ሓደ ስርዓት
ዲሞክራስያዊ እዩ
ንክትብሎ እተን ፍሉጣታት
ዝኾና ረቋሕታት ከማልእ
ይግባእ፡፡ ፍትሕን
ዲሞክራስን እተን
ዝያዳ ክስመረለን
ዝግባአ ጸጋታት እየን፡፡
ስርዓት ህግደፍ መዓሪነት
ፍትሒ ኮነ ሰብኣዊ
መሰላት ካብ መጠን
ንላዕሊ ረግጹ ሕጂ
እውን እንዳ ረገጸ
ብዛዕባ ፍትሕን ዲሞክራስን
ክዛረብ፣ ክሰብኽ
ከምኡ እውን ተረግጸ
ተበዲለ ንክብል ናይ
ሞራል ሓላፍነት የብሉን፡፡
እወ ኤርትራውያን
ኣሕዋት ኣብ ዲያስፖራ
ዘሎው ናይ ዲሞክራሲ
መቐረት ስለ ዝጠዓሙ
ከምኡ ንክብሉ ሓቆምን
ባህሪያዊ እዩ፡፡
መሰረታት ዘይብሉ
ብዘዓባ መሰረታት
ክዛረብ ኣይያጥዕመሉን
እዩ፡፡ ንሱ ንነፍሱ
ቀሽሹ መሰረታት ወክለ
ይዛረብ ኣሎኹ ይበል
እምበር ዝሰምዖ መሰረታት
ኮነ ኣባል የለን፡፡
ሎሚ ከምቲ
ኣብ መርበብ ኢንተርነት
ከም ዝረኣናዮ ብዙሓት
ኤርትራዊያን፡ ዓለም
ወይ ከኣ ሕቡራት መንግስቲ
በድሉና ክብሉ ሰላማዊ
ሰልፊ ገይሮም ኣለው፡፡
ማእከላዊ ሕቶ ናይዚ
ሰላማዊ ሰልፊ ከኣ
ኤውሮጳ ኮሚኒቲ ኣብ
ልዕሊ ኢትዮጵያን
ኣሕዋትና ማዕቐብ
ንክገብሩ እዩ፡፡
እቲ ዝገርም ነጥቢ
ከኣ እዚ እዩ፡፡ ኣብ
ደገ ዲያስፖራ ዘሎ
ህዝቢ ስልጡን እዩ፣
ኩናት ይጸልእ፣ ናይ
ዲሞክራሲ ኮነ ፍትሒ
ትርጉም ይፈልጥ እዩ
እንዳ ተባህለ ብዛዕባ
ኩናት ክማጎት ምርኣይ
ዘስደምም እዩ፡፡
ውሳኔ ኣልጀርስ ክትግበር፣
ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ፣
ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ
ማዕቐብ ይገበር እልካ
ንመጻኢ ከኣ ሓብርና
ናይምንባር መደብ
ምሓዝ ዝኸይድ ኣይኮነን፡፡
ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ
ስርዓት እምበር ምስ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸገም
የብልናን ክብሉ ጸንሖም
ኣብ ልዕሊ እቲ ጽባሕ
ብሓንሳብ ክነብር
እና ዝብሉዎ ህዝቢ
መርገም ምውራድ ሓቂነት
የብሉን፡፡ ሰላማዊ
ሰልፊ ምግባር መሰል
ስለ ዝኾነ ኣይግድን፡፡
በቲ ዝረኸብካዮ መሰል
ኣቢልካ መሰል ካልኦት
ምጉዳእ ዝቅበል ኣይኮነን፡፡
ኣምር ናይቲ ሰላማዊ
ሰልፊ ክኸውን ዝግብኦ
ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ
ኮይኑ ህዝቢ ዓለም
ኣብ ልዕሊ እዚ ዕቡይ
መንግስቲ ናይ ዲፕሎማቲክ
ኮነ ናይ ምንቅስቓስ
መዓቐብ ንክገብሩ
ዝጽዋዕ ክኸውን ነይሩዎ፡፡
ፍትሒ፣ መዓርነት
ናይ ዲሞክራሲ ባህሊ
ንዘይብሉ ስርዓት
ተማግትካ ኣንጻር
እቲ ጽባሕ ይጠቅሙና
እዮም ሓብርና ንክንነብር
መደብ ኣሎና ንዝበሃሉ
ህዝቢ ምጉዳእ ዲሞክራስያዊነት
ኣይኮነን፣ ክተባባዕ
ዝግብኦ መንገዲ እውን
ኣይኮነን፡፡ እንተ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ትሕቲ
ስርዓት ኢሰያስ ዘሎ
ተገዲዱ ኮነ ተሳሕቱ
ነዚ ስርዓት ክድግፍ
ይክእል ይኸውን፡፡
ዝገደዶም ዘይለ ክንሱ
ንረብሓ ህዝቢና ዝጻረር
መንገዲ ምምራጽ ቅኑዕ
ኣይኮነን፡፡ ሕጂ
እውን ዳግማይ ጌጋ
ከይንፍጽም ሓደራ
ይብል፡፡ ኣብ ዝሓለፈ
እዋን ብዘተ ክፍታሕ
ዝግብኦ ጉዳይ ናብ
ኩናት የእትዩ መንእሰይ
ኤርትራ ኣብ ሓዊ ኣብ
ዝዳጎነሎም እዋን
ብሓይሊ ገንዘብ ኣብ
ጎኒ ስርዓት ኢሰያስ
ጠጠው ዝበለን ዓቢ
ገበን ዝፈጸመ እዚ
ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ
ክፋል ሕብረተሰብና
እዩ፡፡ ምኽንያቱ
እንተበልካ ሃገራውነት
ይብሉ፡፡ ብቀልሉ
ክፍታሕን ብሰላም
ክእለ ዝግባእ ጉዳይ
ናብ ኩናት ንዘዳጎነና
እሞ ንሓዋሩ ኣብ ጽልኣት
ንክንነብር ንዝገበረ
ስርዓት ምሕጋዝ ሃገራዊነት
ኣይኮነን፡፡ ምስ
ዘይፍታሓዊ ዝኾነ
ስርዓት ምውጋን ሃገራዊነት
ኮነ ንፍትሒ ጠጠው
ምባል ኣይኮነን፡፡
እዚ ጃንዳነት እዩ፡፡
ጃንዳነት ከኣ ካብ
ዲያስፖራ ዘሎ ንቁሕ
ኣካልና ንጽበዮን
ነረጋግጾ ወድዒ ኣይኮነን፡፡
ሕጂ እውን ዳግማይ
ጌጋ ከይንፍጽም ናብ
ልብና እንተ ንምለስ
ይጠቅመና እምበር
ኣይጎድኣናን፡፡
ነዚ ዕቡይ ስርዓት
እልና ምስ ኣሕዋት
ጎረባብቲና ክንቋሰል
የብልናን ኣይግበኣናን፡፡
ፍትሒ ረግጹ ተመልሱ
ተበዲለ ዝበለ ስርዓት
ብዝኾነ ኣገባብ ክድገፍ
የብሉን፡፡
መትከላት
ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም
ክዕንብቡ እዮም !!