መልእኽቲ
ዮሃና ካብ ኣብ ወጻኢ
ሃገር ዝርከቡ ኣባላት
ብሄር ኩናማ ኤርትራ
- ዶር. ኣላዛር ዮሴፍ
- ብጻይ- ማሪዮ ማንታይ
- ብጻይ - ጋዮ ኣቤል
- ብጻይ- ናቲ ጋላ
- ኣቦና- ጀርሚያ ጎኘ
ብመጀመርያ
ነቲ ጅግና ሰራዊት
ዲምሓኩኤ ናይ ምስጋናናን
ናእዳናን መልእኽቲ
ግልጺ ግበሩልና፡፡
ከምኡ ድማ ንሕና ኩሉ
ግዜ ኣብ ጎንኹምን
ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይቲ
ጭቁን ብሄር ኩናማ
ኾይና ምስ መሪሕ ውድብና
ዲምሓኩኤ ተሰልፊና
ክንቃለስ ድልዋት
ምኻና ክንሕብር ንፈቱ፡፡
ከምኡ እውን እቲ ዝተረኸበ
ዜና ዓወት ብረድዮታትን
ብመስኮት ዓወደ ኢንተርነታት
ኣብ ሓደ መኣዲ ክንራኸብ
ስለዝዓደመናን፣
ናይ ሓጎስና መልእኽቲ
ድማ በዚ ዝተረኸበ
ሓድነት መሰረት ኣመሓላልፉልና
ስለ ዝበሉ፣ ነቲ ጅግና
ሰራዊት ዲምሓኩኤን
ነቲ ውጽዕ ህዝቢ ብሄር
ኩናማ ኤርትራ ኣብ
ጎንኩም ከም ዘለና
በዚ ኣጋጣሚ መልእኽቲና
ነመሓላልፍ ኣሎና፡፡
ሕጂ እውን መትከላት
ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም
ክዕንብቡ እዮም !!
ናይ ዮሃና
መልእኽቲ ኣባላት
ዲምሓኩኤ ካብ መዓስከር
ስደተኛታት ሽመልባ
ብመጀመሪያ
ኣብ ስራሕኩም ኣስልጦ
ኣብ ጥዕናኹም ድማ
ጽቡቕ ንምነየልኩም፡፡
ብምቅጻል ናብቲ ቀንዲ
መልእኽቲና እንድሕር
ኣቲና፡
ታሪኽ ብሄር
ኩናማ ብሓፈሻ እንተደኣ
ተዓዝብና፡ ካብ ዝሓለፉ
መግዛእታውያን ስርዓታት
ጀሚሩ ክሳብ ስርዓት
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ
ብሄር ኩናማ እዚ እዩ
እልካ ክትገልጾ ብዘጸግም
መገዲ መከራን፣ መጭወይቲን፣
ቅትለትን፣ ካብ ገዛ
መሬቱ ናይ ምፍንቃል
ግፍዒ ኣብ ልዕልኡ
ወሪዱ እዩ፡፡ ኣብዚ
ሕጂ እዋን እንተኾነ
እውን ካብቲ ዝሓለፈ
ግዜ ብዘስካሕክሕ
መገዲታት ይሳቐ ከም
ዘሎ ሪዱእ እዩ፡፡
ብምኽንያት
ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ
ዝወርድ ዘሎ ስቅያት
ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ
ሓርነት ኩናማ ኤርትራ
(ዲምሓኩኤ) ስቅያት
ህዝቡ ተሓንግጡ፡
ንመሰል ብሄሩ ብብሄሩ
ተወዲቡ፤ ነቲ ቅዱስ
ዕላምኡ ናብ ሾትኡ
ንምብጻሕ ኣብ ዓውደ
ቃልሲ ይርከብ፡፡
ዲምሓኩኤ ክልቲኡ
ኣገባብ ቃልሲ ብምጥቃም
ኣብ ልዕሊ ጸላኢ መስተንክራዊ
ዓወታት ፈጽሙ፡፡
ንፈተውቱ ድማ ዓቢ
ሓጎስን ናይ ቃልሲ
