መስተንክራዊ ዓወታት ኣሃዱታትን ህዝባዊ ደገፋቱ

ቀዳማይ ክፋል

 

 

ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ብዓወታት ሰራዊት ክሳነ ኣለዎ፡፡ ህላዌ ናይቲ ቃልሲ ብጭቡጥ ዓወት ክስተማቐር ናይ ግድን እዩ ዝኸውን፡፡ እዚ ምስ ዘይህሉ ህዝቢ ክውደብን ቀጻልነቱ ከረጋግጽ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን፡፡ ናይ ሎሚ ቅነ ዜና ዓወት ጀጋኑ ሰራዊት ዲምሓኩኤ ምስ ተስምዔ ኣብ ውሽጢ ህዝቢታት ኤርትራ ክልተ ስሚዒታት ፈጢሩ፡፡

ቀዳማይ፡- ተናዕቁን ፈሪሱን ክበሃል ዝጸንሔ ውድብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስተንክራዊ ዓወት ምምዝጋቡ ዘስደመሞም ምኻኑ ዝገልጹ ብሓደ ሸነኽ፡-

ካልኣይ፡- ፕረዝደንቲ ኢሰያስ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ዘሎ እዋን እሞ ከኣ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ፍልልይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕውት ስርሕት ምክያድ እቲ ክንብሎን ክንጀሃረሉን ዝጸናሕና ሓለዋ ሰውራ ኣበይ ከደት? ምስ ዓሊ ሰይድ ድዩ ተቐቢሩ? ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን፡፡ ንዓሊ ሰይድ ብምምጓስ ወይ ከኣ ንምንእኣስ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ ምስቲ ትካል ንምዝማድ እንተዘይኮይኑ፡፡ ናይ ብሓቂ መስተንክራዊ ዓወትን ስርሕትን እዩ ነይሩ፡፡ ካብዚኤን ክልተ ዝተደዋወሳ ርእይቶታት ብምብጋስ ፍርሒ ዝሓደሮም ሓይሊታት ኮነ ሃገራውያን ኣይ ክጠፍኡን እዮም፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ህልው ኩነታት ሃገርናን ምስዚ ሓድሽ ምዕባሌ ንክዛመዱ ፍቃደኛታትን ሕጉሳት ዘይኮኑ ሓይሊታት ንክህልው ባህሪያዊ እዩ፡፡ ትማሊ ትማሊ ሓደ ዝደቀሰን ዝወግሔ ሰራዊት ረኽቦም ቶክሶም ብምቅታል ነዛ መሬት ናብ ክልተ ክመቅሉዋ ዝተንቀሳቐሱ ሓይሊታት ሎሚ ሓንቲ ክብሉ ዘይምድላዮም መጻኢ ዕድል ናይ ህዝቢታት ከይተስፉው ድልየት ከም ዘይሎ ዝርኤ እዩ፡፡ ሓቂ እዩ ዘይሕሰብ ዘይኮነ ዘይትግበር ዘይኮነ ዘይቅበል መሰተንክራዊ ዓወት ምኻኑ እና ዘረጋገጽና፡፡ ኣብ ከባቢ ፎደን ጀርበትን እንተ ዝህሉ ፕረዝደንት ኢሰያስ ብሰላም ኣይምተመልሰን ንዝብል ሓሳብ መርትዖ ኣይ ምተረኸበን፡፡ ህዝቢ ከመጉሰናን ክድግፈናን ጥራይ ኣይኮነን ሰራዊትና ነዚ መስተንክራዊ ስርሕት ዝገበረ፡፡ ኣብ ካልኣይ ኣኼባ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተወሰኑ ውሳኔታት ተግባራዊነት ንምርግጋጽ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ መዳይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እቲ ዜና ዘይበጽሖም ሓይሊታት በዚ ኣጋጣሚ ንክበጽሖም እንዳ ተመንኹ ውድባዊ ኣቅሚታትና ውሳኔታት ኤዲ.ኪ ንምፍጻም ዘይንሓምቕ ምኻና ግን ብተግባር ኣርእና ኢና፡፡ ዞናው ኩነታት ዝቅይር ስርሕት፡ ንስርዓት ኢሰያሰ ናብ ካቢነ ኣኼባ ዝዓደመን፣ ምስ ኣንሚ ናብ ዋጥጥ ዘእተወ ስርሕት ኢዩ ነይሩ፡፡ በዚ ከኣ ሓርነታዊ ሰራዊት ዲምሓኩኤ ክሕበኑ ይግባእ፡፡ እዚ ንብሎ ዘሎና ስርሕት ህዝባዊ ደገፉ እንታይ ይመስል እንተበልና  ዜና ዓወት ምስ ሰምዑ ዝተለኣኩ ናይ ሓጎስ ኮነ ናይ ቃልሲ ለበዋታት መርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡

ሓፈሻዊ መልእኽቲ ካብ ጨንፈር ካርቱም፡ ንኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደቂ ብሄር ኩናማ

ኩላትና ከም እንፈልጦ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ካብ ግዝኣት ንጉስ ባዘን ኣክሱም ጀምሩ ክሳብ ሐጂ ቅሳነትን ጽቡቅ ትምህርቲን፣ ሃብቲን ከምኡ ድማ ብፍላይ ኣብ ከባብኡ ርግኣትን ሰላምን ከም ዘይረኸበ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡

ንሕና ከም ብሄር ተቆጽርና ንምርግጋጽ መሰልና ዝበቃዕና እንተኾይና ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓደ ብሄር ክንግዛእ እንተ ኾይና ነዘን ክልተ ዕድላት እወ ወይ ኣይፋሉን ዝብል መልሲ ዝርከብ ካብ ብሄር ኩናማ ጥራይ ኢዩ፡፡

ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን እንታይነት ዓይነት ታሪኽ ሓዲጎምልና ከም ዝኸዱ ንሕና ዘይኮናስ ሎሚ እቶም ናዓና ዝንዕቁና ዘሎውን እቶም ትምክሕተኛታት እውን ይፈልጡዎ እዮም፡፡ ብዛዕባ ብሄር ኩናማ ክዝክሩ እንከሎው ኣብ ልሳኖም በርበሬ ከም ዘቓጸሎም እዮም ዝዓብዱ፡፡

ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ለበዋና እን ተመለስና፡ ንሕና ኩናማ ኣብ ታሪኽና ንፈለማ ግዜ ውድብ መስሪትና ንቓለስ ኣለና፡፡ ዕላማ ናይዚ ቃልሲና ነቶም ዝሰኣናዮም መሰላትና ንምሕላው እምበር ከም ነጋዳይ ንስራሕን ንመክሰብ ወይ ከኣ ንህላዌ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝረጋገጸሉ ዓውደ ቃልሲ ከም ዘይኮነ ንሕና ጥራይ ዘይኮናስ ዓለም እውን ዝመስከረልና ሓቂ ኢዩ፡፡

ስለዚ እዚ ናይ ቃልሲ ዓውዲ ንኩላትና ደቂ ብሄር ኩናማ ዝምልከት ዓውዲ ምኻኑ እምነትና ኢዩ፡፡

እዚ ዓውዲ ቓልሲ እዚ ንኩላትና ከም ዝምልከተና ሪዱእ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሕዞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ገሊኦም ብሄር ኩናማ ነዚ ቃልሲ እዚ ዕንቅፋት ብምፍጣርን ነዚ ዓውደ ቃልሲ እዚ ከም ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ብምምሳልን (ብምቁጻር) ብምንጻግን ወይ ምጽላእ ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ቃልሲ ኣንጻሩ ምውጋንኩም ካብ ነዊሕ እዋን ተረድእና፡፡ ይኹን እምበር ነቶም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣንጻር ኩናማ ዝወገኑ ምናልባት ሓደ መዓልቲ ተጣዕሶም ካብቲ ሕማቅ መገዲ ይምለሱ ዝብል ግምት ነይሩና፡፡ ይኹን እምበር መጠኑ ዝሓለፈ ትምክሕታዊ ጉዕዞ፡ ኣብ ዝመሽመሸ ደረጃ እዩ ዝበጽሔ፡ ሕጂ ንስኻትኩም እውን ኣብዚ ብርኪ እዚ በጽሕኩም ኣለኹም፡፡

