ምስ ኣቦ ወንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ብጻይ ቀርነልዮስ ዑስማን ዝተገብረ ቃለ-መሕትት
ቐዳማይ ክፋል

ክቡር ኣቦ ወንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ቀርነልዮስ ዑስማን ስርሕካን ግዜካን ሰውእካ ጻውዒትና ኣኽብርካ ብምምጻእካን ቃለ-መሕትት ንምግባር ፍቃደኛ ብምኻንካ ብሽም ሓፋሽ ብሄር ኩናማን ኤርትራን፣ ሰማዕትና ካብ ልቢ የመስግነካ፡፡

ሕራይ፡ ንነውሕ ግዜ ቃለ-መሕትት ብዘይምግባርካ ፈተውቲናን፣ ጸላእቲና ቀርነልዮስ ቃለ-መሕትት ኣይፈቱን እዩ ብምባል ብዙሕ ዘረባታት ክዛረቡ ይስማዕ እዩ፡፡ ስለዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘለካ ርእይቶ ይኹን፡ ተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተለካ? ከምኡ እውን ብሰፊሑ ደንበ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ? ስፊሕ ብዝበለ መልክዑ ምገለጽካልናዶ?

መልሲ፡- ብመጀመሪያ ነዚ ዝተዋህበኒ ኣጋጣሚ ኣነ እውን ብወገነይ ከመስግን እፈቱ፡፡ እወ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ቃለ-መሕትት ከይተገብረ ነውሕ ግዜ ገይሩ፡፡ ቃለ-መሕትት ንምንታይ ይግበር? ንዝብል ብመጀመሪያ ትርጉምን፣ ኣገዳስነቱ ምፍላጥ እዩ ዝድለ እምበር ካብ እዋን ናብ እዋን ዝግበር ቃለ-መሕትት ትርጉሙ ዘይረብሕ እንተዳኣ ኮይኑ፣ ኣገዳሲ መልእኽቲ እንተደኣ ዘይብሉ ፍሬ ኣልቦ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡  ንስኻ ከም ዝበልካዮ ሰባት ቃለ-መሕትት ይገብሩ ይኾኑ፡ ግን ሰባት ቃለ-መሕትት ስለ ዝገበሩ ኣነ እውን ክገብር ኣለኒ እልካ ምግባር ትርጉም የብሉን፡፡ ቃለ-መሕትት ብላዕሊ ጥራይ ኣይኮነን ዝግበር፡ ብታሕቲ እውን ይግበር እዩ፡፡ ኣባል ውድብ ክገብር ይኽእል፣ ካድሬ ክገብር ይኽእል፣ ሰራዊት ክገብሩ ይኽእሉ፣ ሓለፍቲ እውን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም፡፡ ካብ ሓለፊ እንጽበዮ ቃለ-መሕትት ብክልተ ሸነኽ ክርኤ ይኽእል፡፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ንምጽንናዕ፣ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ፣ ናብ ኣባል ውድባት፣ ናብ ሰራዊት፣ ካድሬታት ኣብ ዝድለየሉ እዋን ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ይመሓላለፍ፡፡ እቲ ካልኣይ ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ክሳብ ሃለና፡ ፖለቲካ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዝለዋወጥ ባህር ስለ ዘለዎ፡ ምስቲ ዝለዋወጥ ባህሪ ኣባል ውድባት፣ ካድሬ፣ ሰራዊት፣ ህዝቢ ተሳኒዩ ንክኸይድ መሪሕነት፣ ኣቦ ወንበር ውድብ ጥራይ ዘይኮነስ ማእከላይ ኮሚቴ ድዩ፣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ድዩ፣ ሓለፍቲ ሰራዊት ድዮም፣ ሓለፍቲ ካድረታት ድዮም ኩሎም ቃለ-መሕትት ገይሮም ምስቲ ዘሎ ሓድሽ ናይ ፖለቲካ ኣንፈት ዝሳነ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ነቲ ህዝቢ ከቅሪቡ ኣለዎም፡፡ ስለዚ ካብዚ ክልተ ሸነኽ ተበግስና ናይ ዲምሓኩኤ ሓለፊ ኮነ ካድሬ ቃለ-መሕትት ንክገብር ግቡእ እዩ፡፡ መልእኽቲ ንህዝቢ፣ ኣባላት ውድባት፣ ሰራዊትን ከምኡ እውን ካድረታት ዘድልዮም እንተደኣ ኾይኑ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ቃለ-መሕትት ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡፡

