ምስ ኣቦ ወንበር
ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ
ሓርነት ኩናማ ኤርትራ
(ዲምሓኩኤ) ብጻይ
ቀርነልዮስ ዑስማን
ዝተገብረ ቃለ-መሕትት
ቐዳማይ
ክፋል
ክቡር ኣቦ
ወንበር ዲሞክራስያዊ
ምንቅስቓስ ሓርነት
ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)
ቀርነልዮስ ዑስማን ስርሕካን
ግዜካን ሰውእካ
ጻውዒትና ኣኽብርካ
ብምምጻእካን ቃለ-መሕትት
ንምግባር ፍቃደኛ
ብምኻንካ ብሽም
ሓፋሽ ብሄር ኩናማን
ኤርትራን፣ ሰማዕትና
ካብ ልቢ የመስግነካ፡፡
ሕራይ፡
ንነውሕ ግዜ ቃለ-መሕትት
ብዘይምግባርካ ፈተውቲናን፣
ጸላእቲና ቀርነልዮስ
ቃለ-መሕትት ኣይፈቱን
እዩ ብምባል ብዙሕ
ዘረባታት ክዛረቡ
ይስማዕ እዩ፡፡
ስለዚ ብዛዕባ እዚ
ጉዳይ ዘለካ ርእይቶ
ይኹን፡ ተመሓላልፎ
መልእኽቲ እንተለካ?
ከምኡ እውን ብሰፊሑ
ደንበ ተቓወምቲ
ውድባት ኤርትራ
ኣብ ከመይ ዝበለ
ኩነታት ይርከብ?
ስፊሕ ብዝበለ መልክዑ
ምገለጽካልናዶ?
መልሲ፡-
ብመጀመሪያ ነዚ
ዝተዋህበኒ ኣጋጣሚ
ኣነ እውን ብወገነይ
ከመስግን እፈቱ፡፡
እወ፡ ከምቲ ዝበልካዮ
ቃለ-መሕትት ከይተገብረ
ነውሕ ግዜ ገይሩ፡፡
ቃለ-መሕትት ንምንታይ
ይግበር? ንዝብል
ብመጀመሪያ ትርጉምን፣
ኣገዳስነቱ ምፍላጥ
እዩ ዝድለ እምበር
ካብ እዋን ናብ እዋን
ዝግበር ቃለ-መሕትት
ትርጉሙ ዘይረብሕ
እንተዳኣ ኮይኑ፣
ኣገዳሲ መልእኽቲ
እንተደኣ ዘይብሉ
ፍሬ ኣልቦ እዩ ዝብል
እምነት ኣለኒ፡፡
ንስኻ ከም ዝበልካዮ
ሰባት ቃለ-መሕትት
ይገብሩ ይኾኑ፡
ግን ሰባት ቃለ-መሕትት
ስለ ዝገበሩ ኣነ
እውን ክገብር ኣለኒ
እልካ ምግባር ትርጉም
የብሉን፡፡ ቃለ-መሕትት
ብላዕሊ ጥራይ ኣይኮነን
ዝግበር፡ ብታሕቲ
እውን ይግበር እዩ፡፡
ኣባል ውድብ ክገብር
ይኽእል፣ ካድሬ
ክገብር ይኽእል፣
ሰራዊት ክገብሩ
ይኽእሉ፣ ሓለፍቲ
እውን ክገብሩ ይኽእሉ
እዮም፡፡ ካብ ሓለፊ
እንጽበዮ ቃለ-መሕትት
ብክልተ ሸነኽ ክርኤ
ይኽእል፡፡ በቲ
ሓደ ወገን፡ ንምጽንናዕ፣
መልእኽቲ ናብ ህዝቢ፣
ናብ ኣባል ውድባት፣
ናብ ሰራዊት፣ ካድሬታት
ኣብ ዝድለየሉ እዋን
ናይ ጽንዓት መልእኽቲ
ይመሓላለፍ፡፡ እቲ
ካልኣይ ኣብ ዓውደ
ፖለቲካ ክሳብ ሃለና፡
ፖለቲካ ካብ መዓልቲ
ንመዓልቲ ዝለዋወጥ
ባህር ስለ ዘለዎ፡
ምስቲ ዝለዋወጥ
ባህሪ ኣባል ውድባት፣
ካድሬ፣ ሰራዊት፣
ህዝቢ ተሳኒዩ ንክኸይድ
መሪሕነት፣ ኣቦ
ወንበር ውድብ ጥራይ
ዘይኮነስ ማእከላይ
ኮሚቴ ድዩ፣ ፈጻሚት
ቤት ጽሕፈት ድዩ፣
ሓለፍቲ ሰራዊት
ድዮም፣ ሓለፍቲ
ካድረታት ድዮም
ኩሎም ቃለ-መሕትት
ገይሮም ምስቲ ዘሎ
ሓድሽ ናይ ፖለቲካ
ኣንፈት ዝሳነ ፖለቲካዊ
ሃዋሁ ነቲ ህዝቢ
ከቅሪቡ ኣለዎም፡፡
ስለዚ ካብዚ ክልተ
ሸነኽ ተበግስና
ናይ ዲምሓኩኤ ሓለፊ
ኮነ ካድሬ ቃለ-መሕትት
ንክገብር ግቡእ
እዩ፡፡ መልእኽቲ
ንህዝቢ፣ ኣባላት
ውድባት፣ ሰራዊትን
ከምኡ እውን ካድረታት
ዘድልዮም እንተደኣ
ኾይኑ፡ ኣብ ከምዚ
ዝበለ ኩነታት ቃለ-መሕትት
ምግባር ኣገዳሲ
እዩ፡፡
እወ ኣብዚ
ሕጂ እዋን ካብቲ
መራሒ ዝጽበን ዝተገድፈን
ሓድሽ ለውጢታት
ኣለው ድዮም? ንዝብሉ እወ
ኣሎ፡፡ ስለዚ
ምስዚ ሓድሽ ኩነታት
ተዛሚድና ንክንኸይድን
ኣገዳሲ ናይ ጽንዓት
መልእኽቲ ንምሕላፍ
ግዝኡ ስለ ዝኾነ
እንሆ ቃለ-መሕትት
ንምግባር ተቐልቅልና፡፡
እቶም ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎም
ሓቂታት ንምቅማጦም
ክንፈርሕ የብልናን፡፡
ሰባት ክዛረቡ እዮም
እልና ንድሕሪት
ክንምለስ ኣይግባእን፡፡
ስለዚ ቃለ-መሕትት
ንምግባር ኣገዳሲን
ጠቃሚን እዩ፡፡
እቲ ጥቅሚ ግን ኣብ
ላዕሊ ጥራሕ ኣይኮነን፡
እቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ
እውን ገሩ፡ እቲ
ብላዕሊ ዝተሓንጸጸ
ናይ ስራሕ መደብ
ኣብ ስራሕ ንምትግባሩ
ጥቅሚ ኣለዎ ድዩ?
የብሉን ድዩ? በርትዑዎ
ድዩ? ኣይበርተዖን?
ንሳቶም እውን ርእይቶኦም
ኣስፍሮም ምስ ህዝቢ፡
ምስ መሓዙት ብሬድዮ
ይኹን ብመጽሔታትን፣
ብዝተፈላለዩ መራኸቢታትን፣
ብቃለ-መሕትት ምስ
ህዝቢ ዘራኸብን፣
ምስ ኣብ ውሽጢ ዘሎ
ህዝቢ፣ ምስ ሽመልባ
ዘሎን፣ ምስ ኣብ
ሱዳን ከሰላ ዘራኽቦም
መንገዲታት ይህሉው
እዮም፡፡ ስለዚ
ቃለ-መሕትት ጠቃሚ
ምኻኑ ንኣምን ኮይኑ
ግን ከምቲ ኣቐዲመ
ዝገለጽኩዎ ብላዕሊ
ጥራሕ ዘይኮነስ
ብታሕቲ እውን ስለ
ዝረጋገጽ ካብ መራሒ
ጥራሕ ክንጽበ የብልናን፣
ካብ ማእከላይ ኮሚቴ
ጥራይ ክንጽበ የብልናን፣
ካብ ፈጻሚት ቤት
ጽሕፈት ጥራይ ክንጽበ
የብልናን፡፡ ስለዚ
ካብ ኩሉ ሸነኻት
ቃለ-መሕትት ጥቅሚ
ኣለዎ፡፡
እቶም ከምዚ
እሎም ዝዛረቡ በዓል
መን እዮም? ንሱ ቃለ-መሕትት
ክገብር ኣይደልን
ንዝብሉ ብክልተ
ሸነኽ እንተደኣ
ሪእናዮም ጽቡቅ
እዩ፡፡
ኣብ ምድፋእ
ካብ ምእታው፡ ካብ
ምድፍፋእ ወጻኢን
ብቅንዕና መገዲ
ብክልተ ሸነኽ ንርኣዮም፡፡
እቲ ቀዳማይ ፡- በዓል መን
እዮም እንተበልና፡
ከምዚ ብዝኣመሰለ
መገዲ ነቲ መራሒ
ወይ ከኣ ንኻልእ
መራሒ ኣብ ሰፊሕ
መድረኻት ቃለ-መሕትት
ንምግባር ንኣብነት፡
ኣብ መድረኽ ኪዳን
ድዩ? ወይ ከኣ ኣብ
ካልእ ኣጋጣሚታት
ከይዱ ቃለ-መሕትት
ገይሩ ብቅዓቱ ድዩ?
