ኣቦ ወንበር ዲምሓኩኤ ቀርነልዮስ ዑስማን  ናብ ወታደራዊ ግንባራት ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ




ኣቦ ወንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ቀርነልዮስ ዑስማን ኣብ ኩለን ግንባራት ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ፡፡

ኣቦ ወንበር ዲምሓኩኤ ካብ ዕለት 30/12/2005 ክሳብ ዕለት 01/01/2006 ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ኩሉን ኣሃዱታት ናይ ስራሕ ዑደት ከም ዝፈጸመ ካብቲ ቦታ ዝተለኣኸልና ዜና ሓቢሩ፡፡ ቀንዲ ናይዚ ዑደት ዕላማ ኣብ ግንባር ንዝርከብ ተጋዳልቲ ዲምሓኩኤ ብኣል ረኽቡ እዋናዊ መብርሂ ንምሃብ ከም ዝኾነ እቲ  ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

በዚ መሰረት ብዕለት 30/12/2005 ናብ ኣሃዱ 333ን 444ን ዑደት ከም ዝገበረ ተፈሊጡ፡፡ ብምቅጻል ብዕለት 31/12/2005 ንኣሃዱ 555፣ ብዕለት 01/01/2006 ሰንበት መዓልቲ ድማ ንኣሃዱታት 777፣ 888፣ 999 ተጋደልቲ ከም ዝበጽሐ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡

ኣቦ ወንበር ዲምሓኩኤ ኣብ ዑደቱ ምስ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝርከባ ኣባል ውድባት ዘለና ዝምድና፣ ውጹዕ ህዝቢ ኩናማ ዘመሓላለፎ ናይ ዮሃና መልእኽቲ፣ ብጀጋኑ ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተወስዱ መጥቃዕቲ ዝተረኽበ ዓወታት፣ ህልው ኩነታት ውድብን በጽሑዎ ዘሎ ደረጃን ብሓፈሻ ኩነታት ጸላኢ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቦም ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡

ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብዝተዋህቦም ሰፊሕ መብርሂ ሕጉሳት ምኻኖም ድሕር ምግላጽ ኣብ ዘይበርሃሎም ዛዕባታት ሕቶታት ከም ዘቅረቡ እቲ ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣቦ ወንበር ዲምሓኩኤ ብወገኑ ካብ ተጋደልቲ ንዝቀረበሉ ሕቶታት ብሰፍሑ ከም ዘብረሃሎም  ተረጋግጹ፡፡ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብኣቦ ወንበር ቀርነልዮስ ዑስማን ዝተወሃቦም ሰፊሕ መልሲ ድሕር ምድናቅ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዘዕገቦምን ዓቢ ናይ ቃልሲ ሞራልን ንያት ከም ዘሕደረሎም ገልጾም ክብል እቲ ዝተረኽበ ዜና ጸብጺቡ፡፡  ካብዚ ብምቅጻል ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብወገኖም ሕጂ እውን ክሳብ ሓርነታዊ ቃልሲ ብሄረ ኩናማ ዝረጋገጽ ክሳብ መጨረሻ ሰዓት ብትብዓት ከም ዝቃለሱን፣ ከምኡ እውን ብሄረ ኩናማ ኤርትራ ሙሉእ መሰሉ ተኸቢሩሉ ብሰላም ዝነብረላ ኤርትራ ክሳብ ትምስረት ካብኡ ዝድለ ኹሉ መስዋእቲ ክኸፍል ድልው ምኻኑ ኣረጋግጹሉ ክብል እቲ ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

ምስ ዑደት ክቡር ኣቦ ወንበር ዲምሓኩኤ ቀርነልዮስ ዑስማን ጎኒ ንጎኒ፡ ኤርኩ ባንድ ብወገኑ እኹል መድላዋት ገሩ ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን ድራማታትን፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲታ ንጀጋኑ ተጋደልቲ ደምሓኩኤ መርኢቱ ከም ዘቀረቡ ተፈሊጡ፡፡ ኣብ መጨረሻ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ነቲ ብኤርኩ ባንድ ዝቀረበሎም መርእት ብምምጓስ ብወገኖም ነዚ ሕዞሞ ዘለው ቅዱስ ዕላማ ክሳብ መጨረሻ ምዕራፍ ከም ዝቃለሱሉን፣ ካብኦም ዚድሉ ኩሉ ንከማልኡ ድልዋት ምኻኖም ዳግማይ ብምርግጋጽ ንጀጋኑ ሰማእታት ዘመጉስ ጭርሖ ከም ዘመሓላላፉ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡

ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት፡-

  1. ሓርነታዊ ቃልሲ ብሄረ ኩናማ ኤርትራ ብቃልሲ ብሄረ ኩናማ ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ!!
  2. ብሄራዊ መልክዕ ውዳቤ ተፈትወ ተጸልኤ ኣብ መሬት ኤርትራ ክዕንብብ እዩ !!
  3. ጸረ ኩናማን ሓድነት ኩናማ ዝኾኑ ጸላእቲ ኣብ ግዝኡ ብዝርድኦም ቋንቋ ዋግኦም ክረክቡ እዮም፡፡
  4. ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና ዝብሉ ከም ዝርከቡዎ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

መትከላት ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም ክዕንብቡ እዮም !!