መስተንክራዊ ዓወታት ኣሃዱታትን ህዝባዊ ደገፋቱ ብ ውልቀ መራሕትን ኣባላት ዲምሓኩኤን

ሳልሳይን  መወዳእታ ክፋል

 

መልእኽቲ ሓጎስ ብዶር. ኣልኣዛር ዮሴፍ

ኣብ ፎደን ኣብ ጀርበትን ብጀጋኑ ኣሃዱታት ዲምሓኩኤ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝተወስደ ስጉምቲ ንብሄር ኩናማ ኤርትራ ንዝሓስቡ ዓቢ ሓጎስ ኢዩ፡፡ ከምኡ እውን ንብሄር ኩናማ ዓምጺጾም ኣብ ትሕቲኦም ንክገብሩዎ ንዝንቀሳቐሱ ከኣ ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ፡፡ ኣነ ብውልቀይን ኮምኡ እውን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቅመጡን ንመሰል ብሄር ኩናማ ኤርትራ ተግሆም ዝቃለሱ እንቋዕ ነዚ ዓወት እዚ ኣብጸሓና ንብል፡፡ ካብዚ ንደሓር እንተኾነ እውን ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብዝጠዓሞም መንገዲ ብተወሳኺ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ጥርጥር የብለይን፡፡ ሰላም ዝተሓሰመ ስርዓት ሻዕቢያ በዚ መንገዲ ጥራይ ኢዩ ስዕረቱ ዝጉልበብ፡፡

መልእኽቲ ብጻይ ጋዮ ኣቤል

ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ኣብ ጀርበትን ፎደን ነቁጦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስለያ ስርዓት ሻዕቢያ ዝወሰዶ ዕውት መጥቃዕቲ ብምምጓስ እንቋዕ ደስ በለካ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፈቱ፡፡ ኩላትና ከም እንፈልጦ ስርዓት ሻዕቢያ ብናይ ጸጥታዊ መሓውራቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ንዝነብር ህዝቢን፡ ብፍላይ ከኣ ንብሄር ኩናማ ኤርትራ ዓቢ ስቓይ ኣውሪዱሉ ኢዩ፡፡ ስለዚ እቲ ብጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ዝተወስደ መጥቃዕቲ እዋናውን ኣገዳሲን ከም ዝኾነ ተረድኤ፡፡ እዚ ዝተወስደ መጥቓዕቲ ድማ ንሻዕቢያን መሓውራቱን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲኦም ጸረ መሰል ርእሰ ውሳኔ ብሄር ኩናማ ነጽጎም ምስቲ ስርዓት ዝደናገጹን ዝተሓባበሩን ሓይሊታት እውን ዝምልከት ኢዩ፡፡

ሓድነትና ክጥንክር ኢዩ !!

ብሄር ኩናማ ንዝጻብኡዎ ክምክት ኢዩ

መልእኽቲ ኣቦ ጀርሚያ ጎኘ

በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን

እንሆ ብህል ኣቦታትናን ኣባሓጎታትና ተፈጺሙ

ዮሃና ጅግና ተጋዳላይ ዲምሓኩኤ

ጅግና ተጋዳላይ ዲምሓኩኤ፡ ናይ ጅግንነታዊን መስተንክራዊ ስርሓትካ ዜና ተበስረ እየ፡፡ በዚ መስተንክራዊ ስርሓትካ ድማ ንዓኻ ዝፈትውኻ ክዘሉ እንከለው፡ እቶም ንዓኻ ድጸልኡ ድማ ሕማም መርዘን ሕዙዎም ክሳዶም ኣቅንዖም ክጥምቱ ኣይከኣሉን፡፡

ደሃይኩም ናብ ኩሉ ቦታ ተሰሚዑ ጁላንድ፣ ደንማርክ፣ ካብኡ ሓሊፉ ኣውስትራሊያ ንውዘርላንድ፣ ጀርመን፣ እንግላንድ፣ ኒዮውርክ ዘሎው ኩሎም እንቋዕ ደስ በለካ እሎምካ፡፡ እወ ንስኻትኩም ጀጋኑ እኹም፣ ወፊርኩም ብዘይ ዓወት ኣይትምለሱን እኹም፣ ብኣፍ ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባርኩም እትድምድሙ ጀጋኑ እኹም፣ ደሃይኩምን ሽምኩምን ኣብ መላእ ዓለም ተበስሩ እዩ፡፡ ንስኻትኩም እኹም ናይ ብሄርኩም  ስቓይ እትፈልጡ፡፡