እወ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብቲ መራሒ ዝጽበን ዝተገድፈን ሓድሽ ለውጢታት ኣለው ድዮም? ንዝብሉ እወ ኣሎ፡፡ ስለዚ ምስዚ ሓድሽ ኩነታት ተዛሚድና ንክንኸይድን ኣገዳሲ ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ንምሕላፍ ግዝኡ ስለ ዝኾነ እንሆ ቃለ-መሕትት ንምግባር ተቐልቅልና፡፡ እቶም ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎም ሓቂታት ንምቅማጦም ክንፈርሕ የብልናን፡፡ ሰባት ክዛረቡ እዮም እልና ንድሕሪት ክንምለስ ኣይግባእን፡፡ ስለዚ ቃለ-መሕትት ንምግባር ኣገዳሲን ጠቃሚን እዩ፡፡ እቲ ጥቅሚ ግን ኣብ ላዕሊ ጥራሕ ኣይኮነን፡ እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ እውን ገሩ፡ እቲ ብላዕሊ ዝተሓንጸጸ ናይ ስራሕ መደብ ኣብ ስራሕ ንምትግባሩ ጥቅሚ ኣለዎ ድዩ? የብሉን ድዩ? በርትዑዎ ድዩ? ኣይበርተዖን? ንሳቶም እውን ርእይቶኦም ኣስፍሮም ምስ ህዝቢ፡ ምስ መሓዙት ብሬድዮ ይኹን ብመጽሔታትን፣ ብዝተፈላለዩ መራኸቢታትን፣ ብቃለ-መሕትት ምስ ህዝቢ ዘራኸብን፣ ምስ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ፣ ምስ ሽመልባ ዘሎን፣ ምስ ኣብ ሱዳን ከሰላ ዘራኽቦም መንገዲታት ይህሉው እዮም፡፡ ስለዚ ቃለ-መሕትት ጠቃሚ ምኻኑ ንኣምን ኮይኑ ግን ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ብላዕሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብታሕቲ እውን ስለ ዝረጋገጽ ካብ መራሒ ጥራሕ ክንጽበ የብልናን፣ ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ጥራይ ክንጽበ የብልናን፣ ካብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክንጽበ የብልናን፡፡ ስለዚ ካብ ኩሉ ሸነኻት ቃለ-መሕትት ጥቅሚ ኣለዎ፡፡

እቶም ከምዚ እሎም ዝዛረቡ በዓል መን እዮም? ንሱ ቃለ-መሕትት ክገብር ኣይደልን ንዝብሉ ብክልተ ሸነኽ እንተደኣ ሪእናዮም ጽቡቅ እዩ፡፡

ኣብ ምድፋእ ካብ ምእታው፡ ካብ ምድፍፋእ ወጻኢን ብቅንዕና መገዲ ብክልተ ሸነኽ ንርኣዮም፡፡

እቲ ቀዳማይ ፡- በዓል መን እዮም እንተበልና፡ ከምዚ ብዝኣመሰለ መገዲ ነቲ መራሒ ወይ ከኣ ንኻልእ መራሒ ኣብ ሰፊሕ መድረኻት ቃለ-መሕትት ንምግባር ንኣብነት፡  ኣብ መድረኽ ኪዳን ድዩ? ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከይዱ ቃለ-መሕትት ገይሩ ብቅዓቱ ድዩ? ዓቅሙ፣ መንነቱን ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ  ህዝቢ ንከይፍለጥ ዝሕሰሙ ሰባት በዚ ኣገባብ ብምዕንቃፍ  ክስቶ  ከምዚ እዩ፣ ክስቶ ቃለ-መሕትት ኣይደልን እዩ ብምባል ሽም የጸልሙ እዮም፡፡ እዚ ኣባይ ጥራይ ዘይኮነስ ንካልኦት እውን ብከምዚ ዓንቃፍ ሜላታት ይጥቀሙ እዮም፡፡ ስለዚ ካብዚ መንገዲ ተበጊሶም ይዛረቡ ምህላዎምን፣ ዘይምህላዎምንን፣ እንተደኣ ኣረጋገጽና ጽቡቅ እዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ኣንፈት ኣሎ፡፡

እቲ ካልኣይ ፡- ኣብ ዝኾነ ጊዜን እዋንን ሓድሽ ለውጢታት ክረኣዩ እንከሎው ንስኻ እውን ነዞም ለውጢታት ብፍርሒ ተዋሕጥካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኮይንካ ነቶም ዝተራእዩ ሓድሽ ለውጢታት ነቲ ህዝቢ እንተ ዘይኣብሪህካን እንተ ተሰውርካን እዚ ቁኑዕ መንገዲ ስለዘይኮነ እዞም ሰባት ካብዚ ነጥቢ አንድሕር ተበጊሶም ንሶም ሓቆም እዮም፡፡ ስለዚ ካብዚኤን ክልተ ነጥቢታት እንድሕር ተበጊስና ኣብ መሪሕነት ዲምሓኩኤ ብከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ተዋሕጡ ዝፈርሕን ዝስወርን መራሒ የልቦን፡፡ ሰራዊት ብጅግንነት ደሙ፣ ህይወቱ፣ የዕጽምቱ ከስኪሱ ንናጽነቱ ታሪኽ ኣብ ዘመዝግበሉ ዘሎ እዋን ንስኻ ካብ ቃለ-መሕትት ፈርሕካ ንክትሃድም ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ስለዚ እዞም ዝንባሌታት ኣጸብቅና እንድሕር ተገንዝብናዮ፡ ካብ ኣይናይ ሸነኽ እዮም ዝተበገሱ ንዝብል ሕቶ ብደንብ ምርኣዩ ጽቡቅ እዩ፡፡ ብመጀመሪያ ነብስና ፈትሽና ሰባት፣ ጸላኢ እንታይ ይብል ኣሎ እልና እንተረኣናዮ ጽቡቅ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