ዓቅሙ፣ መንነቱን
ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ
ህዝቢ ንከይፍለጥ
ዝሕሰሙ ሰባት በዚ
ኣገባብ ብምዕንቃፍ
ክስቶ ከምዚ እዩ፣
ክስቶ ቃለ-መሕትት
ኣይደልን እዩ ብምባል
ሽም የጸልሙ እዮም፡፡
እዚ ኣባይ ጥራይ
ዘይኮነስ ንካልኦት
እውን ብከምዚ ዓንቃፍ ሜላታት
ይጥቀሙ እዮም፡፡
ስለዚ ካብዚ መንገዲ
ተበጊሶም ይዛረቡ ምህላዎምን፣
ዘይምህላዎምንን፣
እንተደኣ ኣረጋገጽና
ጽቡቅ እዩ፡፡ ከምዚ
ዝበለ ኣንፈት ኣሎ፡፡
እቲ ካልኣይ ፡- ኣብ ዝኾነ
ጊዜን እዋንን ሓድሽ
ለውጢታት ክረኣዩ
እንከሎው ንስኻ
እውን ነዞም ለውጢታት
ብፍርሒ ተዋሕጥካ
ኣብ ቅድሚ ህዝቢ
ኮይንካ ነቶም ዝተራእዩ
ሓድሽ ለውጢታት
ነቲ ህዝቢ እንተ
ዘይኣብሪህካን እንተ
ተሰውርካን እዚ
ቁኑዕ መንገዲ ስለዘይኮነ
እዞም ሰባት ካብዚ
ነጥቢ አንድሕር
ተበጊሶም ንሶም
ሓቆም እዮም፡፡
ስለዚ ካብዚኤን
ክልተ ነጥቢታት
እንድሕር ተበጊስና
ኣብ መሪሕነት ዲምሓኩኤ ብከምዚ ዝኣመሰለ
ኩነታት ተዋሕጡ ዝፈርሕን
ዝስወርን መራሒ
የልቦን፡፡ ሰራዊት
ብጅግንነት ደሙ፣
ህይወቱ፣ የዕጽምቱ
ከስኪሱ ንናጽነቱ
ታሪኽ ኣብ ዘመዝግበሉ
ዘሎ እዋን ንስኻ
ካብ ቃለ-መሕትት
ፈርሕካ ንክትሃድም
ዘይሕሰብ እዩ፡፡ ስለዚ እዞም ዝንባሌታት
ኣጸብቅና እንድሕር
ተገንዝብናዮ፡ ካብ
ኣይናይ ሸነኽ እዮም
ዝተበገሱ ንዝብል
ሕቶ ብደንብ ምርኣዩ
ጽቡቅ እዩ፡፡ ብመጀመሪያ
ነብስና ፈትሽና
ሰባት፣ ጸላኢ እንታይ
ይብል ኣሎ እልና
እንተረኣናዮ ጽቡቅ
እዩ ዝብል እምነት
ኣለኒ፡፡
ብሓፈሽኡ
እዚ ኮይኑ፡ ደምበ
ተቓወምቲ ኤርትራ
ኣብ ከመይ ዝበለ
ኩነታት ይርከብ
እንተበልና፡- እወ
ሕጂ ንሕና ኣብ
ኪዳን እና ዘለና፡፡
ንጸላኢ ዝቃወማ
ዘለዋ ፖለቲካዊ
ውድባት ጥራይ ኣይኮናን፣
ሲቪካዊ ማሕበራት
ጥራይ እውን ኣይኮናን፡፡
ኣብዚ እንታይ
እና ክንግንዘብ
ዘለና ኣብ ኪዳን
16 ውድባት ኣለዋ፡
ካብ ኪዳን ወጻኢ
እውን ውድባት ኣለዋ፡፡
ፖለቲካዊ ውድባት
ዘይኮና ብሽም ሓፋሽ
ህዝቢ ዝተመስረታ
ሲቪካዊ ማሕበራት
ብሰላማዊ መንገዲ
ኣቢሎም ሰላማዊ
ሰልፊ ብምግባር
ኣንጻር ህግደፍ
ይቃለሱ ኣሎው፡፡
ስለዚ በዚ መዳይ
እንድሕር ደኣ ሪእናዮ፣
ኪዳን 16 ውድባት
ዝሓቆፈት እያ
እዞም 16 ውድባት
ኣብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ
መደብ ዕዮ ተኣሳስሮም
ንስርዓት ህግደፍ
ንእለ፣ ኣብ ኤርትራ
ዲሞክራሲ ናስፍን
እለን ዝተመሓዘዋ
ምኻነን ኣብ ዝተፈላለየ
እዋናት ብተደጋጋሚ
ስለ ዝገለጽናዮ
ኣብዚ ደጋጊመ ክዛረብ
ኣይደልን እየ፡፡
ኮይኑ ግን ዘምጽኦ
ፍሬ ኣብ ምንታይ
ደረጃ ኣሎ ዝብል
እዩ እቲ ጥቅሚ ዘለዎ፡፡
እቲ ዝጠቅም እውን
ንሱ እዩ፡፡ ስለዚ
ክሳብ ሕጂ ኣብ ምንታይ
ደረጃ በጽሕና ኣለና?
ንዝብል እንተደኣ
ሪእናዮ ዝሓሸ እዩ፡፡
እቲ ቀዳማይ ፡- እዚ ሎሚ
ኣብ ኪዳን ክፍሊ
ዜና ተባህሉ ዝጽዋዕ
ዘሎ ትማሊን ቅድሚ
ትማሊን ዘይነበረና
እዩ፡፡ ብስም ኪዳን
ብኣርባዕተ ቋንቋታት
ዝመሓላለፍ ዘሎ
መደባት ንውድብናን፣
ንኪዳንን ከምኡ
እውን ንኹሎም ውድባት
ዓቢ ዓወት ምኻኑ
ኣረጋጊጽና፡፡ ስለዚ
ኣብዚ ሕጂ እዋን
ብኩናማ፣ ዓፋር፣
ትግርኛ፣ ዓረብ
ዝመሓላለፍ ዘሎ
ኣርባዕተ ቋንቋታት
ምናልባት ኣብ ሓጽር
ጊዜ ቋንቋ እንግሊዝ
ተሓውሱዎ ነቶም
ዝገለጽናዮም ኣርባዕተ
ቋንቋታት ዘይሰምዕ
ሰብ በዚ ኣቢሉ ኩነታትን፣
ምንቅስቓስ ኪዳን
እንድሕር ፈሊጡ
ጽቡቅ እዩ ዝብል
ሓሳብ ስለ ዘለና
ሓሙሻይ ቋንቋ እንድሕር
ተወስኹ ደስ እዩ
ዝብለና፡፡ መዓስ
ይጅመር? ብከመይ
እዩ ዝውሰኸ? ንዝብል
ሕቶ እቲ ዝምልከቶ
ኣካል ዝዓዮ ኮይኑ
ኣብ ከምዚ ዝበለ
ኩነታት ኣሎና፡፡
ስለዚ ኣብ ኪዳን
ክፍሊ ዜና (ሬድዮ)
ስለ ዝተመስረተ
ካብቲ ቅድሚ ሕጂ
ዝነበርናዮ ደረጃ
ኣብ ጽቡቅ ኩነታት
ኣሎና ይብል፡፡
እቲ ካልኣይ ፡- ኣብ ኣገባብ
ቃልሲ ብከመይ ንከተል
ኣብ ዝብል እንተኾነ
እውን ብሰላማዊን፣
ብጎነጽን ዝብል
ስለዝተቀመጠ ኣብቲ
ብሰላማዊ ኣገባብ
ቃልሲ ዝኽተሉ ኣብ
ጽላል ኪዳን፣ ብኪዳን
መምርሒ እንተዘይተወሃቦም
እውን ኣብ ኪዳን
ሃልዮም ዓቢ ዓወታት
ዘምጽኡ ዘለው ውድባት
ከም ዘለዋ ብኢዝንና
ንሰምዕ ኣሎና ብዓይኒና
እውን ንርእዮ ስለ
ዘለና እዚ እውን
ንኪዳን ኣብ ጽቡቅ
ደረጃ ኣብጽሑዋ
ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡
እቲ ሳልሳይ ፡- ኣብዚ ሕጂ
እዋን ብሰላማዊ
ኣገባብ ክንቃለስ
ኣለና ብምባል ብሰናይ
ማሕበራት ዝግበሩ
ዘለው ምንቅስቓሳትን
ብብርክት ዝበሉ
ሲቪካዊ ማሕበራት
ኣብሎም ብሰላማዊ
ሰለፊ ንጸላኢ ንምእላይ
ምስ ኪዳን ተሓባቢሮም
ይቃለሱ ስለ ዘለው
እዚ ከኣ ከም ዓቢ
ዓወት እዩ ዝረኣየኒ፡፡
ስለዚ ቅድም ኣብ
መድረኽ ምሕዝነት
ዝነበረን፡ ሕጂ
ኣብ መድረኽ ኪዳን
ዘሎ ኩነታት እንተ
ተገንዝብና ፍሉይ
ከም
ዝኾነ እዩ ዝርደኣኒ፡፡
ኣብ ኪዳን ሓድሽ
ዓወታት ኣመዝጊብና
ኣለና፡፡ ግን እዞም
ዝተረኽቡ ዓወታት
እኹላት ድዮም? ንዝብል
ሕቶ እኹላት ኣይኮኑን፡፡
ምስቲ ህዝቢና ዝጽብዮ
ዘሎን፣ ዝሳቐዮ
ዘሎን ኣነጻጽርካ
እዚ ኣብ ኪዳን ተረኽቡ
ንብሎ ዘለና ዓወት
ብጣዕሚ ውሑድ ምኻኑ
ክረጋገጽ ይግባእ፡፡
ስለዚ ኪዳን
ሓድሽ ግንባር ኮይኑ
ዝተረፎ ነገራት
ከም ዘለዎን፣ እቲ
ምዕራፍ ተኸፊቱ
እምበር ኣብቲ ዝድለ
ኣይበጽሐን፡፡ እዚ
ሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ
መደብ ምስ ቀጸለ
ኣብ ምንታይ እዩ
ዓወቱ? ኣብ ምንታይ
እዩ ድኽመቱ ኣብ
ዝመጽእ ኣኼባ ይርኤ፡፡
በዚ መንፈስ እንድሕር
ደኣ ከይድና ኪዳን
ክዕውት ዝኽእል
መደባት እንድሕር
ሓንጺጹ ክንዕወት
እና ዝብል እምነት
ኣሎኒ፡፡ ኣብ ቀረባ
እዋን ኣብቲ ብክልቲኡ
ህዝቢታት ኣብ ብራስለስ
ዝተገብረ ሰላማዊ
ሰልፊ እንተ ደኣ
ሪእና፡ ኣብ ልዕሊ
ስርዓት ሻዕቢያ
ዓቢ ዓወት ዘመዝገበን፡
ህዝቢ ጽልኣቱ ብግልጽ
ዘነጸረ መድረኽ
ከም ዝነበረ እዩ
ዝረኣየኒ፡፡ ስለዚ
ኣብዚ ሕጂ እዋን
ውድባት ጥራሕ ኣይኮናን
ዝቋወማ ዘለዋ፡
እቲ ኣብ ወጻኢ ንልዕሊ
20ን 30ን ዓመታት ዝተቀመጠ
ህዝቢን፣ እንታይነት
ዲሞክራሲ ኣጸቢቁ
ዘስተማቐረ ህዝቢ
እውን ይቓወም ኣሎ፡፡
ብእዝኒና ንሰምዖ
ኣለና፣ ነቲ ስርዓት
ብምንጻግ ሃገሩ
ገድፉ ናብ የመን፣
ሱዳን ከምኡ እውን
ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ
ዝነብር ዘሎ ህዝቢ፣
ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት
ዘለዎ ጽልኢ የረጋግጸልና
ኣሎ፡፡
ስለዚ
ኣብ ፖለቲካ እንታይ
ኣሎ? ብጉጅለ ኮይንካ
ነዚ ስርዓት ተቋውሞካ
ክተስምዕ ትክእል
እካ፡ ኮይኑ ግን
ማሕበር ሰብ ዓለም
ንክርድኣልካ ኣጻጋሚ
እዩ ዝኸውን፡፡
ውድባት ነቲ ስርዓት
ከውግዛ እንከሎዋ፡
ነቲ ስርዓት ዝቋወም
ህዝቢ፣ በቲ ሓደ
ወገን ሰላማዊ ሰልፊ፣
በቲ ካልእ ወገን
ድማ ነቲ ስርዓት
ጠንጥኖም ሃገሮም
ገዲፎም ኣብ ስደት
ዝነብሩ ምስ ተረኣዩ፡
እዚ ስርዓት ደቁ
ይሰጉግ ከም ዘሎን፣
ዲሞክራሲ ከም ዘይብሉ፣
ውልቀ መላኺ ምኻኑ
ኣረጋግጹልና፡፡
ስለዚ እዚ ንኪዳን
ሓገዝን፣ ካልኣይ
ዕድል ከም ዝኾነ
ንርእዮ ኣሎና፡፡
ኪዳን በዚ መንጽር
ክትርእዮ እንከለኻ
ካብቲ ዝነበረ ናይ
ምሕዝነት ኣንፈት
ቁሩብ ምምሕያሽን
ኣብ ጽቡቅ ስጉምቲ
ኣሎ ክንብል ንኽእል፡፡
ካልኣይ
ክፋል
ሕቶ፡- ሕራይ
ናብ ካልኣይ ሕቶይ
ከሰጋጊረካ፡- ከም
ዝፍለጥ መሪሕ ውድብ
ዲምሓኩኤ ኣብ ካልኣይ
ውድባዊ ጉባኤኡ
ካብ ዝሓንጸጾም
መደባትን ኣንፈታት፡
ካብ ሕጂ ንነው ንብሄር
ኩናማ ኤርትራ ብብሄርካ
ተወደብ እልካ ምልዕዓል
ኣየድልን እዩ፡
ተወዲቡ እዩ፡፡
ስለዚ ቀጻሊ መደብ
ምስ ካልኦት ብሄራት
ኤርትራ ብሓባር
ተሓጋግዙ ብሰላምን
ብስኒት ንክነብር
ኣብ ኩሉ ናይ ሓድነት
መድረኻት ኣቲዩ
ምስ ኩሎም ብሓባር
ክሰርሕ ኣለዎ ዝብል
ውሳኔ ተዋህቡ ክስራሕ
ጸኒሑ፡፡ ስለዚ
በቲ ዝተወሰነ ውሳኔ
መሰረት ውድብና
ኣብ ሓድነት ዘለዎ
ኣመለኻኽታን፣ ኣብ
ዝተፈላለዩ ናይ
ሓድነት መደረኻት
ኣብ እተሳተፈሉ
ዝረኸቦም ኣወንታዊን፣
ኣሉታዊ ጎኒታት
ምገለጽካልናዶ?