ሓደ ክንስሕቶ ዘይግበኣና፡ እዚ ቃልሲ እዚ ናይ ኣዶላይ ወይ ከኣ ናይ ተወልደ ወይ ንስኹም ነዚ ቃልሲ ተስተናዕቁ ዘሎኹምን፡ ንሕና እዚ ሓቂ እዩ ንብል ዘለና እውን ኣይኮነን፡፡ እዚ ናይ ሓፋሽ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ቃልሲ ኢዩ፡፡ ከምኡ እውን ነዚ ቃልሲ ዝፈልጥ ብሄር ኩናማ ኣብ ጎንኡ ተሰሊፉ ንክቃለስ መሰሉን ግደታኡን ኢዩ፡፡ እዚ እንተ ዘይኮነ ኣፎም ዓጽዮም ስርሖም እንተ ዝሪእዩ ይሓይሽ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መንጎና ሸጣን እንተ ኣሎውን ንኡ ገድፍና ንሻዕቢያ ክንገጥም ኣሎና እምበር ናብቲ ሸጣን ኣይኮነን፡፡ ስለምንታይ እንተደኣ እልና፡ ናዓና ዝነዓቀና ሻዕቢያ እምበር ሸጣን ስለ ዘይኮነ እዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ እዋን ኣብ እንተርነትኩም እተመሓላሊፉዎ ዘለኹም ዜናታት ወላ ሓደ ንህዝቢ ኩናማ ዝጠቅም የብሉን፡፡ ንስኻትኩም እተመሓላሊፉዎ ዘሎኹም ዜናታት ይኹን ጽሑፋት ነቶም ትምክሕታውያን ልቦም ዘረስረሰ እምበር ሓደ ንብሄር ኩናማ ዝጠቅም ጽሑፋት የብሉን፡፡

ብካልእ ኣተሓሳስባ ብሄራት ኤርትራ ታሪኽ ብሄር ኩናማ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ንዓቶም ክንምህሮም ኢና ማለት ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባኹም ተበጊስኩም ኣብ ዌብ-ሳይትኹም ታሪኽን ባህልን ናይ ብሄር ኩናማ ትዝርዝሩ ኣሎኹም፡፡ ብካልእ ሸነክ ድማ ነቲ ሰራዊት እንዳ ጸረፍኩም ክስቶ ድክታተር እዩ፣ ክስቶ ንጹህ እዩ ግን ቀንጺሎሞ እልኩም ክሳብ ሕጂ እዋን ትዛረቡ ኣለኹም፡፡ ይኹን እምበር ንሕና ድክታቶር ይኹን ንጹህ  ኣብ ዓወደ ቃልሲ ዘሎ ጅግና እና ንብል ዘለና፡፡ እሞ ንስኻትኩም እንታይ እኹም? እቲ ቀንዲ መልእኽቲና ኣብዚ ኮይኑ ድክታቶር ይኹኑ መልኣኽ ይኹን ውሽጣዊ ሚስጢርና ሻዕቢያ ክፈልጦ የብሉን ንብል ኣሎና፡፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ንስኻትኩም እውን ብግልጺ ሻዕቢያ ምኻንኩም ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡ ሻዕቢያ እንተኾይንኩም ድማ እታ ካልኣይቲ ሕቶ ኣብ ልዕለኩም የብልናን፡ ስለምንታይ ሻዕቢያ መን ምኻኑ ኣጸቢቅና ስለ እንፈልጦ፡፡ ሻዕቢያ ቁም ነገር ዘይብሉ፣ ህዝቢ ዘበሳብስ እዩ ንስኩም ድማ ሻዕቢያ እንተተኸቲልኩም ቁም ነገር ዘይብሉ ስራሕ እኹም ትሰርሑ ዘሎኹም፡፡

መትከላት ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም ክዕንብቡ እዮም !!

