ርክብ
ምስ መሓዙት ውድባት
ኤርትራ
ብጠለብ
ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት
ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣቦ
ወንበር ዲምሓኩኤ
ቀርነልዮስ ዑስማን፣
ኣቦ ወንበር ተጋድሎ
ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ
ባይቶ ስዩም ዑቕባሚኪኤል
ዝመርሖም፣ ተጋደልቲ
መንግስታኣብ ኣስመሮምን
ጅምዕ ኣሕመድ ገጽ
ንገጽ ዝተራኸቡሉ
ኣኼባ ዕለት 14/12/2005 ተካይዱ፡፡
ኣብ መንጎ መርሕነት
ክልተ ውድባት ዝተገብረ
ኣኼባ መዛረቢ ዝነበረ
ነጥቢታት ኣብ መንጎኦም
ዘሎ ፍልልያት ብንጹር
ምቅማጥን ኣብ ዘራኽቦም
ድማ ንህዝብናን ንሃገርን
ብዝጠቅም ኣገባብ
ምስራሕ ዝብል ቴማ
(ጭርሖ) ዝነበሮ እዩ
ነይሩ፡፡ ኣብ መንጎ
ውድባት ዝርኤ ዘይምቅድዳው
እንተሎውን በዚ እተከተሉዎ
መንገዲ መዕለቢ ክህቡ
ከም ዝግባእ መርሕነታት
ክልትኦም ውድባት
ተሰማሚዖም፡፡ እዚ
ኣካይዳ ኮነ ተመክሮ
ምስ ዝኾነ ተቃወምቲ
ውድባት ኣብ ዝግበር
ርክብ ጠቃሚ ከም ዝኾነ
ክልቲኦም ውድባት
ኣስሚሮምሉ፡፡ ካብዚ
ብምቅጻል ኣብ ሰለስተ
ዓበይቲ ሃገራዊ ዛዕባታት
ተመያይጦም፡፡
እታ
ቀዳማይቲ ኣብ ዘሰማምዐና
መገዲ ተሳኒና፣ ኣብ
ዝፈላልየና ድማ ብንጹር
መብርሂ ተገይሩሎም
ካብ ብርሑቅ ኮይንካ
ካብ ምኹናንን፣ ምንጽጻግ
ተቀራርብካ ምልላይ
ጠቃሚ ከም ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ
ዘለዎም መርገጺ ክልትኦም
ውድባት ሓደ ምኻኑን፣
ካብዚ መርገጺ ተበግሶም
ንኤርትራ ዝኸውን
ፍታሕ ስርዓት
ህግደፍ ካብ ሱር መሰረቱ
ክመሓው ከም ዝግባእ
ኣስሚሮምሉ፡፡ እቲ
ካልኣይ ዛዕባ ‹‹መሰል
ርእሰ ውሳኔ ብሄራት
ክሳብ ምግንጻል›› ዝምልከት
ኮይኑ ሰውራዊ ባይቶ
ከም ውድብ ዘሎዎም
ስክፍታ ኮነ ተዓቅቦ
ምስ ተቐመጠ፡ ኣቦ
ወንበር ዲምሓኩኤ
እውን ነዚ መትከል
ብዝምልከት ሰፊሕ
መብርሂ ከም ዝሃቦምን፡
ነቲ ዝተገብረሎም
መብርሂ ድማ ኣባላት
ፈጻሚት ዝኾኑ ብጾት
ተሓኤ. ሳ.ባ ብተሓጓስ
ከም ዝተቀበሉዎ ተረጋግጹ፡፡
መርሕነት ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ ኣብ ርእይትኦም
‹‹ኣብ ኤርትራ ሓደ ብሄር
ንሓደ ብሄር ዝጭቁነሉ
መገዲ ወይ ዕድል ከም
ዘይነበረ ድሕር ምሕባር፡
ብብሄርኩም ምውዳብ
ኣብ ንያትኩም ዝተመሰረተ
ኮይኑ ግን ንሉኡላዊት