መልሲ፡-
እወ ኣቐድመ ከም
ዝተንከፍኩዎ፡ ኣብ
ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤና ንብሄር
ኩናማ ወድብና እና፡
ንብሄር ኩናማ ናብዚ
ደረጃ ኣብጽሕናዮ
እና፡ ሓድነት ብሄር
ኩናማ ተረጋግጹ
እዩ፡፡ ዝተረፈ
እንድሕር ደኣ ኣሎ
ውሑድ እዩ ክኸውን
ዝኽእል ፡፡ እዚ
ተሪፉ ዘሎ ውሑድ
ቁጽሪ እንተዘይኮይኑ
ተረጋግጹ እዩ፡፡
ነዚ ተሪፉ ዘሎ እውን
ኣብ መስርሕ ብቃልስና
ክነረጋግጾ እና፡፡
ስለዚ ካብዚ ንደሓር
ንኩሉ ብሄር ኩናማ
ወድብና፣ ንኹሉ
ብረት እንተደኣ
የዕጥቅናዮ እውን
ንበይንና ኣብ ኤርትራ
ለውጢ ክነምጽእ
ከም ዘይንክእል
ኣብ ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤ ተካቲዕና፣
ገምግምና እና፡፡
ካብዚ ብምቅጻል
ኣብ ዝተረኽቡ ናይ
ሓድነት መድረኻት
እንተደኣ ተሳቲፍና
እንታይ ጸገም የምጽእ፣
ተኻፍልና ዘለና
ዓቅሚ ኣርእናን
ተጠቅምና፣ ካብኦም
እውን ትምህርቲ
እንተረኸብና እልና
ውሳኔ ኣመሓላልፍና
ነይርና፡፡ በቲ
ዝሓለፈ ውሳኔ መሰረት
ትዝክሩ ትኾኑ ካልኣይ
ውድባዊ ጉባኤና
ኣሰላሲልና ንጽባሕቱ
ኣኼባ ህድሓኤ ኣብ
ኣዲስ ኣበባ ኣካይድና፡፡
እዚ ድማ ሓሙሻይ
ስሩዕ ኣኼባ ምሕዝነት
ንክጅመር ኣብ ዝተቀራረበሉ
እዋን ከም ዝኾነ
እውን ኣረጋግጽና፡፡
ስለዚ
ሰለስቲኤን ውድባት
ዲምሓኩኤ፣ ሰደግኤ፣
ሳግም ብስራሕ ፈጻሚት
ደረጃ፣ ብሓለፍቲ
ውድባት ደረጃ ኣኼባ
ተገይሩ፡፡ ኣብ
ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤና ከም ዝረኣናዮ፣
ማሓዙትና እዮም፣
መትከልና ሓደ እዩ፣
ብሓደ ንጎዓዝ ኣለና
እልና ኣብ ቃልስናን
ኣብ ውድባዊ ጉባኤና
ብቋንቋና ኣብ እንካተዓሉ
ዝነበርና መድረኽን፣
ውሳኔታት ኣብ ንሕልፈሉ
ዝነበርና መድረኽ
ተረኽቦም ንሶም
ብዝርድኦም ቋንቋ
ክሳብ መጨረሻ ሰዓት
ከም ኣብ ውድብ ዘሎው
ኣባላት ብሓደ ተካቲዕና፣
ውሳኔታት የሕልፍና
ከም ዝነበርና ዝዝከር
እዩ፡፡ ምስቶም
ሰለስተ ውድባት
ምስ ተራኸብናን፡
ቅድሚ ኣብ ናይ ምሕዝነት
ኣኼባ ምእታውና
ዕንቅፋታት ነይሮም፣
ሓደሽቲ ለውጢታትን፣
ኣረኣእያታትን ከም
ዝተራእዩ ኣረጋግጽና፡፡
ካብዚ ብዝያዳ ኣብ
ኣኼባ ምሕዝነት
ኣብ መልክዕ ውዳቤን፣
መሰል ብሄር ብዝምልከት
ኣብቲ ኣኼባ ንመጀመሪያ
ዝተራኸብናዮም ውድብ
ዓፋርን ንሕናን
ጸኒዕና ከም ዝተቃለስናን፡
ክሳብ ሕጂ መሰል
ርእሰ ውሳኔ ብሄራት
ኣብ ቻርተር ናይ
ኪዳን ሰፍሩ ዝቅጽል
ዘሎ በተን ክልተ
ውድባት ማለት ዲምሓኩኤን
ውድብ ዓፋርን ምስ
ካልኦት ፈተውቲና
ተቃልስና ጽዕርና
ዘስፈርናዮ እዩ፡፡
ስለዚ
በቲ ዝተገብረ ቃልስን
መትከልን ሃገራዊ
ምሕዝነት ኤርትራ
መሰል ብሄርን፣
መልክዕ ውደባ ስለዝተቀበሎ
እነሆ ናብ ኪዳን
ተሰጊሩ ክሳብ ሕጂ
ብእኡ ንኸይድ ኣሎና፡፡
እዚ ኣብ ታክቲካዊ
ሓድነት ዘሎ ዝምድና
እዩ፡፡ ስለዚ ብታክቲካዊ
እንመሓዘው 14 ውድባት
ኣለና፡፡ እዘን
14 ውድባት ኣብ ጽላል
ኪዳን ኣለዋ፡፡
ምስ ዲሞክራስያዊ
ውድብ ዓፋር ቀይሕ
ባሕሪ ስተራተጂካዊ
ዝምድናና ኣጠናኽርና
ንቅጽል ኣሎና፡፡
ካብ ኪዳን ወጻኢ
እውን ውድባት ኣለዋ፡፡
ምስተን ካብ ኪዳን
ወጻኢ ዘለዋ ውድባት
ክሳብ ሕጂ ብደረጃ
ውድብ ኮነ ብውልቀ
ዝተመያየጥናዮ ነገር
የለን፡፡ ኣብ ስተራተጂ
እንድሕር ደኣ መጽእና፡
ኣቐድመ ከም ዝበልኩዎ
ህድሓኤ ተዳኺሙ
ፋሕ ምስ በለ፡ እተን
ብብሄር ዝተወደባ
ውድባት ማለት ዲምሓኩኤን
ውድብ ዓፋር ነዚ
ሕዝናዮ ዘለና መትከል
ክሳብ መጨረሻ ክነብጽሖ
እና እለን ቃል ኣትየን፡፡
ኣብዚ ዝተቀመጠ
ስምምዕ ሰደግኤ
ኣነ እውን ኣብዚ
መትከል የኣምን
እየ ክሳብ መጨረሻ
ክቃለስ እየ ስለዚ
ኣነ እውን ምሳኹም
ሓቢረ ክስጉም እሉ
ስለዝመጸ ኣብዚ
ተሳታፊ ኮይኑ፡፡
በዚ መገዲ ሰለስተ
ውድባት ምስ ተመሓዘና
መልስና ምስ ራብዓይ
ውድብ ተሓኤ ሃ.ጉ
ርክባት ተገይሩ
ኣብ መልክዕ ውዳበን፣
ኣብ መሰል ብሄራት
ጽቡቅ ኣረኣእያ
ኣሎና ስለዝበሉ
እዚ እንድሕር ደኣ
ኮይኑ በይንና ካብ
ንቃለስ ሰምርና
ንቃለስ እልና ርክባት
ገይርና ኣርባዕተ
ውድብ ኮይና ኣብ
ጽላል ምሕዝነት
ተሳትፍና፡፡
እዘን
ኣርባዕተ ውድባት
እንዳተሓጋገዝና
ኣብ ምሕዝነት እንዳቀጽልና
እንከለና ከም ኣጋጣሚ
ኤርትራዊ ህዝባዊ
ምንቅስቃስ (ኤህም)
ተቀልቂሉ፡ በዓል
ኣድሓኖም ምስ ዓብዳላ
ኣዳም ውድብ ኣቁሞም፡
ብሄራዊ መልክዕ
ውዳቤ ኮነ መሰል
ብሄራት ተቐብልና
እሎም ኣብ ኩለን
ዌብ-ሳይታት ስለዝዘርጉሑዎን፣
መደባቶም ስለዝረኣና
ምስዞም ሓሙሽተ
ውድባት ብስተራተጂ
ተኣሳስርና እንተኸድና
ጽቡቅ እዩ እልና
ኣኼባታት ተገይሩ
ኣብ ካስል ፈርማና
ኣቀምጥና፡፡ ካብዚ
ብምቅጻል እንታይ
ኮይኑ? ንዝብል ኩሉ
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ
ሬድዮ ብዙሕ ስለዝተዛረብናሉ
ኣብዚ ከም ብሓድሽ
ምድጋሙ ጥቅሚ የብሉን፡፡
ስለዚ ዲምሓኩኤ
ኣብ ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤኡ ካብ ዘጽደቆምን
ካብ ዘካየዶም ሓድነታዊ
መድረኻትን ቃልስታት
እንታይ ትምህርቲ
ረኽቡ ንዝብል ሕቶ፡-
ብመጀመሪያ እተን
ኣለዋ ዝበሃላ ናይ
ኤርትራ ተቃወምቲ
ብታክቲክ ይኹን
ብስተራተጂ ምስ
ኩለን ርክባት ኣካይድና
ኢና፡፡ ንሶም ዓቅምና
ፈሊጦም፡ ንሕና
እውን ዓቅሞም ፈልጥና፡፡
ፖለቲካ እንታይ
ከም ዝኾነ ንሶም
እውን ፈሊጦም ንሕና
እውን ፈልጥና፡፡
ንሕና ትማሊ ዝተመሰረትና
እንተኾና እውን
ካብዞም ገዳይም
ዝበሃሉ ውድባት
እንታይ እና እንመሃሮ?