መልእኽቲ ሓጎስ ኣብ ሱዳን (ከሰላ) ዝነብሩ ኣባላት ውድብ (ዲምሓኩኤ)

ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ንተቐማጦ ሱዳን ከሰላ ዝኾኑ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ዓቢ ህዝባዊ ኣኼባ ብምጽዋዕ ብዓወት ኣሰላስሉ፡፡

ብዕለት 07/10/2005 መዓልቲ ኣብ ሱዳን (ከሰላ) እተኻየደ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣልዒሉ ካብ ዝተመያየጠሎም ነጥቢታት፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ህዝብን ውድብ ዲምሓኩኤን በጽሑዎ ዘሎ ደረጃ ብሓፈሻ ምስ ተገለጸሎም፡ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዘለዎም ርእይቶን፣ ሓሳባቶም ድሕር ምግላጽ ንጅግና ሰራዊትን ንኣባላት ውድብን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ኮይኖም ንመሰልን ክብረትን ብሄር ኩናማ ንምሕላው ዝቃለሱ ዘለው ወገናት ሓድነትና ነጠንክር ዝብል ናይ ደገፍ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብሓፈሽኡ ተኻፈልቲ እቲ ኣኼባ ኣልዒሉ ካብ ዝተመያየጠሎም ነጥቢታት፡-

1.              ተቓወምቲ ውድባት ይኹኑ ስርዓት ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማን፡ መሪሕ ውድብኡ ዲምሓኩኤን ዘሎዎም ሕማቅ ኣረኣእያ ሎሚ ንፈለማ ግዜ ከም ዘይኮነ፡ ሕጂ እውን ከምኡ ይቅጽሉ ከም ዘሎ ንማንም ከም ዘይጠፍኦ፣

2.              ከምኡ ድማ ብነፍሶም ኩናማ ኮይኖም ንቃልሲ ብሄር ኩናማ ዓንቅፎም ነቲ ብሄር ኩናማ ሓድነቱ ኣጠንክሩ ዝቃለሰሉ ዘሎ ውድብ ዲምሐኩኤን መራሕቱን ሽም ዘጸልሙ ዘሎውን፣

3.              ከምኡ እውን ‹‹ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል›› ዝብል ዓላማ ብዝምልከት፡፡

1.       ተቓወምቲ ውድባት ይኹኑ ስርዓት ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማን፡ መሪሕ ውድብኡ ዲምሓኩኤን ዘሎዎም ሕማቅ ኣረኣእያ ሎሚ ንፈለማ ከም ዘይኮነ፡ ሕጂ እውን ከምኡ ይቅጽሉ ከም ዘሎ ንማንም ከም ዘይጠፍኦ፣

መንግስቲ ሻዕቢያን ገለ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ህዝቢ ኩናማን መሪሕ ውድብኡ ዲምሓኩኤ ዘሎዎም ሕማቅ ኣመለኻኽታ ሎሚ ንፈለማ ግዜ ዘይምኻኑን፡ ሕጂ እውን ብናህሪ ይቅጽል ከም ዘሎ ንኩሉ ብሄር ኩናማ ብሩህን ግልጽን እዩ፡፡ ዝኾነ ብሄር ኩናማ ነዚ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሕዙ ደድሕረና ተኸቲሉ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጸላኢ ኣመላኻኽታ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽን ካብ መሪር ዓውደ ኩናትን መጀመርታ ሓድነት ናይ ህዝብና ኣክብና ካብኡ ንዘጋጡሙና ብድሆታት ንምግጣም ኣገዳሲ እዩ፡፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝጨበጥናዮ ዓወታትናን ተመክሮታትናን ኣቅብና ኣብ ዘለና ሃሊና ንውድብን ህዝብን ብትሪ ንምኽልኻልን ድልዋት እና ብምባል ናይ ደገፍ ርእይትኦም ገልጾም፡፡

2.       ከምኡ ድማ ብነፍሶም ኩናማ ኮይኖም ንቃልሲ ብሄር ኩናማ ዓንቅፎም ነቲ ብሄር ኩናማ ሓድነቱ ኣጠንክሩ ዝቃለሰሉ ዘሎ ውድብ ዲምሐኩኤን መራሕቱን ሽም ዘጸልሙ ዘሎውን፣

