ዜና ካብ ውሽጢ ኤርትራ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ብሄር ኩናማ ዝርከብ ሃብቲ ወርቂ ንምምዝማዝ መደባት ኣውጽኡ ይንቀሳቐስ ምህላው ተፈሊጡ፡፡

በዚ መሰረት ድማ ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ፍሉይ ሽሙ ኤተሪቲ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ህዝቢ ብባህላዊ መገዲ ወርቂ ኣውጽኡ ኣብ ዝደለዮ ዋጋ ኣብ ሰብ ርእሰ-ማል ንከይሸይጥ ብምእጋድ፡ ብሕሱር ዋጋ ናብ መንግስቲ ንክሸጡ የገድዶም ከም ዘሎ እቲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ስራሕ ኣዋፊሩ ንዘስርሖም ሰባት ነዚ ዝስዕብ መዕቀኒታት የማልኡ፡-

  1. ውላዱ ንውትድርና ዝሰደደ፣
  2. ኣብ ውትድርና ነይሩ ዝሰንከለን፡ ዝተጣየሸን፣
  3. ምስቲ ስርዓት ጥቡቅ ዝምድና ዘሎዎም ጥራይ ምኻኑ ተፈሊጡ፡፡

ካብዚ ብዝዘለለን፡ ንያቱ ንዘይኣማልኡ፡ ደቂኹም ንኢትዮጵያ ሰጊሮም፣ ንሱዳን ሰጊሮም፣ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ተሰሊፎም እሉ ብምምኽናይ ካብቲ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ምፍንቓሉ፡ ከም ዘይደቂ ሃገር ተራእዮም ከቢድ ስቓይ ይረኽቡ ከም ዘለው እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከባቢ ኣፈተ-ኢላ (ከባቢ ብሄር ኩናማ) ንህዝቢ እቲ ከባቢ ብጉልበቱን፡ ብረሃጹን እንዳበሳበሱ ወርቂ ንከውጽእን፡ ብሕሱር ዋጋ ንክሸይጥ የገድዱዎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ ኣብዚ ከባቢ ተሰሪሑ ዝወጽእ ወርቂ ብግፍዔኛ ጀነራል ዓንደማሪያም ገረዝጊሔር (ውጩ) ይውሰድ ምህላውን፡ ኣብቲ ከባቢ ተቐማጦ እንተለው እውን ገዛውቶም እውን ንክፈርስ ከም ዝኣዘዘ እቲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡ ብሰበብ ሃብቲ ወርቂ ዜጋታት የፈናቅል ከም ዘሎውን ተረጋጊጹ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ውሽጣዊ ቅልውላው ብዘስዓቦ ዘይምትእምማን፡ ንጓሶት እውን ከይመሓረ ኣብ ፈቀዶ በረኻታት ብጥይት ይቐትሎም ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 05/2006 ተቐማጣይ ሙኩቲ ዝኾነ ክብሮም ንጉሰ ንዝተባህለ ጓሳ ኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ ብንቁጣ ኢጣለያ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ረኽቦም ጓሳ ምኻኑ እውን እንዳረጋገጹ ብጥይት ተኩሶም ቐቲሎም ደርቢዮሞ ከም ዝኸዱ እቲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡ እቲ ዜና ብተወሳኺ ክገልጽ እንከሎ፡ ድሕሪ እዚ ክስተት ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብቶም ስለያ ህግደፍ ብምኻድ እዚ ጉዳይ ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ እንተሓተቱ እውን፡ ንክብሮም ንጉሰ ከም ዘይፈልጡዎን ንሶም ከም ዘይፈጸሙ ኣምስሎም ከም ዘጽቀጡን፡ እቲ ህዝቢ ብዓሉ አልዒሉ  ከም ዝቐበሮ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣረጋግጹ፡፡

ክብሮም ንጉሰ ትውልዲ ዓዱ ከባቢ ኣስመራ ኮይኑ፡ ንመጓሰ ናብ ሙኩቲ መጽኡን ተቐማጣይ ሙኩቲ ከም ዝኾነ እቲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