እንታይ እዩ ካብኣቶም
ዘይንመሃሮ? ነዚ
ኩሉ ኣጻሪና ኣብ
ዝፈለጥናዮ ደረጃ
በጽሕና እና ዘለና፡፡
ስለዚ ኩለን ናይ
ሓድነት መስርሓት
ሪእና፡ ኣብዚ ሕጂ
ዘለናዮ ደረጃ እውን
በጽሕና እና፡፡
ሕጂኸ ዲምሓኩኤ
ካብዚ ንነው ካብዝኣቶም
እንታይ ይመሃር?
ንዝብል እንተኾይኑ፡-
ብቐዳምነት
ዝተማሃርናዮ ነገር
እንተልዩ ኣብ ፖለቲካ
ጥልመት፣ ጸርፊ፣
ምጽላም፣ ሓሶት፣
ምግርጫው ንግዝኡ
እምበር ጥቅሚን
ዘላቅነት ዘይብሉ
ምኻኑ እዩ፡፡ ካብዚ
እውን ብዙሕ ትምህርቲ
ተቐስሙ፡፡ ዲምሓኩኤ
ካብ ዝረኸቦም መኽሰባት
እዚ እዩ፡፡ ምትንኻል
ጥቅሚ ከም ዘይብሉ፡፡
ኣብ ፖሊትካ ዓይነይ
ሃሪሙኒ እሞ ኣብ
ዓይኑ ክሃርሞ ኣለኒ
ምባል ትርጉም ከም
ዘይብሉ ተማህርና
እና፡፡ ስለዚ ካብ
ሕጂ ንነው፡ ካብዚ
መድረኽ ንነው ሓድሽ
ጎደና፣ ሓድሽ ናይ
ፕሮፖጋንዳ ኣንፈት፣
ብሓድሽ ዝምድና
ክንከይድ ከም ዝግበኣና
ኣስተውዕልና ኣሎና፡፡
ካብ ዝሓለፈ መድረኻት
ዓቢ ልምድን፣ ተመክሮን
ትምህርቲ እውን
ረኽብና፡፡
ምስ ካልኦት
ውድባት ዘለና ዝምድናታት
ብዝምልከት፡ ስተራተጂካዊ
ኮነ ታክቲካዊ ጉዳያት
ኣብ ግምት ከይየእተና
ብጉያ ጉያ ክንኣትው
እንከሎናን ኣብ
መንጎ ዘይምቅዳው፣
ተንኮላት፣ ተበላጽነት
ኣብ እንርእየሉ
እዋን ካብቲ ዝነበረና
ህርፋንን ናይ ተሞክሮ
ሕጽረት ግንባር
ንግንባር ንገጥም
ብምንባርና ተሃስና
እና፡፡ ገጽ ንገጽ
ተፋልምና ኢና፡፡
ጽቡቅ ግን ኣይኮነን፡፡
ካብ ሕጂ ንነው ብመጀመሪያ
ምስ ውድባት ስተራተጅክ
ይኹን ታክቲክ እቲ
ዝምድናና ኣብ ምንታይ
ደረጃ ከም ዘሎ ክንፈልጥ
ከም ዝግበኣና ተማህርናሉ
ኢና፡፡
እቲ ዝምድናና
ስተራተጅካዊ እንተደኣ
ኮይኑ ኣብዚ መዳይ
ብከመይ ተሳኒናን
ብከመይ ኣሊናን፣
እቲ ሓደ ኣብ ጽቡቅ
ደረጃ እንተደኣ
ሃልዩ፣ እቲ ሓደ
ድማ ኣብ ማእከላይ
ደረጃ እንተደኣ
ሃልዩ ከመይ ገርና
ክልቲኦም ኣጠዓዕሞምና
ከም ንከይድ ተማህርናሉ
ኣለና፡፡ ነዚታት
ክነመዓራሪ ነይሩና
ኣመዓራሪና ዝብል
እምነት ኣሎኒ፡፡
ኣብ ታክቲካዊ እንድሕር
ደኣ ኮይኑ፡ ኣበይ
እዩ ዝፈላልየና?
መሰል ብሄር ኣይተቐበሉን፡
መሰል ብሄር እንድሕር
ዘይተቐብሎም ናይ
ግድን ክቅበሉ ኣለዎም?
ንክቅበሉ ክነገድዶም
ይግበኣና ድዩ? ኣይኮነን፡
ንሶም መሰል ብሄር
ኣይተቐበሉን፣ ንሕና
እውን እቲ ንሶም
ዘይቅበሉዎ ኣይንቅበሎን፡፡
ሕቶ ብሄር እንድሕር
ደኣ ዘይቅበሉዎ
እንተደኣ ኮይኖም
እቲ ናቶም ማክስመም
ፖለቲካዊ ፕሮግራም
ናዓና ሚንመም ፕሮግራም
ስለ ዝኸውን ብሚንመም
ፕሮግራም ክሳብ
መጨረሻ ክንከይድ
ከም ዘይንኽእል
ነቀምጥ ኣለና፡፡
እዚ ድማ ኣፈላላይና
ከም ዝኾነ ንፈልጥ
ኣሎና፡፡
ካብዘን ዝሓለፋ
ናይ ሓድነት መስርሓትን
ተመክሮታት ዝቐስምናዮ
ኩሉ ፈሊናን ወጊና
ክንቀምጦ ይግበኣና፡፡
ምስ ውድባት ኣብ
ዝግበር ርክባት
ኣብ ታክትክ ይኹን
ኣብ ካልእ ፍልልያትና
እንታይ እዩ? እቲ
ዘራኽበናን ብሓደ
ካስርሓና ዝኽእል
እንታይ እዩ? ስለዚ
ኣብቲ ብሓባር ካስርሓና
ኣብ ዝኽእል ክሳብ
መጨረሻ ክንከይድ
ይግባእ፡፡ እቲ
ዘፈላልየና ድማ
ንጊዝኡ ንግደፎ፡፡ ኣብቲ ብሓንሳብ
ካስርሓና ኣብ ዝኽእል
መደረኽ ሰሪሕና
እንረኽቦ ፍሬ ነቶም
ዝፈላልዩና ነጥቢታት
ካጽብቦም ስለ ዝኽእል
በዚ ኣገባብ እንድሕር
ደኣ ከይድና፡ ፈላልዩና
ዝነበረ ነጥቢታት
ንምስትኽኻሉ ዕድል
ስለዝህብ ጽቡቅ
ከም ዝኸውን ካብ
ዝሓለፋ ናይ ሓድነት
መደረኻት ዝተረኽበ
ትምህርቲ እዩ፡፡
ስለዚ ካብ ሕጂ ንነው
ኣቐዲመ ከም ዝተዛረብኩዎ
ቃለ-መሕትት ንምንታይ
የድሊ ንዝብል ካብ
ውሳኔታት ሻድሻይ
ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ
ኮሚቴ ኮነ ካብዚ
ዝተግበረ ቃለ-መሕትት
ጀሚሩ ስራሕና፣
ቃልስና፣ ሓድነት
ብሄር ኩናማን፣
ኣብ መደረኽ ሓድነታት
ብታክትከ ይኹን
ካብ እስተራተጂካዊ
መደረኻት ብእንረኽቦ
ተመክሮ ንብሄር
ኩናማ ከመይ ገርና
ዓወት ናምጽኣሉ
እልናን ኣብ መስርሕ
ዘጓኑፉና ሓጓፋት
ኣስተካክልና ክንከይድ
ይግበኣና፡፡ ተተናኹሎምና
እልና ኣብ ሕንፍሽፍሽ
ክንኣቱ ኣይግበኣናን፡፡
ሽምና ኣጸልሞምና
እልና ምስኣቶም
ኣብ ቁሩቁስ ክንኣቱ
የብልናን፡፡ ነቶም
ሽምና ዘጸልሙ ንስኹም
ከምዚ ስለዝበልኩም
ንሕና እውን እዚ
ግብረ መልሲ ህብናኩም
ዝብል ኣካይዳ ግዝኡ
ሓሊፉ እዩ፡፡ እዚ
ምስ ደረጃና ዝኸይድ
ኣይኮነን፡፡ ዕብየትና
ክሳብ ዘረጋገጽና፣
ዓወት ክሳብ ነምጽእ
ዝሓለፉ ተመክሮታት
ክንጥቀም ኣሎና፡፡
ስለዚ ግብረ መልሲ
ኣየድልን እዩ፡፡
ህዝቢ ይፈልጦ ስለዝኾነ
ናብ ሓሸውየ ክንኣቱ
የብልናን፡፡
ኣብ መጨረሻ
ሓደ ኣብነት ንክህበኩም፡-
ካድረ ድዩ፣ ኣብ
ካርቱም ዘሎ ህዝቢ
ድዩ፣ ኣብ ሽመልባ
ዘሎ ህዝቢ ድዩ ኩሎም
ናይ ሓድነት ጥቅሚ
እንታይ ከም ዝኾነ
ፈሊጦም ካብ ሓድነት
ወጻኢ ንዘለው ከመይ
ዝበለ መልእኽቲታት
የሕልፎም ከም ዝነበሩ
ሪእናዮ እና፡፡
መልእኽቲ ካብ ምሕላፍ
ሰግሮም ብኣሽማቶም
ጽሑፋት ብምድላው
ሪእይቶኦም ዘሕለፉ
ካድረታት እውን
ኣሎውና፡፡ እዚ
ኩሉ ቃል ኣቲና ነቲ
ሕዝናዮ ዝመጻና
ቃልሲ ክሳብ መጨረሽትኡ
ንምብጻሕ ዝሓለነ
እምበር ነቶም ኣብ
ሓድነት ዘየለው
ሰባት ንምፍርራሕን፣
ንምብርኻኽ ዝሓለነ
ኣይኮነን፡፡ እንተ
ደልዮም ይምጽኡ፡፡
እንተ ኣበዩ ድማ
በቲ ንሶም ዝኽተሉዎን
ዝመረጹዎ መገዲ
ይቃለሱ፡፡
ካብ ሕጂ ንነው