ኤርትራን፣ ንቀጻልነታኣ
ተሓንግጥኩም እትቃለሱሉ
ዘለኹም መትከል ናዓና
ስክፍታ ከም ዘምጽኣልናን፣
ህዝቢ ኤርትራ ድማ
ነዚ መትከል ብጎቦ
ዓይኑን ብጥርጣረ
ከም ዝርእዮ ድሕር
ምሕባር ከም ውድብ
ነዚ መትከል ተሓንጊጥኩም
ንክትቃለሱ ንሓድነት
ሃገርናን፣ ንልዑላዊነት
ሃገርና ከይትንክፍ
ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት
ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ
ሓቢሩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ
መድረኻት ዘሎዎም
ኣመለኻኽታን፣ ዕቃቤታት
ከም ዘቀመጡን ዲምሓኩኤ
ድማ ብወገኑ መልሲ
ከም ዝሃቦም ገሊጾም፡፡
ነዚ ጉዳይ ብዘይ ምውልዋልን፣
ብዘይ ምሽፍፋን ግልጺ
ገሮም ዘምጽኡዎ ርእይቶ
ኣቦ ወንበር ዲምሓኩኤ
ብምምጓስ ዲምሓኩኤ
ብብሄሩ ዝተወደበ
ብሓደ ብሄር ስለዝተጨቆነ
ዘይኮነ ማእከላይ
መንግስቲ ኤርትራ
ዝኽተሎ ዘሎ ዘይምዕሩይን
ኣድሎኣዊ ኣገባብ
ምዕብልናን፡ ኣብ
ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ
ምስ ውድባት ጀብሃ
ኮነ ሻዕቢያ ተቃልስና
ከም ዝመጻእናን ናጽነት
እውን እንተኣረጋገጽና
ዝረኸብናዮ መሰል
ስለዘይብልና እምበር
ንሓደ ብሄር ንክናጥቅዕን
ንክንገጥም ኢሎም
ከም ዘይተወድቡ ብሰፍሑ
ኣብሪሁ፡፡ ክሳብ
ሕጂ እውን ካብ ጽልኢ
ተላዕሎም ኣብ ልዕሊ
ሓደ ብሄር ዘካየዶ
መጥቃዕቲ እውን ከም
ዘየለ ወስኹ ኣረጋግጹሎም፡፡
ብምቅጻል ነቲ ቁዱስ
ዕላማ ብዝምልከት
ዘሎዎም ዕቃቤታት
ኮነ ስክፍታ ብግልጽ
ኣምጽኦም ብምዝራቦም
ኣመስጊኑ ኩላትና
ኤርትራውያን ከም
ምኻና መጠን፣ ንሓድነት
ኤርትራ፣ ነቲ ዝተረጋገጸ
ናጽነት ኮነ ንልኡላዊነት
ሃገርናን ኩልና ዝምልከተና
ስለዝኾነ እቲ ሓደ
ካብቲ ሓደ በልጹ ኤርትራዊ
ዝኾነሉ ኣብነት ከም
ዘየለን፡ ኤርትራ
ንኩልና ሓደ ከም እትብጸሓና
ድሕር ምብራህ እቲ
መትከል ዘይኮነ ኣይናይ
ህዝቢ እዩ ነዚ መትከል
ተኸቲሉ ዝቃለስ ዘሎ
ንዝብል ሕቶ ቅኑዕ
መልሲ ምስ ዝርከብ
ስክፍታታትና ከም
ዝበልዩ ገሊጹ፡፡
ኤርትራዊ ኩናማ ኣብ
ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣
ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ
ኩርናዓት ዓለም ብስደት
ዝነብር ዘሎ ኮይኑ፡
ኣብ ጎረቤት ሃገራት
(ኢትዮጵያ ኮነ ሱዳን)