ክሳብ ሕጂ ውድብ ዲምሓኩኤ ምስ ህዝቡ ከይተፈላለየ ኣብዚ ደረጃ ብምብጽሑን፡ ከምኡ ድማ ንሓርነት ብሄር ኩናማ ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ሰፍ ዘይብል ግደ ብምርካት ኣብዚ ብርኪ ከም ዝበጽሐ፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ጸረ ብሄር ኩናማ ዝንቀሳቐሱ ዘሎው ኣዳዕድዖም ክፈልጡዎ ይግባእ፡፡ ከምኡ ድማ ነዝኦም ካብ ሻዕቢያ ፈሊኻ ዘይረኣየሉ ምኽንያት ከም ዘይለ እቶም ተኻፈልቲ እቲ ኣኼባ ብትሪ ናይ መጠንቀቅታ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብፍላይ ድማ ካብ ነውሕ እዋን ኣትሕዞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ገለ ውልቀ ሰባት፡ ብሄር ኩናማ ናጽነቱ ንከይጎናጸፍ ህዝብን ውድብን ክንበታትኖ ኢና፡ ንውድብን መራሕቲን ንጻረፍ ኣሎና ብምባል ነቲ ሓፋሽ ብሄር ኩናማ እውን ይጻረፉ ከም ዘሎው ክፈልጡ ይግባእ፡፡ ከምኡ ድማ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር እምበር ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፍርዶም ክረኽቡ ምኻኖም ክፈልጡ ይግባእ ክብሉ ሪእይትኦም ኣመሓላሊፎም፡፡

ክሳብ ሕጂ ካብ ሓርነታዊ ገድሊ ጀሚሮም ኣብ ዓውደ ግድሊ ዘሎው ገለ ተቓወምቲ ውድባትን ኩነታቶም እንተተዓዘብና እውን ክሳብ ሕጂ ነቲ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ምንም ለውጢ ከም ዘይኣምጸኡን፡ ብጀካ ህላዌኦም ንምጥያሽ ጥራይ ደው ከም ዝበሉ ተረድእና ኣለና፡፡ ሕጂ እውን ገለ ውድባት ምስ ጸላኢ ብምውጋን ነቲ ዕምሪ ስርዓት ንምንዋሕ መሰናኽላት ይፈጥሩ ኣሎው፡፡

ምስ ጻላኢ ብብረት ክንቃለስ የብልናን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራይ ክንቃለስ ኣለና እሎም ዝፍክሩ ከም ዘሎውህዝቢና ክርድኦ ኣለዎ፡፡ ከምኡ ድማ በዚ መሰናክልኦም ከይተደናገርና ቃልስና ኣንጻር ሻዕቢያ ብኹሉ ኣገባብ ቓልሲ ተጠቅምና ንህዝብና ኣብ ሓጽር እዋን ቅሳነት ክንህብ ኣለና ክብሉ ርእይቶም ገሊጾም፡፡

3.       ከምኡ እውን ‹‹ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል›› ዝብል ዓላማ ብዝምልከት፡፡

ክሳብ ሕጂ ንሕና ብሄር ኩናማ ኣብ ሕቁፊ መሪሕ ውድብና ሓድነትና ኣጠናክርና ኣብዚ ደረጃ ክንበጽሕ ዘክኣለና እንተሎ፡ ብብሄራዊ ውደባን፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ተሓንጊጥና ዘምጻእናዮ ዕላማና ጠንክርና ስለተቓለስና ኢዩ፡፡ ንሕና ብብሄርና ስለተገፋዕናን፣ እቲ ስቓይ ድማ እናከበደ ስለዝመጸኤ እምበር፣ ካብ ባዶ (ዜሮ) ተበግስና ከም ዘይተቓለስናን፣ ከምኡ እውን ኣብ ገዛ መሬትና ተዓምጽና፣ ክብረትናን መሰልናን ስለዝሰኣና እና ነዚ ቃልሲ መሪጽና፡፡