ኣነ ካብ ጎንኹም ከም ዝተፈለኹ ይስመዓኩም ይኸውን፡ ግን ወላ ኣብ ርሑቅ ቦታ እንተለኹ እውን ኣነ ምሳኹም እየ ዘሎኹ፡፡

መልእኽተይ ናብ ማእከላይ መርሕነትን፣ መራሕቲ ሰራዊትን፣ ናብ ኣብ ታሕቲ ዘለውን፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበር መንእሰያትን ብሓፈሻ ናብ መራሕቲ ህዝቢን ኣብጹሑለይ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ይተሓጎስ፣ እቶም ሃሱሳት ድማ ሕማም መርዘን ይኹኖም፡፡

ሓንቲ ዛንታ ከዘንትወልኩም ‹‹ሓደ በኛሚን ሻሉፋ ዝበሃሉ ሰብኣይ ገመል ነይሩዎ፡ እዚ ገመል ለይቲ ክኸውን እንከሎ ብርኩ እንዳ ነኸሰ ክግዕር ይሓድር›› ሕጂ እውን ከምዝኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ መንጎኹም ስለዘሎው፡ እዝኒ ወይ ደንታ ኣይተሃቡዎም፡፡

ነዚ ገመል እዚ እንታይ እልኩም ሳጓ መውጻእኩምሉ? ነይዚ መልሲ ንዓኻትኩም ይሓድጎ፡፡ እናጎየየ ዝስሕቅ ሰብ ዕጭኡ ምውዳቅ ጥራይ እዩ፡፡

ኣነ ኣቦኹምን ሓውኹምን ሰላም ይብለኹም ኣሎኹ፡፡ በርትዑ፡ በርትዑ፡፡

መትከላት ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም ክዕንብቡ እዮም !!

መልእኽቲ ዮሃና ካብ ሰለማ ኣርዳዲ ካርቱም

ጅግና ተጋዳላይ ዲምሓኩኤ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ጻላኢ ሰፍ ዘይብል ክሳራታት ብምውራድ ዓወታት እናጨበጥካ ብምምጻእካ ዝስመዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን፡፡ በዚ ሕጂ ኣብ ፎደን ጃርበትን ዝወሰድካዮ ጅግንነታዊ መጥቃዕቲ ድማ ስለዝተሓጎስኩ ናይ ዮሃና መልእኽተይ ይብጻሕካ፡፡

ሰለማ ኣርዳዲ ካብ ካርቱም

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓት ኤርትራውያን ኣንበብቲና ካብ ሽሕ ግዜ ምልፍላፍ ሓንቲ ጥይት ንሓድነት ብሄራት ኮነ ህዝቢታት ክንደይናይ ኣድማዒ ከም ዝኾነ ዝሰሓት ኣይኮነን፡፡ ሎሚ ካብ ሰሜን፣ ደቡብ፣ ምዕራብ፣ ምስራቅ የማን ጸጋም፣ ወጻኢ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኩናማ ከመይ ከም ዝሰመረ ምስክር ኣይየድልን እዩ፡፡ ነዚ ሓቂ ዘይቀበል ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስልን፡፡ ሎሚ ኣብ ከባቢ ብሄር ኩናማ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ ኩለን ከባቢታት እንተዝኸውን ስርዓት ሻዕቢያ ኣበይ ምኣተወ?  ሎሚ ኣብ ውሽጢ ብሄር ኩናማ ዝተረኣየ ሓድነት ኣብ ውሽጢ ብሄራትን ህዝቢታት እንተዝረጋገጽ ከመይን ክንደይ ምተሓጎስና? ነዚ እዩ እምበኣር እቲ ዝመረጽናዮ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ንሓድነት ህዝቢታትና ወሳኒን ንቐብሪ ስርዓት ኢሰያስ የቀላጥፎ እዩ ዝበልና፡፡ ብቅዓት ናይ ሓንቲ ውድብ እውን ውሳኔታት ኪዳን ኣብ ምትርጓምን ኣብ ምፍጻም ብዘሎዎ ኣቅሚ እዩ ክምዘን ዘሎዎ፡፡ ሰራዊት ካብ ህዝቢ ይውለድ፡፡ ህዝቢ ከኣ ካብ ቁኑዕ መትከልን ኣመራርሓን ይውለድ፡፡ ምዕባይ ኮነ ምንኣስ ናይ ሓንቲ ውድብ ብብዝሒ መሰረታቱ እንተኾነ ብዘይ ምግናን ዝለዓለ ሰራዊት ክህልዎ ባህርያውን ሓቂን እዩ፡፡ ኣነ ዓቢ ውድብ እየ እንዳ ተባህለ ኣይናይ ኣቅሚን ኣይናይ ሰራዊት ኣሎና ማለት፡ ንቃለስ ዘይኾነ ካብ ንብላዕን ንነብር ዝብል ፍልስፍና ዝመጸ ምኻኑ ንዝኾነ ሃገራዊ ኣይጠፍኦን፡፡ ብጾትን፣ ኣሕዋትን ኣቅሚታትና ኮነ ህላዌና ተፈቲሽና እና እሞ እቲ ዝወሓደ ኣቅሚ እውን እንተኾነ ጸንቂቅና ንክንጥቀም እንተ ንከባበር ከመይ ምሓገዘና? መትከልና ኮነ መልክዕ ውዳቤና ንረብሓ ኪዳን እንተ ነውዕሎ እንታይ እዩ እቲ ጸገም?

