ዜና ውሽጢ ሃገር

 

ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኩናማ ካብ ናይ ሕርሻ ቦትኡን፣ ካብ መረበቱን የፈናቅሎ ኣሎ፡፡

 

 

ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ናይ ዞባ ሚሊሻ እሉ ንዘዕጠቆም ሰራዊት ኣብ ስለያዊ ትካላት ስሕቡ ንከስርሖም የገድዶም ከም ዘሎ ምንጪታትና ካብ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡

 

በዚ መሰረት ድማ ካብ ቁሸት ኡጉሙ፣ ታይካናባ፣ ካርካሻን ካብ ነፍስ ወከፍ ቁሸት ሰለስተ ሚሊሻ ብድምር ንትሽዓተ ኣብ ሰለያዊ ኣሃዱታት ተጸምቢሮም ንክነጥፉ ብኣስገዳድ ከም ዘሰለፎም እቲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡ እቲ ዜና ብተወሳኺ ክገልጽ እንከሎ ካብቶም ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ኣብ ሰለያዊ መሓውራቱ ተቆጽሮም ንክሰርሑ ካብ ዝመዘዞም ንግዝኡ ኣስማቶም ዝተፈልጠ ሻላም ኣዱም፣ ሾሾ ሳለን ምኻኖም ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

 

ብኻልእ ዜና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ብሄር ኩናማ ዝነበራ ብኣጻብዕቲ ዝቁጸራ ናይ ህዝቢ ሆስፒታል ብምዕጻው ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፡፡

 

ስርዓት ህግደፍ ነተን ዘለዋ ናይ ህዝቢ ሆስፒታላት ዓጽዩ ህዝቢ ካብ ኣቑርደት ንላዕሊ ከይዱ ንክሕከም ስለ ዘገደዶም ህዝቢ ካብ ርሕቀት መንገዲን፣ ዓቅምን ብሕማም ይሳቐን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ተሳጢሑ ከም ዘሎ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

 

ብኻልእ ሸነኽ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ዓዲ ውዒሎም ዘይፈልጡ መራሕቲ ህግደፍ ንህዝቢን ሰራዊትን ኩናት ክንጀምር ኢና እንዳበሉ ኣብ ከቢድ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ሸሚሞሞ ከም ዘሎው ተፈሊጡ፡፡

 

ስርዓት ህግደፍ በቲ ኩሉ ጊዜ ዝደጋግሞ ኣሰልቻው ሜልኡ ስርዓት ወያኔ ካብ መሬትና ምውጻእ ኣቢዩ፣ ብዙሕ ኣጽዋራት እውን ስለዝሸመትና ሕጂ መሬትን ብኩናት ክነምልስ ኢና ስለዚ ህዝቢን ሰራዊትን ንኩናት ድልው ክኸውን ኣለዎ ክብል መጠነ ሰፊሕ ጎስጓሳት የካይድ ከም ዘሎ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡

 

ብኻልእ ዜና ብገንዘብ ህዝቢ ሩሕ ንክመልስ ዝህንደድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዘለኩም ጥሪትን፣ ንብረትን ክተመዝግቡ ኣለኩም ክብል ንብረት ህዝቢ ናይ ምፍላጥ ህርፋንን ብኡ ኣቢሉ ድማ ብሓይሊ ንምምንዛዕ ከመዝግቡ የገድዶም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡

 

በዚ መሰረት ድማ ኣብ ቁሸት ካርካሻ ብምኻድ ክንደይ ጥሪት (ገመል፣ ከብቲ፣ ጠለ-በግዕ፣ ኣእዱግ) ኣለኩም ክንደይ ሆክታር መሬት ትሓርሱ፣ ክንደይከ ምህርቲ ትሓፍሱ ክብል ነቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቅሎት የእትዩ ብሓይሊ ንብረቶም ንክምንዝግ ንከምዝግቡ የገድዶም ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

 

ብተመሳሳሊ ስርዓት ህግደፍ ንብሄር ኩናማ ንምርዓድን ካብ መበቆል መሬቱ ንክህድሞ እዚ ገበን ፈጽሙ ንዘይተባህሉ ንጹሃት ዜጋታት ብሄር ኩናማ ኣብ ቁሸታቶም ብምኻድ ከም እንስሳ ብጥይት ይሃድኖም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡

 

ኣብ ቁሸት ቶለ-ጋሙጃ ዝቅመጥ ባቡ ንዝተባህለ ገድም ታጋዳላይ ነበር፡ ሃድኑ ንምሓዝ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ኣብ ገዝኡን ኣብ ስርሑን ንክሕዙዎ ኣብ ልዕሊ ምፍታኖም ብዙሕ ጊዜ እውን ብጥይት ተኩሶም ከም ዝሰሓቱዎ እቲ ዜና ይሕብር፡፡ ስርዓት ህግደፍ በዚ ተግባራት ብዘይምርዋዩ ንኣባላቱ ንክቐትሉዎ መምርሒ ከም ዝሃቦምን፣ ንክቐትሉዎ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ሓደ የማነ ፊሊፓ ዝተባህለ ዜጋ ነቶም ሰራዊት ሪኡ፣ ካብ ፍርሒ ተበግሱ ምስ ሃደመ መን ምኻኑ ከይኣጻረዩ ደድሕሪኡ ስዕቦም ተኩሶም ምስ ሰሓቱዎ፡ ተሰልቢጦም ነቲ ገዝኡ ንከርእዮም ምስኦም ሓቢሩ ንዝነበረ እዚ ሰብ እዚ ባቡ ከም ዘይኮነ እንዳፈልጥካ ስለምንታይ ስቕ ትብል ዘይትነግረና እሎም ድሕር ምዝራብ፡ ኣብቲ ቁሸት ንዝርከብ ህዝቢ ኣኪቦም ንስኹም ሰራዊት ክትርእዩ እንከሎም ስቕ እልኩም ምህዳም ኣቋርጹ ክብሉ ከም ዘጉባዕቡዑሎም እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

 

ብካልእ ሸነኽ ስርዓት ህግደፍ መሬት ኩናማ ብሓይሊ ንምጉባጥ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምቅራብ ናይ ሕርሻ መሬቶም ይምጥሎም ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ዝመጸና ዜና ይሕብር፡፡

 

ኣብዚ ሕጂ እዋን ስርዓት ህግደፍ ንብሄር ኩናማ ናይ ሕርሻ መሬቶም ብኣስገዳድ ይምንጥሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ ካብ ከምና-ሽላ ኣትሕዙ ብገምገም ሩባ ኣቢሉ ክሳብ ሶኮማ ዘሎ ናይ ሕርሻ ቦታ ብሓይሊ መንዝዑ፣ ንሰዓብቱ ከም ዝዓደሎም እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡ እቲ ዜና ብተወሳኺ ክገልጽ እንከሎ፡ እቶም ሰብ መሬት ዝኾነ ብሄር ኩናማ እዚ ካብ ኣብሓጎታትና ንሓርሶ ዝነበርና መሬት ስለዝኾነ ከይተሓርሱዎ ምስ በሉዎም ዝተዋህቦም መልሲ ‹‹ እዚ መሬት ዋንኡ ኣበይ ኣሎ? ኣበይ ከይዱ? ›› ክብሉ ከም ዝመለሱሎምን በዚ ምኽንያት ኣብ ዓቢ ወጥሪን፡ ክትዕን ከም ዘለው እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

 

ብተመሳሳሊ ኣብዚ ዝተጥቀሰ ቦታታት ንዝነብሩ ብሄር ኩናማ ካብ መረበቶም ብምፍንቓል፡  ‹‹ህዝቢ መሬት የብሉን፡ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ›› እሉ ካብ ዓዲባረ፣ ደቂ ሻሓይ፣ ካርኮን፣ መካሪም ንዝተፈናቀሉ ህዝቢ ከም ዘስፈረሉ እቲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ህዘቢ ኩናማ ኣብ ዓቢ ጸገም ከም ዝወደቀን፡ ንኣማሓዳሪ ሻንበቆ ሳለ ኣዱም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንተሓተቱ እውን ምንም መልሲ ከም ዘይተዋህቦመን፡ ኣመሓዳሪ ሻንበቆ ድማ ነዚ እኩይ ተግባራትን ፈላላይን ዝኾነ ተግባራት ኣበርቲዑ ይንጥፍ ከም ዘሎ እውን ብተወሳኺ ኣቓልዑ፡፡