ስለዚ ውድብ ዲምሓኩኤ ንመሰል መላእ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ንመሰል ብሄር ኩናማ ይቃለስ ዘሎ ውድብ እዩ እምበር ኣብ ሓድነት ውድባት ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ናይ መርሕነት ቦታ ንክረክብ ከም ዘይኮነ፡ ዝምልከቶም ኩሎም ክፈልጡዎን፡ ነዚ ንክፈልጡ ድማ ዕላማ ብሄር ኩናማ ‹‹ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል›› ክሸራረፍ ከም ዘይብሉ ኣብ ኣኼብኦም ኣብርሆም፡፡

ኣብ መጨረሻ ብጅግና ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ኣብ ልዕሊ ጻሊኢ ዝተወስዴን ዝተሓፍሰ ዓወታት ኣመልክቱ ናይ ሓጎሱ መልእኽቲ ከምሓላልፍ እንከሎ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቅሰ ናጽነትና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክነረጋግጽ እንተደኣ ኮይና ምስ እንቀሳቐስን (ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ከቢድ መጥቓዕቲ ምስ ንወስድ) ጥራይ ከም ዝኾነ ሕጂ እውን ብዕለት 29-30/09/2005 ብጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ኣብ ፎደን ጀርበትን ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ስለያ ሻዕቢያ ዝተወስደ ስጉምቲ ብጣዕሚ እና ተሓጉስና፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንጅግና ኣባላት ሰራዊት ዲምሓኩኤን፣ መርሕነቱ ምስጋናና ወሰን ከም ዘይብሉ ክንገልጽ ንፈቱ፡፡ ኣብ ጎንኩም ተሰልፍና ካባና ዝድለ ዘበለ ኩሉ ክነበርክት ድልዋት ከም ዘለና ክነረጋግጸልኩም ንፈቱ፡፡ ህዝብኩም ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንኩም ስለዘለና ምንም ኣይትፍርሑ ኣይትጠራጠሩ ክብሉ ናይ ደገፍ መግለጽኦምን ትምኒቶምን ኣመሓላሊፎም ክብል ካብ ሱዳን ዘመጸ ዜና ብሓፈሽኡ ጸብጺቡ፡፡

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተላእኸ ናይ ጽንዓትን፣ ሓጎስ መልእኽቲ

ኣብ ትሕቲ ስርዓት ሻዕቢያ ዝርከብ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሽግር ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ናይዚ ግፍዕን ጭቆናን ባብ ክዕጾን፡ ናጸነትና ንክረጋገጽ እዚ ተታሓሕዝናዮ ዘሎና ቃልሲ ክሳብ መጨረሽትኡ ምስ እነብጽሖ ጥራይ እዩ ዝኸውን፡፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ መስዋእቲ ዘሎ እዩ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፎደን፡ ጀርበትን ንህዝቢታትን ብሄራት ኤርትራ ካብቲ ረኽቡዎ ዘሎ መኸራ ንክተናግፍዎ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝወስድኩሞ መጥቓዕቲን ክሳራታትን፡ ዓወትን ምስ ሰማዕና ብጣዕሚ ተሓጉስናን ንእድናኩምን ኢና፡፡ ኣሰናይ እናበልና መልእኽቲ ሓጎስና ንልእኸልኩም ኣሎና፡፡ እቲ ዝወስድኩሞ መጥቓዕቲ ተስፋ ኮይኑና ኢዩ፡፡ ናጽነትና እነረጋግጽን ኣብ ካበቢና ብዓልና እንመሓደር ብብሄርና ተወድብና ምስ እንቃለስ ጥራይ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ተታሓሕዝኩሞ ዘሎኹም ቃልሲ በርትዑ፡፡ ናጽነትናን መሰልናን እነረጋግጽ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዘሎና ተወላዶ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ክንሰምርን ክንጽንክር ከም ዘሎና ንዓኹም ምሕባር ኣይደልን፡፡ ብዘይ መስዋእቲ ናጽነትን መሰልናን ክነረጋግጽ ከም ዘይከኣል ክፍለጥ ይግባእ፡፡ በዚ ሕጂ ዝወሰድኹሞ መጥቃዕቲ ጸላኢ ኣብ ስንባዴ ኣቲዩ ስለዘሎ ሕጂ እውን ብተወሳኺ መጥቃዕቲታት ክውሰዱ ንላቦ፡፡

መትከላት ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም ክዕንብቡ እዮም !!