መሰረታዊ ሽግር ብሄር ብሄረሰባትን፡ ህዝቢታት ኤርትራ

ዶባዊ ወጥሪ ድዩ ወይስ ስርዓት ህግደፍ?

ብርግጽ ኣብዚ እዋን ብገለ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ከምኡ እውን መንግስቲ ህግደፍን፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣልዕሎም ክዛረቡ እንከሎው እቲ መሰረታዊ ሽግር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዶባዊ ግጭት እዩ ይብሉ፡፡ ብፍላይ መንግስቲ ህግደፍ ኣብዚኤን ሕደት መዓልታት ኣብ ልዕሊ ውድብ ሃገራትን፣ ሕብረት ኣፍርካን ብዕብሪት ዝስንዝሮ ዘሎ ክስታት፡ ዓለም ብዓለሙ ዝገረሞም ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብሕጊ ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምስቓይ ይርከብ፡፡ ኮይኑ ግን ስርዓት ህግደፍ እቲ መሰረታዊ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ንጎኒ ገዲፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዶባዊ ግጭት ጥራይ እዩ ዝሳቀ ዘሎ ብምባል ህዝብን ሃገርን ኣብ  ዳግመ ኩናትን ድቅድቅ ጸለማት ንኽሸኽላ ይረባረብ ኣሎ፡፡

ግደ ሓቂ ግን መሰረታዊ ሽግር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዶባዊ ምስሕሓብ ዘይኮነስ እቲ ስርዓት ብዝፈጠሮ ውሽጣዊ ጸገማት እዩ፡፡ እዞም ተግባራት ድማ ካብ ጊዜ ሰውራ ኣትሕዙ ዝወረሶ ግናይ ጠባያት እዮም፡፡ ንሽግራት ብቅንዕናን፣ ኣብ መድረኽ ኮይንካ ክንዲ ምፍታሕ ካብ መድረኽን፣ ካብ ኣካይዳ ዲሞክራሲ ወጻኢ ኮይኖም እቲ ንሶም  ዝሓስቡዎን ዝሓልሙዎን ኹሉ  ቁኑዕን ረትዓዊን ኣምስሎም ይዛረቡን ይጀሃሩን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ እቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ንከይዛረብ ኣፎም ብምልጓምን ብፍጹም ዲክታቶሪያዊ ኣካይዳ ብምኽታል ናይ ዘስዕቦ ዘሎ መሪር ግፍዒ ምስዚ ዓለም ኣብዚ እዋን እዚ ዝበጽሖ ደረጃን ምዕባለን ዘይሳነ ህገ ኣልቦ ኣካይዳ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ስርዓት ኣስመራ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ኣስር ናይ እቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይሊታት እዩ፡፡

ነዚ ኣብ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ጸገማት ኣዳዕድዑ ዘይፈልጥ ወዲ ሃገር የለን፡፡ እቲ ብግህዶ ዝርኤ ዘሎ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ኣፎም ከፊቶም ንክዛረቡ ድልየት ካብ ዘይብሎም ምኻኑ ዝሰሓት ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ህግደፍን ሰዓብቱን ዝኽተሉዎ ዘለው መንገዲ ድማ እዚ እዩ፡፡ ሎሚ ስርዓት ኣስመራ መሰረታዊ ሽግር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ  ውሳነ ዶብ ህጋዊ መዕለቢ ስለ ዘይተረኽበ እዩ ብምባል ይዛረብ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ካብቲ ሕሉፍ ተሞክሮታቱ ከም ዝተዓዘብናዮ እቲ ንሱ ዝፍጽሞም ዘሎ በደላት ንምሽፋን ምኻኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን፡፡ ብካልእ መንገዲ እቲ መንግስቲ በቲ ህዝቢ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምድንጋርን፡ እቲ ንሱ ዝገበሮ ኣበር ንጎረባብቲ ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍርካ ንምልጋብ እዩ ዝጽዕር ዘሎ፡፡

ይኹን እምበር በዚ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ ንኩናት ዝድስቆ ዘሎ ከበሮ፡ ካብ ጸገማቱ ንምህዳምን፣ ንሃገር ኣብ ዝኸፍኤ ዓዘቕቲ ንምሽማም ከም ዝኾነ ካብ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ዝተሰወረ ኣይኮነን፡፡ ይንዋሕ ይሕጸር እምበር እቲ ዝድስቆ ዘሎ ነጋሪት ከበሮ፡ በርትዕና እንተተቃልስና ንረብሓ ሓድነትን፣ ምልዕዓል ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኸውን ምንም ጥርጥር የልቦን፡፡ ከምኡ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣፍደገ ሞት ከም ዘሎን ብሓድነት ህዝቢታት ኤርትራ ንክቐበር መዓልቱ ከም ዝበጽሔ በዓሉ የመላኽት ኣሎ፡፡ 

ዶባዊ ግርጭት መሰረታዊ ሽግር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን፡፡ ከምኡ እውን መንግስቲ ህግደፍ ንዶባዊ ግጭት ዝፈትሓሉ ኣቕሊ ይኹን ብልሓት የብሉን፡፡ መሰረታዊ ሽግር  ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ህግደፍን ሰዓብቱን ብዝፈጠሩዎ ተግባራት  እምበር ዶባዊ ግጭት  ኣይኮነን፡፡