ኣንፈት ፕሮፖጋንዳና
ነዚ መልክዕ እዚ
ክሕዝ ኣይግባእን፡፡
ስለዚ ናብ ሓድሽ
ኣንፈትን፣ ውሳኔን
ዝመጻእና ምስዚ
ሓድሽ ለውጢ ተሳኒና
ንክንከይድን፣ እዚ
መልእኽቲ ድማ በዚ
ኣቢሉ ንክሓልፍን
ህዝብን፣ ካድሬን፣
ሰራዊትን ነዚ ኣረኣእያ
ተኸቲሎም እንተ
ከይዶም ጽቡቅ እዩ
ዝብል እምነት ኣሎኒ
ከም ዘተግብሩ እውን
ይተኣማመን፡፡ እዚ
ኹሉ ኣብ ውጽኢት
ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤና ኮይኑ ሽዑ
ዘቐመጥናዮም ውሳኔታት
ብምትግባርን ምስ
ዘለዋ ተቓወምቲ
ውድባት ካብ ዝገብርናዮም
ሓድነታዊ መደረኻት
ዝተረኽበ ፍሬ እዩ፡፡
ህዝቢን ሰራዊትን፣
መራሕቲ ውድባቱን
ዘሐጎሰን እቲ ዝበለጸን
እዩ ዝብሎ እንተደኣ
ኣሎ፡- ብዙሕ ተመክሮ
ዘለዎምን፣ ኣብ
መንጎ ፈሉይ ተመክሮ
ዘለዎም ውድባት
ኣቲና ብዘይ ምንም
ጸገም ወጽእና ክብሪ
ውድብናን፣ ብሄርናን፣
ክብሪ ዕላማናን
መልክዕ ውዳቤናን
ዓቂብና ከም ውድብ
ቀጻልነትና ኣረጋግጽና
ምብቃዕና እቲ ዝዓበየ
ጸጋን፣ ዓወት ምኻኑ
ክፍለጥ ኣለዎ በሃላይ
እየ፡፡ ኣብ ነንሕድሕዶም
ዘፋሪሱን፣ ዝባልዑን፣
ዝቓተሉ ውድባት
ኣቲና፡ ውድባዊ
ህላዌና ኣረጋግጽና
ምውጻእና ቀሊል
ተመክሮ ኣይኮነን፡፡
ስለዚ ኣብ
ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤና ዘጽደቅናዮምን፣
ዝሓንጸጽናዮም ናይ
ቃልሲ ኣንፈትን
መደባት ተበጊስና
ብዝገበርናዮ ምንቅስቓሳት
ጽቡቅ ትምህርቲ
ኣዋህልልና ክብል
ይደፍር፡፡ ንብሄር
ኩናማ ከመይ ከም
ነምህሮ እውን ዓቢ
ሓገዝ ረኽብና ክብል
እውን ይፈቱ፡፡
ሳልሳይ ክፋል
ሕቶ፡- ብሓፈሽኡ
ውድብና ዝረኸቦም
ብድሆታት ኮነ ዓወታት
ገልጽካ፡፡ ከምኡ
እውን ምስዚ ብዝተሓሓዝ
ኩነታት ደምበ ተቓወምቲ
ውድባት ብዝምልከት
እውን ብሰፊሑ ኣብሪህካ፡፡
ወስኻ ክትገልጸለይ
ዝደሊ፡ ኩነታት
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ
ኪዳን ኣብዚ ሕጂ
እዋን ኣብ ከመይ
ዝበለ ደረጃ ኣሎ? ነዚ ሕቶ ንምልዓል
ካብ ዘገደደኒ፡
ድሕሪ 2ይ ኣኼባ ኪዳን፡
ኣብ ልዕሊ ውድብና
ብዙሕ ዘረባታት
ይስማዕ ነይሩ፡፡
ካብዚኦም ሓደ ሓደ
ነጥቢታት ንምግላጽ፡
ንውድብ ዲምሓኩኤ
ካብ ደረጃ መሪሕነት
ለጠቅ ኣብሎሞ፡
ካብ ደረጃ ስራሕ
ፈጻሚት ኣወሪዶሞ፣
ሰራዊት ኮነ ካድረታት
ፈሪሶም ዝብሉ ዘረባታት
ይስማዕ ፡ ብተወሳኺ
ኣብ ካልኣይ ኣኼባ
ካብ ጸሓፊ ናብ ህዝባዊ
ጉዳያት ዝወረድናሉ
ምኽንያት እንታይ
እዩ? ምስቲ ኣቐዲመ
ዝገለጽኩዎ እንታይ
ምትእስሳር ኣለዎ?
መልሲ፡-
እወ እተን
ዝበልካየን ኣብ
ባይታ ዝነበረ ግን
ዝበለላ በላ በለውታት
እዮም፡፡ ንውድብናን
ስምዒት ኹሉ ብሄር
ኩናማ ዝተንከፈ
እውን ስለ ዝኾነ
ኣስፍሕና እንተደኣ
ሪእናዮ ይሓይሽ፡፡
ኣብ ካልኣይ ስሩዕ
ኣኼባ ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ (ኪዳን)
ሓደሽቲ ለውጢታት
ነይሮም እዮም፡፡
ቃልሲ ክሳብ ዝኾነ
ለውጢ ንክህሉ ናይ
ግድን እዩ፡፡ እዞም
ዝተገብሩ ለውጢታት
ካብ ሰናይ ተበግሶን፡
ንረብሓ ነቲ ናካይዶ
ዘሎና ቃልሲ
ድዮ? ንዝብል ሕቶ
ነፍስ ወከፍ ውድብ
ኮነ መሪሕነት ነናቱ
ግምገማ ከቀምጥ
ስለዝኽእል፡ እተን
ካልኦት ውድባት
ዝግምግምኦኦን ንሕና
እንግምግሞን ክፈላለ
ይኽእል እዩ፡፡
ኮይኑ ግን ኣብዚ
ክንፈልጦ ዝግበኣና
ነገር ኣሎ፡፡ መሪሕነት
ዲምሓኩኤ ኮነ ናይ
ካልኦት ውድባት
ዝተፈላለየ ሓሳባት
ስለዘለና፡ ከምቲ
ንሕና እንሓስቦ
እንተደኣ ኮይኑ
እሰዮ እንተዘይኮይኑ
ንዮ በሎ ክበሃል
ቁኑዕ ኣይኮነን፡፡
ንሕና ንቃልሲ ቆሪጽና
ክንብገስ እንከለና
ንሓርነት ብሄር ኩናማን ብሄራት
ኤርትራን እምበር
ንስልጣን ከም ዘይኮነ
ክፍለጥ ይግባእ፡፡
ተበግሶና ከምቲ
ዝተበሃለ እንተኾይኑን
ኩናማ ሓርነቱ ክረክብ
እንተደኣ ኮይኑ
ኣብ ዝኾነ ይኹን
መደረኽ ንመትከሉን
ክብሪ ውድብ ጠጠው
ዝበለ ህዝቢ፣ መሪሕነት፣
ካድረ ከምኡ እውን
ሰራዊት ንክህሉው
ናይ ግድን እዩ፡፡
ካብ ውልቃዊ ክብሪ፡
ውድባዊ ክብሪ ዘቀድም
መሪሕነት ምስ ዝህሉ
ጥራይ እዩ ናብ ዓወት
ክንበጽሕ ንኽእል፡፡
ኣብ ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤና ተመያይጥና፡
ከም ዝወሰናዮ፣
ምስ ካልኦት ውድባት
ተዋስብና ክንቃለስን
ኣብ ዝተፈላለዩ
ናይ ሓድነት መድረኻት
ክንሳተፍ ክንብል
እንከለና ንሕና
ናቶም ጽግዕተኛ
ንክንከውን
ኣይኮነን፡ እንታይ
ደኣ ንሕናን ንሶምን
ኣብ ናይ ሓድነት
መድረኽ
ክንመጽእ እንከሎና፡
ክብርና ተሓልዩ
ንሕና እውን ክብሮም
ሓልና፡ ንሶም ዘለዎም
ዓቅሚ ከምጽኡ እንከሎው
ንሕና እውን ዘለና
ዓቅሚ ብምምጻእ
ኣወሃህድና ንዕወተሉ
ባይታ ንምፍጣር
እዩ፡፡ ብኹሉ ሸነኻት
ዝተደለየ ምስዘይፍጸም
ናብ ምጽላም ምእታው
ባህሊ ናይ ቃልሲ
ኮይኑ ብምጽንሑ
እተን ዝተባህላ
በላበለውታት ንክህልው
ባህሪያዊ እዩ፡፡
ክጎሓፍ ዘለዎ ባህሊ
ምኻኑ ግን ኣይንጠራጠርን፡፡
ክሰሓትውን ኣይግባእን፡፡
ናብ
መልሲታትካ ንክምለስ
ንሕና ቃልሲ ክንጅምር
እንከለና ኪዳን
ዝበሃል ግንባር
ክፍጠር እዩ እሞ
ኣብኡ ኣባል
ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት
ክንከውን ኣሎና
እልና ኣይኮናን.