ንብሄር ኩናማ ብዝግባእ ወድብና ኣብ ትሕቲ ጽላል ኪዳን ንምስላፍ ንዓና ግደፉልና እንተ በልና ወዮ ቀለለ ክንዲ ዝበሃል ክንኩነን ይግባእ?  ዋጋ ናይ ዝኾነ ኣባል ብሄር ኩናማ ኣብዚ እዋን ኣበይን ከመይን ደይቡ ከም ዘሎ ሻዕቢያን ምንቅስቓስ ናይ ውድብና (እንተ ንጽቡቅ እንተ ንሕማቅ) ንምክትታል ካብ ውድብ ዝወጸ ወይከኣ ናብራ ንዝመረጸ ኣባላት ብሄር ኩናማ ብዝክፈሉዎ ዘሎ ወርሓዊ ማህያ ይምዘን ኣሎ፡፡ እዚ ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ክኸውን እንከሎ ስርዓት ሻዕቢያ ንሓንቲ ወፍሪን ፕሮጀክት ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ይኸፍል ምህላውን ሎሚ ቅኔ ከኣ ዝኾነ ይኹን ኩናማ ዘይእመን ኮይኑ ስለተረኽበ ኣብ ሻቀሎት ከም ዝኣተወ ተበጽሑ ኣሎ፡፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ሓቂን ጸጋን ውጽኢት ቀጻልነትን ህላዌ ውድብ ዲምሓኩኤ ምኻኑ ዝስሕት ኩናማ የለን፡፡ እቲ ዝርከብ ረብሓ እውን ምስ ህላዌን ቀጻልነት ውድብ ዝተኣሳሰር ስለ ዝኾነ ኣንጻር ውድብ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ንረብሓ ኣባል ብሄር ኩናማ ከም ዘይኾነ ስለ ዝፍለጥ ዋጋን ክብሪ ብሄር ኩናማ ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ በጽሑ ከም ዘሎ ካብቲ ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲ ህዝቢ ክረጋገጽ ይከኣል፡፡ ከምቲ ንርእዮን ነንብቦን ስለ ዝኾነ ጸጋታት ናይቲ ቁዱስ መትከል ኮነ መለክዒ ውዳቤ እንተ ዘይነዓቅ ይምረጽ፡፡ ካብ ምንጻግ ናብ ረብሓና ምቅያር እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ቃልሲ ምኻኑ እንተዝሕበር ጠቃሚ እዩ፡፡ ብህዝቢናን ሰራዊትናን ውዳቤና ኣቢልና ውድባዊ ህላዌ ቀጻልነት ኮነ ደረጃ ንምምዝጋብ ንጽዓር፡፡ በዚ ኣቢልና ከኣ ነቲ ስርዓት ብምውጋድን ብምድምሳስ ራህዋ፣ቅሳነት፣ ልምዓት ዝመልኣ ኤርትራ ንምርግጋጽ ንጽዓር፡፡

መትከላት ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም ክዕንብቡ እዮም !!

ዳግማይ ዓወት ንጀጋኑ ሰራዊትና