ንያትን ፈጥሩሎም፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ
ልዕሊ ጻላኢ ብዝተወስደ
ስጉምቲ ህዝቢ ሽመልባ
ሕጉሳት ኾይና ብሽም
ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮ፣
ማሕበር መንእሰያት
ከምኡ እውን ኣብ ሽመልባ
ዝርከብ መላእ ብሄር
ኩናማ እንቋዕ ሓጎሰና
እናበልና ናይ ዮሃና
መልእኽቲና ከምዚ
ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘረ
ንገልጽ፡-
- ዲምሓኩኤ
ብብሄሩ ተወዲቡ ጠንክሩ
ይቃለስ ብምህላው
መሰልናን፣ ናጽነትናን
ከም እንረክብ ብዓይኒ
ዝርኤ ዘሎ ሓቂ ኮይኑ
ንሕና እውን ኣብ ጎንኩም
ኣሎና ጠንክሩ ንብል፣
- መሰል ርእሰ
ውሳኔ ብሄራት ክሳዕ
ምግንጻል ዝብል ዕላማና
ከም ቀደሙ ክንሕብሕቦ
ከም ዝግበኣናን፣
ምኻናን እንዳሓበርና፡
ነዚ ቅዱስ ዕላማ ዝጻብኡ
ብናይ ሓድነትና ቅልጽም
ተዳህኾም ንቀጻልነት
ዕላማና ክሳብ መጨረሻ
ከም እንቃለስ ንሕብር፡፡
- ብክልትኡ
ኣገባብ ቃልሲ እንጥቀመሉ
ዘለና መስርሕ እናኣመጎስና፡
እቲ እንወስዶ ስጉምቲ
ቀጻልነት ንክህልዎ
ክንጽዕር ይግባእ፡፡
- ኣብ ወጻኢ
ሃገር ኮይንካ ንውድብ
ይጻረር ኣሎኹ ማለት
ባርነት ምምራጽ ምኻኑ
ተረድእኹም እንተተኸኣለ
ናብ ሓድነት ብሄርኩም
እንተውዕልኩም ዝበለጸ
ይኸውን፡ እንተ ኣበኹም
ድማ ክበሪ ብሄሮም
ብዘይትንክፍ መገዲ
እንተትነበሩ ዝምረጽ
ምኻኑ ክንሕብር ንፈቱ፡፡
ከምኡ ድማ ናጽነትና
እንረክብ ካልኣይ
ስደት ብምምራጽ ዘይኮነ
ኣብ ሓድነትና ብምጥንካር
ስለ ዝኾነ ሓድነትና
ነጠንክር፡፡
ካብዚ ወጻኢ
እንዛረበሉ ጉዳይ
እንተሎ፡ ብዕለት
29-30/09/2005 ኣብ ፎደን ጀርበት
ብእተወስደ ስጉምቲ
ኣብ ሽመልባ ዘለና
ኹልና ደቂ ብሄር ኩናማ
ኤርትራ ዘለና ሓበን
ወሰን የብሉን፡፡
ሕጂ እውን በዚ ተረኽቡ
ዘሎ ዓወታት ክንኮርዕን
ክንሕበንን ይግባእ፡፡
ከም ዝፍለጥ ኣብ ዓውደ
ቃልሲ ብዙሕ ነገራት
እዩ ዝጠልብ፡፡ ልዕሊ
ኹሉ እቲ ልዑል ዝኾነ
ህይወትና ንምውፋይ
ድሉዋት ብምኻና ዘለና
እምነት ልዑል እዩ፡፡
ንሕና እውን ኣብ ጎንኹም
ከም ዘለና ደግምናን
ደጋግምናን ክንሕብር
ንፈቱ፡፡ ስለዚ ነቲ
ሓፋሽ ህዝቢና ክተመሓላልፉልና
እንደልዮ መልእኽቲ፡
ናጽነትና እንረኽበሉ
መንገዲ ንሕናን በዓላትናን
ምስ እንቃለስ ጥራይ
ምኻኑ ተረድእና ኣብ
ጎኒ ውድብና ተሰሊፍና
ብናህሪ ክንምርሽ
ይግባእ፡፡
ሕጂ እውን
መትከላት ዲምሓኩኤ
ንዘልኣለም ክዕንብቡ
እዮም !!
ኣባላት ውድብ
ዲምሓኩኤ
ካብ መዓስከር
ስደተኛታት ሽመልባ