ዜና
ዓወት
ጀጋኑ
ተጋደልቲ ቀይሕ ባሕር
ኣፋር ዲሞክራስያዊ
ውድብ ብሸነኽ ደቡባዊ
ቀይሕ ባሕር ቢዱ
ኣብ ዝተባህለ ከባቢ
ፍሉይ ስሙ ዲቦ ዳቢ
ዳባ ኣብ ዝተባህለ
ቦታ ነቑጡ ኣብ ልዕሊ
ዝነበረ ሰራዊት ሻዕቢያ
ቀዳም ዕለት 03/12/2005 ልክዕ
ለይቲ ሰዓት 1፡30 ዕውት
ወታደራዊ መጥቃዕቲ
ከም ዝወሰደ ገሊጹ፡፡
ኣብዚ ብጀጋኑ ተጋደልቲ
ኣፋር ዝተውስደ ዕውት
መጥቃዕቲ ካብ ሰራዊት
ሻዕቢያ 8 ክቕተሉ
እንከሎው ን13 ድማ
ብከቢድ ከም ዘቁሰለን፣
ንቁሩብ ሰዓታት እቲ
ቦታ ሙሉእ ብሙሉእ ተቆጻጽሩ ወታደራዊ
ዕጥቅታት ድሕር ምምራኽ
ኣብቲ ቦታ ተሪፉ ዝነበረ
ንብረት ብምሉኡ ከም
ዘቃጸለ ገሊጹ፡፡ ብተወሳኺ ኣብቲ
ዝተወስደ ዕውት መጥቃዕቲ
ተከስተ መሓሪ ዝተባህለ
መራሒ ሓይሊ ከም ዝሞተ
ብምግላጽ፡ ተከስተ
መሓሪ ቀንዲ ዑሱብ
ሻዕቢያ ኮይኑ ናይ
ህዝቢ ንብረት ብምዝራፍን፣
ኣብቲ ከባቢ ንመንእሰያት
ብሄር ዓፋር ብሓይሊ
ዓፊኑ ንወታደራዊ
ታዕልም ሳዋ ዝልእኽ
ዝነበረ ቀንዲ ጻላኢ
ህዝቢ ምኻኑ ሓቢሩ፡፡
ድሕሪ እዚ ዕውት መጥቃዕቲ
ጅግና ሰራዊት ኣፋር
ብሰላም ንቦትኡ ከም
ዝተመልሰ ብተወሳኺ
ገሊጹ፡፡
ጀጋኑ
ተጋደልቲ ቀይሕ ባሕሪ
ኣፋር ዲሞክራስያዊ
ውድብ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት
ሻዕቢያ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ
እዚ ንፈለማ ግዜ ከም
ዘይኾነ ብምግላጽ
ሕጂ እውን ንህዝብና
ብሓይሊ ዝመርሕ ዘሎ
ስርዓት ህግደፍ ካብ
ሱር መሰረቱ ክሳብ
ዝመሓውን፣ ሕቶ ብሄር
ዓፋርን
መሰል ርእሰ ውሳኔ
ብሔር-ብሔረሰባት
ክሳብ ምግንጻል መትከሉ
ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ
ዝረጋገጽ ዝኽተሎ
ናይ ቃልሲ ኣንፈት
ምኻኑ ገልጹ፡፡
ብካልእ
ሸነኽ ስርዓት ህግደፍ
ኣጋጥሙዎ ብዘሎ ውሽጣዊ
ወጥሪ፡ ሰራዊቱ ኣብዚ
ግዜ እዚ ንክዋጋእ
ሞራል ከም ዘይብሉን፣
በዚ ምኽንያት ድማ
ብዙሓት ሰራዊት ሻዕቢያ
ከድዖም ንቀይ ባሕሪ
ኣፋር ዲሞክራስያዊ
ውድብ እዶም ይህቡ
ከም ዘሎው ብተወሳኺ
ሓቢሩ፡፡