማጦ ፎደ ኣስሩ ብዘይ ገለ ፍርዲ ዓፊኑዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

ምስዚ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ኦጃነ ዝተባህለ ኣማሓዳሪ ፎደ፡ ስርዓት ህግደፍ ንባረንቱ ንክመጽእ እንተኣዘዙዎ እውን፣ ንሱ ዝሃቦ መልሲ "ኣነ ኣይመጽእን እየ እቶም ዝወሰድኩሞም ህዝቢ እንታይ ዝገበሩ  እዮም፣ ንስኹም እውን ጸላእትና ኮይንኹም" ከም ዝበሎም ተረጋግጹ፡፡ ብተወሳኺ ኦጃነ ብመጥቃዕቲ ፎደ ዝተኣስሩ ኹሎም ብዘይ ኣገባብ ከም ዝተኣሰሩን ቅኑዕ ከም ዘይኾነ ብትሪ ድሕሪ ምቅዋም፣ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምትን፣ ጸላእትናን ፈልና እንተሪእና ይሓይሽ እሉ ርእይቶኡ ምስ ሃቦም፡ ንስኻ እውን ተሓጋጋዛይ ጸላእትና እኻ ክብሉ ከም ዝመለሱሉ እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡ ስርዓት ሻዕቢያ ምስ ኣባላት ብሄር ኩናማ ንሓዋሩ ከም ዝተበታተኸ ምንጭታትና ኣረጋግጾም፡፡

እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ብዕለት 01/11/2005 ኣብ ቢንቢልና አሊ ማርዲ ንዝተባህለ ኣብ መጓሴ እንከሎ፣ ካንታ ዝተባህለን፣ ሻሩ ካልፋን፣ ሓደ ተወላዲ ብሄር ትግርኛን፣ ንካንታ ብኣንሶላ ሸፍኖም ከም ዘምጽኡዎን፣ ንአሊን ሽሙ ዘይተፈልጠ ወዲ ካርካሻን ሕዞሞም ከም ዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም፡፡ ካብዚ ብዘይተፈልየ መገዲ ሓደ ተወላዲ ብሄር ኩናማ ንስርሖ ወፊሩ ክኸይድ እንከሎ ኣብ መንገዲ ወታሃደራት እቲ ስርዓት ዓግቶም፣ ቃንጫ ዕጸደልና ምስ በሉዎ፡ ኣነ ንስራሕ እየ ዝኸይድ ዘሎኹ እሉ ምስ ኣበዮም እቶም ወታሃደራት እቲ ስርዓት ብበትሪ ምስ ቀጥቀጡዎ እቲ ወዲ ካብ ሕራቃን ተላዕሊ ምሸት ተመሊሱ እቲ ዓጽዶሞ ዝነበሩ ቃንጫ ብሓዊ ከም ዘቃጸሎ እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡ ሻቃላይን ጊላ ናይ ጀነራላት ሻዕቢያ ኮይኑ ጉልበቱ ነቶም ጀነራላት ሸይጡ ንክነብር ዝተገደደ ምስክናይ ሰራዊት ሻዕቢያ ብግደኡ ጉልበት ኣባላት ብሄር ኩናማ ንምምዝማዝ ተበግሱ ምህላውን ናይ ሎሚ መራሕቲ ሻዕቢያ እቲ ናይ መግዛእቲ ሓይሊታትን መንግስታት ዘምጽኡዎ ብናይ ትምክሕቲ ባህሊ ዓውሮም መከራ ይበልዑ ከም ዘሎውን፣ እዝኦም ናይ ሎሚ ሰራዊት ሻዕቢያ ከኣ ናይ ጎይቶቶም ባህሪ ወሪሶም ናይ ጸባሕ ኤርትራ ከይብክሉዎ ምዕዶ ክወሃብ ከም ዝግባእ ካብ ውሽጢ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋግጹ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ስርዓት ህግደፍ ብዕለት 03/11/2005 ተበላሽየን እሉ ከዝኑዎን ዝነበረ ብረታት ሚሊሻ መጽእኦም ንክወስዱዎን ከም ዝኣዘዙዎምን፣ ከምኡ ድማ ነቶም ጦሮታ ኣውጽኦሞም ዝነበሩ ሚሊሻ ደሞዞም ንክወስዱ ምስ ከዱ ከም ብሓድሽ ከም ዝዓስከሮምን እቶም ኣብቲ ቦታ ዘይተረኽቡ ነዚ ሓበሬታ ሰሚዖም ኣብ ህድማ ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

ብኻልእ ዜና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብምቅጻል ብዕለት 29/10/2005 ንተቀማጦ ዳሴ ንብምሉኦም ኣብ ገዛ ንክዕጸው ከም ዝገበረን፣ ከምኡ እውን ካብ ፎደ ብዕለት 31/10/2005 ንሓንቲ ሰበይቲን፣ ሓደ ሰብኣይ ሕዞም ከም ዝወሰዱዎም ምንጭታት ሓቢሮም፡፡

ብሓፈሽኡ  ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከም ዘላን ኣብ ሓጽር እዋን ጾታ ከይፈለየ መጠነ ሰፊሕ ግፋ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