ንሕና ኣቦ ወንበር
ንክንከውን ኣይኮናን
ናብ ቃልሲ ዝኣቶና፡፡
ኩሉ ጊዜ ጻሓፊ ኮይና
ክንቅመጥ ኣይኮናን
ቃልስና፡፡ ኣነ
ኣብ ካልኣይ ውድባዊ
ጉባኤ ንሰለስተ
ዓመት ንክመሪሕ
ዝተመረጽኩ ኣቦ
ወንበር ዲምሓኩኤ
እምበር ናይ ኪዳን
ኣይኮንኩን፡፡ ተሳታፊ
ጉባኤውን ከምኡ
እሉ እውን ኣይመረጸንን፡፡
ኪዳን ከኣ ቃልሲ
ዝፈጠሮ ሃገራዊ
ግምባር እዩ ኣብ
ምፍጣሩ ግን እጃም
ኣሎና፡፡ ካብ ናይ
ኪዳን ዘሎዋ ኮሚቴታት
ቦታ ንክወሃበና
እልና ኣይተባኣስናን፡፡
እዚ ጉዳይ እዚ ካብ
ውድብ ዲምሓኩኤ
ዝያዳ ንኪዳን ከተሓሳስብ
ይግባእ፡፡ ዲምሓኩኤ
ዓቅሚ ኣሎዎ፣ ህዝቢ
ኣሎዎ፣ ናይ ፖለቲካ
ብቅዓት ስለ ዘለዎ
ነዚ ውድብ ቦታ እንተ
ዝወሃብ መክሰብና
እዩ ዝኸውን ኢሉ
ክሓስብ ዝግብኦ
ኪዳንን መሪሕነት
ኪዳንን እምበር
ንኣባላት ዲምሓኩኤ
ከሻቅሎም ዝግባእ
ጉዳይ ኣይኮነን
ይብል፡፡ ማንም
ከኣ ወሃቢን ከላእን
ክኸውን ኣይግባእን፡፡
ናይ ምትእምማን
መንፈስ ሃልዩ ውድባት
ካብ ምጉጅጃል ሕኸኸኒ
ክሓኸካ ወጽኤን
በዓለን ብዊንትኤን
እንተ ዝኸዳ ክንደይ
ምጸበቀ? ንዓይ ዘገድሰኒ
ኣቦ ወንበር ዲምሓኩኤ
ምኻነይ እምበር
ኣብ ፈጻሚት ሃልየ
ኣይ ሃለኩ ጸገም
ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ
እንተኾነ ዘይሃበኒ
ሓላፊነት ክሓተኒ
እውን ክስምዖ የብሉን፡፡
ኣብ ዝተረኽቡ
መድረኻት ክብሪ
ውድበይን መትከለይን
ናይ ምሕላው ግደታ
ከም ዘሎኒ ኣይዝንግዕን፡፡
ብረብሓን ብጊዚያዊ
ስምዒታት ተታሊለ
ክብሪ ውድበይን
መትከለይን ዘጉድፍ
ስራሕ ካብ ምፍጻም
ንክቑጠብ ህዝቢ
ልዑል ምክትታል
ከም ዝገብር ይተኣማመን፡፡
ስለዚ
ትማሊ ጸሓፊ ነርና
ሎሚ ኣብ ሕብረተሰባዊ
ጉዳያት እንተመጻእና፡
ጸሓፊ ክንከውን
ኣሎና እልና ክንከራከር
ኣይግባእን፡፡ ኣብ
ማሕበረሰባዊ ጉዳያት
ክንመጽእ ኣሎና
እልና እውን ክንማጎት
ኣይግባእን፡፡ ኣብ
ፈጻሚት ንሃሉ፣
ኣብ ዝኾነ ኮሚቴ
ንምራሕ፡ እቲ ቀንዲ
ነጥቢ ኣብ ዝተመደብናሉ
ናይ ስራሕ ቦታ ውጽእታውን
(effective) ድና ኣይኮናን
ምርኣይ ከድሊ እዩ፡
ነፍስና ክንፍትሽ
ይግባእ፡፡ ብቁዓት
እንተደኣ ኮይናን
ፍትሒ እንተልዩ
ናብቲ ዝበቅዔን
ዝበለጸ ቦታ ንበጽሕ፡፡
እንተ ሓምቅና ከኣ
ንጎሓፍ፡፡ ንክንዕወት
ተሪርና ክንቃለስ
ኣለና እምበር እዚ
ቦታ ህቦምና፣ እዞ
ቦታ ኣይተዋህበናን
እልና ክንከይድ
ኣይግባእን፡፡ ከምኡ
እውን ማንም ሰብ
ክህበናን ክከልኣንን
ኣይክእልን፡፡ ኪዳን
ኤርትራ እያ እንተደኣ
እልና፡ ኪዳን ኤርትራ
ኤርትራ ክትኸውን
ኣለዋ፡፡ ስለዚ
ማንም ሰብ ንኤርትራ
ክገድፎ እየ ዝብል
የለን፡፡ ኣብ ኪዳን ኣይኣቱን፣
ነዚ ናይ ሓላፊነት
ቦታ ኣይደልን ነዚ
ዝሃብናካ ተቐበል
እንተዘይኮይኑ ጸግዕካ
ሓዝ ክብል ዝኽእል
ሰብ የለን ክህልው
እውን ኣይግባእን፡፡
ብከምኡ ዝበለ መንታሊቲ
ትኸይድ ኪዳን ተዓዋትት
ኣይትኸውንን፡፡
ምጉጅጃል ኮነ በዚ
ኣገባብ ክመጽእ
ዝኽእል ዓወት ግዝያዊ
ዓወት ካብ ምኻን
ኣይሓልፍን እዩ፡፡
በዚ ክርኤ ኣለዎ፡፡
ውድባዊ ዕብየት፣
ዓቅምን ብቅዓትን
ኣብ ግምት ዘእተወ
ከይዲ እንተ ሃልዩ
ኩልና ተረባሕቲ
እና፡ እንተዘይኾይኑ
ወደቅቲ እና ንኸውን፡፡
እዚ ብስምምዕ እዩ
እምበር ነዚ ዝተዋሃበኩም
ቦታ ውሰዱ ኣንተኣበኹም
ረሓቁልና ተባህሉ
ንውድብ ዲምሓኩኤ
ክሳብ ሕጂ ዝተዳፍኤ
ውድብ ኮነ መድረኽ
እውን የለን፡፡
ብደረጃ ኣተሓሳስባ
እንተሊዩውን ኣዕናዊ
እዩ ዝኸውን፡፡
ካብዚ
ወጻኢ ብዙሕ ክዝረብ
እውን ይሰማዕ፡፡
ከም ዝበልካ ኣብ
ጸሓፊ ነይርና፡
ጸሓፊ ጥራይ ዘይኮነ
ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ
ዓመት ቤት ጽሕፈት
ምሕዝነት ንመሪሕ
ነይርና፡፡ ኣብ
ምጥንኻር ትካላት
ምሕዝነት ኮነ ኪዳን
ተራ ናይ ዲምሓኩኤ
እንታይ ከም ዝነበረ
ንጀሃረሉ እንተዘይኮይኑ
ግን ንሕበነሉ እና፡፡
ነዚ ሓቂ ዝክሕዱ
መራሕቲ ዲምሓኩኤ
ጥራይ ዘይኮነ መልክዕ
ውዳቤናን መትከልናን
ዝጻብኡ እዮም ዝኾኑ፡፡
ካብዚኦም ከኣ ምረቓ
ኣይንጽበን፡፡ መልክዕ
ውዳቤና ኮነ መትከልና
ዝጸልኡ ኣካላት
ንዲምሓኩኤ ከጸልሙ፣ ንመሪሕነት
ዲምሓኩኤ ንክጸርፉ
ግድነት እዩ፡፡
ብዓይንቲና ንርእዮም ኣለና፡፡
ብደገ ደገ ካብ ዝዝረብ
ጸለመታት ኣይናይ
ኣልዕልካ ኣይናይ
ትገድፎ ? ኣቦ ወንበር
ዲምሓኩኤ ከምዚ
በልዑ፣ ምክትሉ
ከምዚ ኮነ ተባህሉ
ክንደይናይ ዘይተዘረበ?
ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኾነ
ናይ ኪዳን መደረኽ
ብወግዒ ዲምሓኩኤ
ከምዚ ገሩ፣ ኣጥፍኡ
እሎም ዘቅረቡዎ
ጥርዓን ሪእናን
ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን፡፡
እንካዕ ደኣ ብጀካ
ዲምሓኩኤ ኣተሓሕዛ
ገንዘብ ዝክእል
መሪሕነት የለን፣
ጽፉፋት እዮም ክብሉ
ንሰሚዕ፡፡ ወላ
እቶም ናይ ሎም ዘበን
ጸላእቲኩም ኢና፣
ብሄራዊ መልክዕ
ውዳቤ ክንኣጥፎ
ኢና ዝብሉውን ነዚ
ሓቂ ኣይክሕዱን
እዮም፡፡ ስለዚ
ኣብ ደገ ብዝዝረብ
ዘረባ ኣብ ናይ ኪዳን
መደረኽ ወላ ክብሪና
ዝትንክፍ እንተኾነ
እውን ብኣፍ ሻዕቢያ
ዝዛረቡ
ሰባት ስለ ዘለው ነዚ ኣብ ግምት
የእትና ጥንቃቀ
ክንገብር ይግባእ፡፡
ኣቐዲመ ከም ዝጠቀስኩዎ
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ
ጸሓፊ ቦታ
ነርና ሕጂ ኣብ
ሕብረተሰባዊ ጉዳያት
መጽእና አሎና፡
እንተክእልና ኣብዚ
መደረኽ እዚ ዓቅሚና
ክነርኢ ይግባእ፡
ኣብ ማሕበረሰባዊ
ጉዳያት ስራሕ ክንሰርሕ
ይግባእ፡፡ ኣብ
ወታደራዊ ቤት ጽሕፈት
እንከሎና መዓረ
ክንደይ ከም ዝበቃዕና
ገምጊምና ሓልፍና
እና፡፡ ኣብ ምሕደራ ፈጻሚት ቤት
ጽሕፈት እንከለና
እውን እንታይ ውጽእት
ከም ዘምጻእና ብዓይኖም
ይርእዩዎ ኣሎው
ንሕና እውን ንርእዮ
ኣሎና፡፡ ስለዚ
ሕጂ እውን ኣብ ማሕበረሰባዊ
ጉዳያት ብቁዓት
ምኻናን ኣብ ካልእ
ቦታ እንተኸድና
እውን ብቁዓት
ምኻና ብስራሕ ክነረጋግጽ
ይግባእ፡፡
እዚ እዩ ክረኤ
ዘለዎ፡፡ ዓቅሚ