ብሓፈሽኡ እዚ ኮይኑ፡ ደምበ ተቓወምቲ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ እንተበልና፡- እወ ሕጂ ንሕና ኣብ ኪዳን እና ዘለና፡፡ ንጸላኢ ዝቃወማ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ጥራይ ኣይኮናን፣ ሲቪካዊ ማሕበራት ጥራይ እውን ኣይኮናን፡፡ ኣብዚ እንታይ እና ክንግንዘብ ዘለና ኣብ ኪዳን 16 ውድባት ኣለዋ፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ እውን ውድባት ኣለዋ፡፡ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይኮና ብሽም ሓፋሽ ህዝቢ ዝተመስረታ ሲቪካዊ ማሕበራት  ብሰላማዊ መንገዲ ኣቢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ኣንጻር ህግደፍ ይቃለሱ ኣሎው፡፡ ስለዚ በዚ መዳይ እንድሕር ደኣ ሪእናዮ፣ ኪዳን 16 ውድባት ዝሓቆፈት እያ እዞም 16 ውድባት ኣብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ተኣሳስሮም ንስርዓት ህግደፍ ንእለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ናስፍን እለን ዝተመሓዘዋ ምኻነን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብተደጋጋሚ ስለ ዝገለጽናዮ ኣብዚ ደጋጊመ ክዛረብ ኣይደልን እየ፡፡ ኮይኑ ግን ዘምጽኦ ፍሬ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ ዝብል እዩ እቲ ጥቅሚ ዘለዎ፡፡ እቲ ዝጠቅም እውን ንሱ እዩ፡፡ ስለዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምንታይ ደረጃ በጽሕና ኣለና? ንዝብል እንተደኣ ሪእናዮ ዝሓሸ እዩ፡፡

እቲ ቀዳማይ ፡- እዚ ሎሚ ኣብ ኪዳን ክፍሊ ዜና  ተባህሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ትማሊን ቅድሚ ትማሊን ዘይነበረና እዩ፡፡  ብስም ኪዳን ብኣርባዕተ ቋንቋታት ዝመሓላለፍ ዘሎ መደባት ንውድብናን፣ ንኪዳንን ከምኡ እውን ንኹሎም ውድባት ዓቢ ዓወት ምኻኑ ኣረጋጊጽና፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኩናማ፣ ዓፋር፣ ትግርኛ፣ ዓረብ ዝመሓላለፍ ዘሎ ኣርባዕተ ቋንቋታት ምናልባት ኣብ ሓጽር ጊዜ  ቋንቋ እንግሊዝ ተሓውሱዎ ነቶም ዝገለጽናዮም ኣርባዕተ ቋንቋታት ዘይሰምዕ ሰብ በዚ ኣቢሉ ኩነታትን፣ ምንቅስቓስ ኪዳን እንድሕር ፈሊጡ ጽቡቅ እዩ ዝብል ሓሳብ ስለ ዘለና ሓሙሻይ ቋንቋ እንድሕር ተወስኹ ደስ እዩ ዝብለና፡፡ መዓስ ይጅመር? ብከመይ እዩ ዝውሰኸ? ንዝብል ሕቶ እቲ ዝምልከቶ ኣካል ዝዓዮ ኮይኑ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣሎና፡፡ ስለዚ ኣብ ኪዳን ክፍሊ ዜና (ሬድዮ) ስለ ዝተመስረተ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርናዮ ደረጃ ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ኣሎና ይብል፡፡

እቲ ካልኣይ ፡- ኣብ ኣገባብ ቃልሲ ብከመይ ንከተል ኣብ ዝብል እንተኾነ እውን ብሰላማዊን፣ ብጎነጽን ዝብል ስለዝተቀመጠ ኣብቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኽተሉ  ኣብ ጽላል ኪዳን፣ ብኪዳን መምርሒ እንተዘይተወሃቦም እውን ኣብ ኪዳን ሃልዮም ዓቢ ዓወታት ዘምጽኡ ዘለው ውድባት ከም ዘለዋ ብኢዝንና ንሰምዕ ኣሎና ብዓይኒና እውን ንርእዮ ስለ ዘለና እዚ እውን ንኪዳን ኣብ ጽቡቅ ደረጃ ኣብጽሑዋ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡

እቲ ሳልሳይ ፡- ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰላማዊ ኣገባብ ክንቃለስ ኣለና ብምባል ብሰናይ ማሕበራት ዝግበሩ ዘለው ምንቅስቓሳትን ብብርክት ዝበሉ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብሎም ብሰላማዊ ሰለፊ ንጸላኢ ንምእላይ ምስ ኪዳን ተሓባቢሮም ይቃለሱ ስለ ዘለው እዚ ከኣ ከም ዓቢ ዓወት እዩ ዝረኣየኒ፡፡ ስለዚ ቅድም ኣብ መድረኽ ምሕዝነት ዝነበረን፡ ሕጂ ኣብ መድረኽ ኪዳን ዘሎ ኩነታት እንተ ተገንዝብና ፍሉይ ከም ዝኾነ እዩ ዝርደኣኒ፡፡ ኣብ ኪዳን ሓድሽ ዓወታት ኣመዝጊብና ኣለና፡፡ ግን እዞም ዝተረኽቡ ዓወታት እኹላት ድዮም? ንዝብል ሕቶ እኹላት ኣይኮኑን፡፡ ምስቲ ህዝቢና ዝጽብዮ ዘሎን፣ ዝሳቐዮ ዘሎን  ኣነጻጽርካ እዚ ኣብ ኪዳን ተረኽቡ ንብሎ ዘለና ዓወት ብጣዕሚ ውሑድ ምኻኑ ክረጋገጽ ይግባእ፡፡

ስለዚ ኪዳን ሓድሽ ግንባር ኮይኑ ዝተረፎ ነገራት ከም ዘለዎን፣ እቲ ምዕራፍ ተኸፊቱ እምበር ኣብቲ ዝድለ ኣይበጽሐን፡፡ እዚ ሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ መደብ ምስ ቀጸለ ኣብ ምንታይ እዩ ዓወቱ? ኣብ ምንታይ እዩ ድኽመቱ ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ይርኤ፡፡ በዚ መንፈስ እንድሕር ደኣ ከይድና ኪዳን ክዕውት ዝኽእል መደባት እንድሕር ሓንጺጹ ክንዕወት እና ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ብክልቲኡ ህዝቢታት ኣብ ብራስለስ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ እንተ ደኣ ሪእና፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሻዕቢያ ዓቢ ዓወት ዘመዝገበን፡ ህዝቢ ጽልኣቱ ብግልጽ ዘነጸረ መድረኽ ከም ዝነበረ እዩ ዝረኣየኒ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ውድባት ጥራሕ ኣይኮናን ዝቋወማ ዘለዋ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ንልዕሊ 20ን 30ን ዓመታት ዝተቀመጠ ህዝቢን፣ እንታይነት ዲሞክራሲ ኣጸቢቁ ዘስተማቐረ ህዝቢ እውን  ይቓወም ኣሎ፡፡ ብእዝኒና ንሰምዖ ኣለና፣ ነቲ ስርዓት ብምንጻግ ሃገሩ ገድፉ ናብ የመን፣ ሱዳን ከምኡ እውን ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎ ጽልኢ የረጋግጸልና ኣሎ፡፡

ስለዚ ኣብ ፖለቲካ እንታይ ኣሎ? ብጉጅለ ኮይንካ ነዚ ስርዓት ተቋውሞካ ክተስምዕ ትክእል እካ፡ ኮይኑ ግን ማሕበር ሰብ ዓለም ንክርድኣልካ ኣጻጋሚ እዩ ዝኸውን፡፡ ውድባት ነቲ ስርዓት ከውግዛ እንከሎዋ፡ ነቲ ስርዓት ዝቋወም ህዝቢ፣ በቲ ሓደ ወገን ሰላማዊ ሰልፊ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ስርዓት ጠንጥኖም ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ዝነብሩ ምስ ተረኣዩ፡ እዚ ስርዓት ደቁ ይሰጉግ ከም ዘሎን፣ ዲሞክራሲ ከም ዘይብሉ፣ ውልቀ መላኺ ምኻኑ ኣረጋግጹልና፡፡ ስለዚ እዚ ንኪዳን ሓገዝን፣ ካልኣይ ዕድል ከም ዝኾነ ንርእዮ ኣሎና፡፡ ኪዳን በዚ መንጽር ክትርእዮ እንከለኻ ካብቲ ዝነበረ ናይ ምሕዝነት ኣንፈት ቁሩብ ምምሕያሽን ኣብ ጽቡቅ ስጉምቲ ኣሎ ክንብል ንኽእል፡፡