ከም ወዲ ሃገር መሰሉ
ተኸብሩ መሬት ረኽቡ
ዝሓርሰን፣ ጥሪት
(ማል) ኣርብሑ ዝነብር
ዘሎን፡ እንተኾነ
ካብ ማንም ንላዕሊ
ብኤርትራዊነቶም
ዝትኣማመኑን መዳሕንቶም
ናብ ዝተቐብረትላ
ሃገሮም ኤርትራ ንክምለሱ
ዝመሓሉን፡ ኣብ መሬት
ጓና ከም ዘሎው ተረድኦም
ንሃገሮም ንክምለሱን
ኤርትራውያን ምኻኖም
ብዘይ ፍርሒ ደረቶም
ነፍሖም ተጸቂጥና
እሎም ዝማጎቱን ንለውጢ
ዝቃለሱ ህዝቢ ምኻኖም
ብምግላጽ ማዕከላዊ መንግስቲ
ኤርትራ ብዝገበረሎም
ጭቆና ኮነ ጸቅጢ መዓርነት
ኮነ ፍትሒ ብምስኣን
ኣብታ እንኮ ሃብቶም
ዝኾነ መሬቶም እውን
ከይጥቀሙ ስለተከልኡ
ነዚ ቁዱስ መትከል
ከም ቅድመ ኩነትን
ውሕስነት ተቀቢሎም
ተሓንጊጦም እንተተቃለሱ
ክድገፉ እምበር ክንጸሉን
ብዓይኒ ስክፍታ ክረኣዩ
ኣይግባእን፣ እቲ
ውድብ እንተኾነ ብመንን
እንታዎት እዮም
ዝመርሑዋ ዘሎው
ንዝበል ኤርትራውያን
ኮይኖም ኣብ መንጎ
ኤርትራን ስርዓት
ሻዕቢያን ዘሎ ፍልልያት
ኣጸቢቆም ፈሊጦም
ኣብ መንጎ ሪፈረንዶም
ብምስታፎም ከም ዘይ
ደቂ ሃገርን ከም ገበነኛታት
ተራእዮም ብዝጽረፉ
ዘሎው ደቂ ሃገር ትምራሕ
ከም ዘላን፡ ዝምድና
ህዝቢታት ኤርትራን
ኢትዮጵያን ብቁጠባ
ኮነ ብካልእ መዳይ
ቀጻልን ወሳንን ንክኸውን
ብዝምነዩ ኤርትራዊያን
ትምራሕን፡ ተጨቁና
እሎም በዚ መትከል
ሓርነታዊ ናጽነትና
ነረጋግጽ እንተበሉ ጸገም ከምዘይመጽእ
ብሰፊኡ ምስ ኣብረሃሎም
ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ
ሓላፍቲ ሰውራዊ ባይቶ
ብጽቡቅ መንፈስን
ብሓጎስን ተቐቢሎሞ፡፡
ብዝተገብረሎም መብርሂ
ኣብ ብሄራዊ መልክዕ
ውደባ ኮነ ኣብ መትከል
መሰል ርእሰ ውሳኔ
ብሄራት ክሳብ ምግንጻል
ዝነበሮም ስክፍታ
ከም ዝቀለለ ገሊጾም፡፡
በዚ መንፈስ እቲ ኣኼባ
ብዓወት ተዛዚሙ፡፡
ንቀጻሊ እውን ተመሳሳሊ
መድረኻት ብምድላው
ከም ዝመያየጡ ክልቲኦም
ወገናት ተሰማሚዖም፡፡
ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ
ኮነ ተመክሮ ንውድባታትና
ጽቡቅ ልምዲ ምኻኑንን
ኣብ ቀጻሊ እውን ምስ
ዝኾና ውድባት ናይ
ምምይይጥ መድረኽ
ብምድላው ዘለና ኣፈላላይን፡
ዕቃቤታት ኣነጽርና
ነቲ ዓውደ ቃልሲ ብዝጠቅም
መንገዲ መሓዙት ኣብ
ምምማይ ጽቡቅ ተመክሮ
ከም ዝኾነ ውድብና
ዲምሓኩኤ ብትሪ ኣስሚሩሉ፡፡
መትከላት
ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም
ክዕንብቡ እዮም !!
|