እንተደኣ ኣሎ ኣብ
ዝኾነ ቦታ ከይድካ
ነቲ ቦታ ትልውጦ፣
ውጽኢታዊ እውን
ትገብሮ፡፡ ስለዚ
ኣብዚ ክትጥንክር
ይግባእ እምበር
ኣብዚ ቦታ ነይረ
ስለምንታይ ካብዚ
ቦታ ተላዓልኩ ክበሃል
ኣይግባእን፡፡ ክሳብ
ሕጂ ዲምሓኩኤ ዘይፈልጦ
ውሳኔ የለን፡፡
ኣብ ስራሕ ፈጻሚ
ኣሎና፣ ሓንቲ ኮሚቴ
ንመርሕ ኣሎና፣
ደረጃ ውድብ ብምፍላጥ
ካብ ፍቕሪ ውድቦም
ተላዒሎም በዚ ቅረታ
ምግላጾም ጽቡቅ
ኮይኑ ደምበ ተቓውሞ
ምግምጋም እውን
ጽቡቅ ስለ ዝኸውን
ብንጥፈት ምክትታል
የድሊ፡፡
ካብዚ
ወጻኢ እውን ይዝረብ
ኣሎ እቲ ንስኻ ዝበልካዮ
ጥራይ ኣይኮነን፡፡
ናብ ህዝቢ መሊሶሞም
(ስደተኛታት ኮይኖም)፣
ሽመልባ ኣቲዮም፣
ምስ ሰራዊት ንክጽንበሩ
ገይሮሞም፣ ቤት
ጽሕፈት ኣይኣትውን
እዮም፣ ካብ ቤት
ጽሕፈት ኣጊዶሞም
….. ወዘተ፡፡ ክሳብ
ሕጂ ኣብ ቤት ጽሕፈት
መን እንታይ ይሰርሕ
ኣሎ? ቤት ጽሕፈት
ዝመርሓ ዘሎ መን
እዩ? ብከመይ ይኸይድ
ኣሎ? እዚ በዓላቶም
ይፈልጡዎ እዮም፡፡
ነዚ ጉዳይ ከም ወሬ
ዝነዝሑዎ ዘለው
እቶም ብቅዓት ናይ
ዲምሓኩኤ ካብ ማንም
ንላዕሊ ዝፈልጡን
ጸለመን፣ ጥቅራንን
ከም ናይ ቃልሲ መሳሪሒ
ገሮም ዝወስዱ ውልቀ
መራሕቲ ናይ ዝተወሰኑ
ውድባት እዮም፡፡
ካብ ምንታይ ተበጊሶም
ይዛረቡ ኣለው ፍሉጥ
ስለ ዝኾነ ንምምላስ
ኣይ ተገደስኩን
እንተዘይደፍእካኒ
እውን ይመርጽ፡፡
ከምዚ ዓይነት
ዘረባ ዝነዝሑ ዲምሓኩኤ
ኣብ መደረኽ ኪዳን፣
ኣብ ኩለን ኮሚቴታት
ኪዳን ከመይ ይዋሳእን
ይኸይድ ከም ዘሎ
ኣጸቢቆም ስለ ዝፈልጡ
በዚ ድማ ቀኒኦም
የዕንቶም ደም ስለ
ዝሰረበን፣ ኣብ
ደረጃ ፈጻሚት ቤት
ጽሕፈት ዘየለው፣
ብውድብ ደረጃ እውን
ኣብ ፈጻሚት ቤ/ጽሕፈት
ብዘየለው ሰባት
ብዝህቡዎም ሓበሬታ
ተበግሶም
ይነዝሑ ስለ ዘለውን፣
እዞም ድማ ናይ ቃልሲ
ሸውሃት ዝረሓቆም
ልኡኻት ካብ ምኻን
ኣይክሓልፉን እልና
እንተሓለፍና ይሓይሽ፡፡
ስርዓት ህግደፍ
ንዲምሓኩኤ ንፉዕ
ውድብ እዩ ክሳዕ
ዝብለና ክንጽበ
ኣይግበእን፡፡ ስለዚ
ህዝብና ኣባላት
ውድብና ኮነ ካድረታት
በዚ ኣገባብ እንተ
ዝርዱኡ ጽቡቅ እዩ
ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡
ኪዳን ናይ ዲምሓኩኤ
ዓቅሚ ክጥቀመሉ
እንተደኣ ደልዩ
ክብሪ ውድብ፣ ክብሪ
ብሄር ኩናማ ኤርትራ
ኣብ ግምት የእትዩ፣
ኣብዚ ቦታ እንተደኣ
መጽኡ ዲምሓኩኤ
ጽቡቅ ስራሕ ክሰርሕ
ይኽእል እዩ፣ ነቲ
እነካይዶ ዘለና
ቃልሲ እውን ውጽኢት
እጃሞም ከበርክቱ
ይኽእሉ እዮም እንተደኣ
ኮይኑ እቲ መልእኽቲ፣
ንሕና እውን እዚ
ሰብ ወይ ከኣ ውድብ
ጽቡቅ ውጽእት የምጽእ
እዩ እልና ከምቲ
ንሶም ዝሓገዙና
ንሕና እውን እንተተረድእናዮም
ናይ ሓባር መድረኽን
ግምባር እዩ ዝኸውን፡፡
ተጎጃጅልካን፣ ተወዳዲብካን
ንምጥቃዕ እንተኾይኑ
ንዕዖም እውን ኣይጠቅምን፡፡
እቲ ካልኣይን
ኣገዳሲ ነጥቢ ውሽጠ
ውድባዊ ዲሞክራሲ
ኣረጋግጽካ ውሽጣዊ
ሓድነትካ እንተደኣ
ደልዲሉ፣ ውድብካ
ውጽእታዊ ከም ዝኾነ
እንተደኣ ተረጋግጹ
ዘይስገር ሓይሊ
እንተኾይኑ ኩሉ
ይፈትዎ፣ የኽብሮ
ይተሓባበር፡፡ ንኣስታት
ሓሙሽተ ዓመታት
ተፈላሊና ዝነበርና
ውድባት ሎሚ ኣብ
ሓደ መኣዲ መጽእና
ምምይያጥና፣ ክቃለስ
እየ፣ ክስዋእ እየ
ዝብል ህዝቢ ነቲ
ውድብ ስዒቡ፣ ሰራዊት
እውን ሓድነቱ ኣጠናኽሩ፣
መሪሕነት እውን
ሓድነቱ ኣጠናኽሩ
ብዘይ ፍርሒ ናብዚ
ደረጃ እዚ ምምጽኡን፣
ንመጻኢ እውን በዚ
እንተደኣ ከይዱ፣
ጥንካረ፣ ዕብየት
ውድብና፣ ናይ ኩናማ
ሓድነት ኣብ ምንታይ
ደረጃ ከም ዝበጽሐ
ክነረጋግጽ ንኽእል፡፡
ስለዚ በዚ መዳይ
እንተደኣ ተጠናኽርና
ዝበለጸ እዩ፡፡
እቲ እንደልዮ ንያት
እውን ንሱ እዩ፡፡
ስለዚ እቲ ዝበሃል
ዘሎ ሓሶት እዩ፣
እቲ ዝዝረብ ዘሎ
ሓሶት እዩ፡፡ እዶም ናብ ኪዳን
ብምውጥዋጥ፡ ካብ
ሕማቅ ኣመላኻኽታ
ተበግሶም ዝብሎዎ ምንም መክሰብ
ኣይረኽቡን፡፡
ክሳብ ሕጂ
ቃልሲ ምኻኑ ኣብ
ግምት የእትካ ንውድብና
ስግኣት ዝፈጠረሉ
ኩነታት የለን ጥራይ
ዘይኮነ በዓሎም
ይቃልዑ ኣሎው ዝብል
ገምጋም ኣሎኒ፡፡
ውልቀ ሰባት ተዛሪቦም
ነዚሖም ማለት መርገጺ
ኪዳን እዩ ማለት
ኣይኮነን፡፡ መርገጺ
ኪዳን ከም ዘይኮነ
ብምርግጋጽ ናይ
ኣጋጣሚ ኮይኑ መርገጺ
ኪዳን እንተኾይኑ
ኪዳን መተካእታ
ሻዕቢያ ናይ ምኻን
ተክእሎታት ኣብ
ሕቶ ምልክት ይኣቱ
ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡
ክብሪ ውድብና ክሳዕ
ሕጂ ኣብ ቦትኡ ኣሎ፡፡
ሰራዊት ካብ ህዝቢ
እዩ ዝመጽእ፡፡
ማሕበራዊ ወይ ከኣ
ሕብረተሰባዊ ጉዳያት
ምስ ህዝቢ ዘራኽብ
መድረኽ ካብ ኮነ
ነዚ ቤት ጽሕፈት
ምንዓቅ ግቡእ ኣይመስለንን፡፡
ናብ ህዝቢ ቀሪብካ
ምስራሕ ዝፍንፍን
ኮይኑ ናብ ወጻኢ
ዞኽዞኽ ዝምረጽ
እንተኾይኑ ቃልሲ
ኣብ ምምራጽ ዘሎ
ፍልልይ እዩ ዘንጸባሪቅ፡፡
ንውድብና ናብዚ
ቤት ጽሕፈት ምምጻእ
ጸጋ እምበር ክፍኣት
ወይ ከኣ ውድባዊ
ክብሪ ዝተንከፈ
ኣይኮነን፡፡
ራብዓይ ክፋል
ሕቶ፡-
ሕራይ ብሓፈሽኡ
ውድብ ዲምሓኩኤ
ኣብ ዝተፈላለዩ
መደረኻት ተሰሊፉ
ዝነኣድ ዓወታት
ብምርካብን ዝተፈላለየ
ተመክሮታት ብምቅሳምን
ኣብዚ ደረጃ በጽሑ
ኣሎ፡፡ ብሓፈሽኡ
ኣብዚ ሕጂ እዋን
ውድብና ኣብ ከመይ
ዝበለ ደረጃ በጽሑ
ኣሎ ትብሎ?
መልሲ፡- ሕራይ እቲ ዝማዕበለን
ዝሰጎመን ደረጅኡ
ቅድሚ ምዝርዛረይ
ኣብ ዘስፈርናዮም
ጽፍሒታትን ኣብ
ፖለቲካዊ ፕሮግራማትን
እንተ ሪእና፡ እቲ
ስዳሮ ብቀሊሉ ንምርዳእ
ይከኣል እዩ፡፡
ብመጀመሪያ ክንምስሪቶ
እንከሎናን ቐዳማይ
ውድባዊ ጉባኤና
ኣሰላስልና ዝረኸብናዮም
ተስፋ ዝህቡ ሃዋሁ
ነይሮም፡፡ ካብኡ
ድማ 2ይ ውድባዊ ጉባኤና
ኣሰላስልና ኣብኡ
ዝረኸብናዮም ኣወንታዊ
ስጉምቲታ ናብዚ
ሕጂ በጽሕናዮ ዘለና
ደረጃን ለውጢታት
ከም ዘሎውን እየ
ዝርዳእ፡፡ ናይ
ሓደ ውድብ ምዕባሌ
ብኸመይ ይፍለጥ
ንዝብል ኣነ ብውልቀይ
ነጥቢታት ስለዘለኒ
ኣብኡ ኣትኹረ ክዝርዝር
እፈቱ፡፡ ቐዳማይ
ጸገማት ኣብ ምፍታሕ
ዘሎ ጸጋ እዩ፡፡
ዲምሓኩኤ ውሽጣዊ
ጸገማቱ ብኸመይ
ኣገባብ ይፈትሖም
ነይሩ?
