464 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም

 

ካብ ዕለት 1-12 ታሕሳስ 2008 . 464 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም። ካብዚኦም 83 ደቂ ኣንስትዮ ክዀና እንከለዋ፤ 381 ድማ ደቂ ተባዕትዮ ኢዮም።

ኣብ መንጐኦም ድማ ህጻናትን ትሕተ-ዕደመ ዝዀኑ መንእሰያትን ብጹሓትን ይርከብዎም። ንጾታን ዕድመን ዝምልከት ዝርዝር ድማ ከም ዝስዕብ ኢዩ።

ደቂ ኣንስትዮ

ጠቕላላ ቍጽሪ ደቂ ኣንስትዮ 83 ኰይኑ፡ ዝርዝራቱ ድማ፡-

  1. ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚአን 15 ህጻናት፤
  2. ካብ 5-18 ዓመት ዘለወን ትሕተ-ዕድመ ዝዀና ህጻናትን መንእሰያትን 17
  3. ልዕሊ 18 ዝዕድሚአን ከኣ 51

ደቂ ተባዕትዮ

ጠቕላላ ቍጽሪ ደቂ ተባዕትዮ 381 ኰይኑ፡ ዝርዝራቱ ከኣ፡-

  1. ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት 7
  2. ካብ 5-18 ዓመት ዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን 65
  3. ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም ድማ 309

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

17.12.2008

   
</bo