ደንጉዩ ዝመጸና ዜና
ጸረ ህዝቢ
ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ
ነቲ ጉዕዙይ ተግባራቱን
ምሕደረኡን ኮኒኖም
ናብ ጎረባብቲ ሃገራት
ዝሃድሙ መንእሰያት
ንምዕጋት ከም ልማዱ
ናብ ከባቢ ብሄር ኩናማ
ዑሱባቱ ብምውፋር
ናይ ታህድድ ስርሓቱ
ይቅጽል ከም ዘሎ ተፈልጡ፡፡
በዚ መሰረት
ኣብ ዝሓለፈ ዕለት
27/10/2005 ብዑሱብ ፍራንኮ
ኮባባ፣ ናይ 1ይ ዴስክ
ሓላፊ ወልደ ገርግሽ
(ጫነ)፣ ኣብ ታይካናባ
ዝርከብ ሓላፊ ናይ
ስለያ ተስፋህወትን
ዑሱብ ሉተር ሙሳን
ዝርከቡዎም ኣብ ካርካሻ
ናይ ህዝቢ ኣኼባ ከም
ዝገበሩ ምንጭታት
ካብ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡
ካብቲ ኣኼባ
ኣቐድሙ ዑሱብ ሉተር
ሙሳ (ኦርሳ) ንሚልሻታት
ኣክቡ መንእሰያት
ካብዚ ከባቢ ይሃድሙ
ከም ዘለው ፈልጥኩም
እንታይ ኮይንኩም
ንዖም ንክንሕዞም
ዘይሓበርኩም፡ ክሃድሙ
ዝሓስቡ እንተለው
ሓቢሩና እሞ ሕዝና
ክንመኽሮም፡ ከምኡ
ድማ መንግስቲ ከምዚ
እሉ ከምዚ ክኸውን
እዩ እሎም ናብቶም
ተቓወምቲ ውድባት
ከይኸዱ ሓቢሩና እሉ
ከም እተዛረበ እቲ
ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ፡፡
ብኻልእ ዜና
ስርዓት ህግደፍ 12 ክፍሊ
ዝወድኡ ተመሃሮ ንሳዋ
ከይኸዱ ሓብኩሞም
ብዝብል ሰበብ ስድራ
ቤታት ይኣስሩ ከም
ዘሎው ተፈልጡ፡፡
በዚ መሰረት
ብዕለት 7/11/2005 ስርዓት
ህግደፍ ደቂኹም ናብ
ሳዋ ከይዶም ትምህርቲ
ንከይወስዱ ሓብኩም
ብዝብል ሰበብ ለቱ ዑስማን ኣጋር፣ ቱራዋ እድርስ
ከም ዝኣሰሩወንን
ብዕለት 14/11/2005 ካብ ቤት
ማእሰርቲ ከም ዝፈትሑዎን
እቲ ዝተረኽበ ዜና
ሓቢሩ፡፡
ስሱዕ ዝኾነ
ስርዓት ህግደፍ ነዘን
ክልተ ደቂ ኣንስቲዮ
ብሄር ኩናማ ካብ ቤት
ማእሰርቲ ክፍንወን
እንከሎ ደቂኹም እንተደኣ
ኣረክብኩም ጽቡቅ፡
እንተ ዘይኣረክብኩም
ግን 10,000.00 ናቕፋ ክትከፍላ
እኽን ምስ በሉወን ዝሃብኦ መልሲ
‹‹ንሕና ጽጉማት እና
እዚ ትብሉዎ ዘሎኹም
ገንዘብ ይትረፍ ከብዲና
እንዕንግለሉ እውን
ይብልናን››
እለን እንተመለሳሎም
እውን ርሕራሔ ዘይብሉ
ስርዓት ህግደፍ ግን ብታህድድ ብዝገበርክን
ገሪክን ክትኸፍላ
ኣለክን እሎም ድሕር
ምዝራቦም ለቱ ዑስማን ኣጋር
ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት
ቦታ ስራሕ ከም ዘበረሩዋ
ምንጭታት ሓቢሮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ
ኣብ ዞባ ደቡብ ደቂኩም
የህድምኩም ብዝብል
ሰበብ ቡዙሓት ስድራ
ቤታት ብኣልማማ ናብ
ቤት ማእሰርቲ ዳጉኖም
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቅሰ
ኣቀን ገንዘብ ንክከፍሉ
ከም ዘገደዱዎም ዝዝከር
እዩ፡፡
ብካልእ ሸነኽ
ካብ ኣሃዱታቶም ንዝሃደሙ
ወተሃደራት ተወላዶ
ብሄር ኩናማ ንምሓዝ
ብናይ ስርዓት ህግደፍ
ምንስትር ምኽልካል
ስብሓት ኤፍሬም ትእዛዝ
ፍሉያት ሰባት ብምምልማል
ናብ ከባቢ ብሄር ኩናማ
ከም ዘዋፈሮም ተፈልጡ፡፡
እዞም ብስብሓት
ኤፍረም ዝተመልመሉ
ሰባት ማንም ሰብ ከይሓቶም
መንቀሳቀሲ ካርዲ
ከም ዝተዋህቦምን፡
ኣብ ዝኾነ ካምቦታት
ወታሃደራት ይኹን
ኣብ ከተማታት ዝርከባ
ቤት መግቢታት እናከዱ
ብዘይ ጸገም ክበልዑን
ክሰትዩን እቲ ዝወጽእ
ወጻኢታት መንግስቲ
ክሽፍኖ ከም ዝኾነ
ተሓቢሮም ብዘይ ጸገም
ኣብ ዝደልዩዎ ቦታ
እንዳተንቀሳቐሱ
ንዝሃድሙ ወታሃደራት
ጥራይ ዘይኮነ ኣብ
ልዕሊ ንጽሃት ደቂ
ብሄር ኩናማ ብዘይ
ንሕስያ ከቢድ ወንጀል
ይፍጽሙ ከም ዘለው
ተረጋጊጹ፡፡
በዚ መሰረት
ብዕለት 2-3/11/2005 ንሓደ
ተወላዲ ብሄር ኩናማ
ቱቱ ሳለ ኣማ ንዝተባህለ
ካብ ሰራዊት ሃድሙ
ብምባል ንክሕዙ ምስ
መጹ ሃድሙ ከም ዘምለጦምን
ብዕለት 6/ 11/2005 ንኣድኡ
ኣቲፋ ጋሊ ሕዞም ናብ
ታይካናባ ዝርከቡ
ኣሃዱ ስለያ ወስዶም
ኣበሳብሶም ከም ዝለቀቁዋ
ምንጭታት ሓቢሮም፡፡
ብተመሳሳሊ
መንገዲ ብዕለት 17/11/2005
ናብ ቶለ ኣይማባ ብምኻድ
ንግዝኡ ሽሙ ብንጹር ንዘይተረጋገጸ
ተወላዲ ብሄር ኩናማ
ብገመድ ኣሲሮም ከም
ዝወሰዱን፡ በዛ ዕለት
ምሸት ንሻምበቆ ብምኻድ
ንክልተ ኣባል ብሄር
ኩናማ ንኣፍቶ ኩቱባን
ንኣቦ ዝተባህሉ ሕዞም
ከም ዝወሰዱዎምን፣
ድሕሪ ቡዙሕ ስቓይ
ንኣቦ ፈንዮም ንኣፍቶ
ኩቱባ ኣበይ ከም ዘብጽሑዎ
ከም ዘይተፈልጠ ካብ
ውሽጢ ምንጭታትና
ሓቢሮም፡፡
ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር
ብዕለት 18/11/2005 ኣብ ሩባ
ካርካሻ (ኣሙስክያ)
ብምኻድ ንብርክት
ዝበሉ መንእሰያት
ድሕር ምሓዝ ንኹሎም
ፈኒዮም ካብኣቶም
ንሓደ ሕዞሞ ከም ዝኸዱ
እቲ ዝተረኽበ ዜና
ሓቢሩ፡፡ ካብዚ ብምቅጻል
እዞም ዑሱባት ብምሸት
ንኣለዲ-ሽላ ብምኻድ
ንሓደ ጃባሊ ናይተ
ንዝተባህለ ሕዞም
ናብ ኣሸናፊ ኤፍሬም
ውሰደና ምስ በሉዎ
እቲ ወዲ ዝሃቦም መልሲ
‹‹ እዚ ሰብኣይ ኣብ
ገዛ ኣይሓድርን እዩ፡
ንሱ ዝርከብ ኣብ ናይ
ሕርሻ ቦትኡ እዩ ዝርከብ
ቦታ ሕርሽኡ ድማ ኣይፈልጥን
ክብል›› ምስ መለሰሎም
ተበሳጭዮም ነቲ ወዲ
ብበትሪ ቀጥቅጦም
ከም ዝፈነውዎ ምንጭታትና
ካብ ውሽጢ ሓቢሮም፡፡
ብኣጠቃላሊ
ስርዓት ህግደፍ ብዑሱባቱን፡
ኣረሜነ ዝኾኑ ሰባት
መልሚሉ ንዝሃደሙ
ሰራዊተይ ክሕዝ ደልየ
ብዝብል ጉልባብ ኣብ
ልዕሊ ብሄር ኩናማ
ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ፡
ብሄር ኩናማ ኤርትራ
ብተሪር ይኹንኖ ከም
ዘሎ ካብ ውሽጢ ምንጭታትና
ሓቢሮም፡፡