ንዝብል እንተ ሪእና
ጽቡቅ እዩ ይብል፡፡
አብ ዝሓለፋ እዋናት
ውድባዊ ሕገ-ህንጻ
ነይሩና፡ እቲ
ሓቂ ከምዚ ክመስል ጸገማት ክረኣዩ
እንከለው ነዚኦም
ጸገማት ንምፍታሕ
ናብ ምእሳር ወይ
ብሓይሊ ይጥቀሙ
ኢዮም ዝብሉ ብዙሓት
ነይሮም ኢዮም፡፡
ሎሚ ግን እዞም ኣሉታዊ
ነጸብራቓት የለውን፡፡
ዲምሓኩኤ ቤት ማእሰርቲ
የብሉን፡፡ ጸገማት
ክረኣዩ እንከለው
ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ
ይፈትሕ ኣሎ፡፡
ኣብ ዲምሓኩኤ ቃልሲ
ብድልየትካ እዩ፡፡
እዞም ኹሎም ምዕባለታት
ብከመይ መጽኦም
እንተ በልና፡፡
ካብ ሑሉፍ እዋናት
ዝተረኸቡ ተመክሮታትን
ምስ ምዕባለ ውድብ
ዝመጻ እየን፡፡
ስለዚ
ኣብ ጸገማት ምፍታሕ
ብሰላማዊን፣ ብዲሞክራስያዊን፣
ብልዙብ መንገዲ
እንፈትሖ ስለ ዘለና
እዚ ሓደ ካብ ምልክታት
ምዕባለ ውድብ እዩ
ክበሃል ይከኣል፡፡
ካልኣይ ውሽጣዊ
ህድኣት ናይ ውድብ
እውን ሓደ ምልክት
ምዕባሌ ውድብ እዩ፡፡
ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩዎ
ኣብ ውሽጣዊ ጸገማት
ኣብ ምፍታሕ ዝወስደልካ
ጊዜን ናብቲ ንቡር
ኩነታት ተመሊስካ
እቲ ልሙድ መዓልታዊ
ተግባራትካ ኣብ
ምፍጻም ዝወስዶ
ጊዜ ህድኣትን ስጥመት
ናይ መሪሕነት ኢዩ
ዘርኢ፡፡ ካብ ተመክሮታትና
ዲምሓኩኤ ውሽጣዊ
ጸገማቱ አብ ምፍታሕ
ካብ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ
ወሲዱ ኣይፈልጥን፡፡
ካብ ጸገማቱ ተናጊፉ
ኣብ ሶሙን ከኣ ኣብ
ልዕሊ ጸላኢ ስጉምቲ
ክወስድ ጸኒሑ እዩ፡፡
ንኣብነት ኣብ 2000 ዓ.ም
ኣብ ውሽጢ ውድብና
ብልኡኻት ሻዕቢያ
ንዝተራእዩ ጸገማት
ኣብ ውሽጢ ሓደ ሶሙን
ፈትሑ ኣብ ካልኣይ
ሶሙን ኣብ ልዕሊ
ጸላኢ እኹል ስጉምቲ
ወስዱ እዩ፡፡ ኣብ
2001 ዓ.ም ናብ ካልኣይ
ውድባዊ ጉባኤና
ኣብ እንሸባሸበሉ
ዝነበርና እዋንውን
ንዝተረኣዩ ጸገማት
ፈትሕና ኣብ ልዕሊ
ጸላኢ ዓወት ከም
ዘመዝገብና ሰራዊትን፣
ሓፋሽ ህዝብን ዘይርስዖ
ናይዚ ቀረባ እዋን
ስርሒት ወይ ቅያ
እዩ፡፡ ከም ሳልሳይ
ኣብነት ከኣ ኣብ
ልዕሊ ውድብ ዝተገብሩ
ዝተፈላለዩ ውዲታት
ሰጊርና ኣብ ሓጽር
እዋን ኣብ ፎደን ጀርበትን
ኣብ ልዕሊ ዝዓረደ
ጸላኢ ዘመዝገብናዮ
ዓወታት ቀለልቲ
ኣይኮናን፡፡
ስለዚ ኣብዚ ደረጃ
ከብጽሓና ዝኸኣለ
ውሽጠ ውድባዊ ጽረትን፣
ህድኣትን እዩ፡፡
ውሽጣዊ ጸገማት
ኣብ ምፍታሕ ዘይኮነስ
ጎኒ ንጎኒ ኣብ ልዕሊ
ጸላኢ እንወስዶ
ዘለና ስጉምቲ እውን
ሓደ ተወሳኺ ምልክት
ምዕባለ ናይዚ ውድብ
እዩ፡፡
ስለዚ
ኣባል ማዕከላይ
ኮሚቴ ወይ ከኣ ፈጻሚ
ከደ ማለት ብውልቀኡ
ክከይድ እንተዘይኮኑ
ንሓደ ሰብ ወዲቡ
ከፍርስ ኣብ ዘይክእለሉ
ደረጃ ኢና በጺሕና፡፡
ናብራ ዝፈቱ ነብሱ
ክለግስ ይኽእል፡፡
ክፍኣት ግን ኣይራእናን፣ ዝተገብረ
ውድትውን የለን፡፡
ኣብ ቅድሚት ዝርኤ
እንተዘይኮይኑ፡፡ እዞሞ ሰባት ብቅዓትን
ሓቦን ሪሕቁዎም
እንተዘይኮይኑ
ገድሊ ንድሕሪት
ንክጎቱ ድለየት
የብሎምን፡፡ ካብዚ
ተበጊሶም ድማ ነቲ
ንዖም ዝኸውን መንገዲ
ይመርጹ ኣለው፡፡
እዚ ከኣ ውሽጣዊ
ሪግኣት ውድብ ዝሓለወን
ናብ ቅድሚት ዘገስግስ
ምዕቡል ምልክትን
ባህሊን እዩ፡፡
ሳልሳይ እቲ ኣብ
መንጎ መራሕቲን
ካድረታት ከምኡ
እውን ምስ ህዝቢ
ዘሎ ዝበሰለ ምትእስሳርን
ኣመለኻኽታን እዩ
ነዚ ውድብ ንክስጉም
ዘገበረ፡፡ ትማሊ
ትማሊ ካብ ዘይጸረየ
ሺሕ ሰራዊት፡ መርገጺኡ
ዘነጸረ ሚእቲ ሰራዊት የድምዕ
ተባሂሉ ብትምህርቲ
ክወሃብ ዝጸንሔ
እንሆ ሎሚ ብግብሪ
ተረጋግጹ ኣሎ፡፡
እዚ ሓደ ካብቶም
ምልክት ናይዚ ውድብ
ምዕባለ እዩ፡፡
እቲ ራብዓይ እቶም
ንፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት
እንጥቀመሎም ዘለና
ናውቲ እውን ምዕባለ
ናይዚ ውድብ ዘንጸባርቁ
እዮም፡፡፡
ኣብ
1998 ዓ.ም ውሑድ ናይ
ፕሮፓጋንዳን፣ ውዳቤ
ኣሃዱታትን፣ ሬድዮን
ጥራይ ነይሩና፡፡
ኣብ 2000 ዓ.ም ህዝቢ
ውድብና፡ ሎሚ ከኣ
ካልኣይቲ ሬድዮን
ዌብ-ሳይትን ኣምጽእና
እነሆ ክሳብ ሎሚ
ብህዝባዊ ኮነ ብወታደራዊ
መዳያት ዛሰላሰልናዮም
ስርሒታት ኣብ ወጻኢ
ዘለው ኩሎም ብሄራት
ይከታተሉዎ ኣሎው፡፡
መልእኽቲን ናይ
ጅግንነት ስርሒታትን
ጭርሖታትን፣ ኩሉ
ብወተሃደራት ዝሰላሰሉ
መደባት ብዌብ-ሳይት
ይመሓላለፍ ኣሎ፡፡
ናይ ህዝቢ መልእኽቲ
ብዌብ-ሳይት ይባጻሕ
ኣሎ፡፡
ኣቐድመ
ከም ዝበልኩዎ እዞም
4ተ ጸጋታት ማለት
ውሽጣዊ ጸገማት
ኣብ ምፍታሕን፣
ውሽጣዊ ሪግኣትን፣
ውድባዊ ጽረትን
ከምኡ እውን ዘለውና
ፖለቲካዊ መሳሪሒታት
ተወሃህዱ ብውሑድ
መስዋእቲ ዓበይቲ
ዓወታት ክነመዝግብ
ክእልና ኢና፡፡
ኣብ ፎደን ጃርበትን
ብዝወሰድናዮ ሰጉምቲታት
ህዝቢና፣ ኣብ ውድቡ
ዘለዎ እምነት ኣብ
ምንታይ ደረጃ ከም
ዝበጽሐ ብዓይኒና
መስኪርና ኢና፡፡
ስለዚ እዞም ዝዘርዘርኩዎም
ነጥብታት ኣብ ምዕባሌ
ናይዚ ውድብ ዓቢ
ግደ ዘለዎም እዮም፡፡
ምስ ካልኦት ውድባትውን
ኣወዳድርካ ክርኤ
ይከኣል፡፡ ናይ
ብሄር ውደባ ኣብ
ኤርትራ ጽረቱ ዝሓለወ
ዝተነጸረ ባይታ
ዘለዎ ኢዩ፡፡ ኣንፈት
ቃልሲና ከኣ ምስቲ
ምልዕዓልን ሰናይ
ተበግሶ ህዝቢና
መሰረት ዝገበረ
ስለ ዝኾነ ንዕወት
ኣለና፡፡
ሕቶ፡-
ሕራይ ብሓፈሽኡ
ውድብና ዝበጽሖ
ደረጃ በቶም 4ተ መመዘኒታት
ብሰፊሑ ገልጽካልና፡፡
ካብዚኦም ነጥቢታት
ተበጊስና ናይ ሓደ
ውድብ ምዕባለኡ
ንምፍላጥ ዘብቅዑ
እዮም፡፡ ሕቶ ብሄር
ኩናማን፣ ኩነታት
መትከሉን ኣብ ምንታይ
ደረጃ ኣሎ ትብሎ?
መልሲ፡
እወ እዚ ሕቶ ኣቐዲመ
ምስቶም ዝዘርዘርኩዎም
ነጥቢታት ዝተኣሳሰረ
እዩ፡፡ ነዚ ውድብ
ኣብዚ ደረጃ ንምብጻሕ
ዝሓገዙ ነዚ መትከል
ኣሚኑ ዝቃለስ መራሕትን፣
ሰራዊትን፣ ካድሬታትን፣
ህዝብን፣ ኣባል
ውድብን እዮም፡፡
ኣብ ትሕቲ እዚ ቁኑዕ
መትከል ዘተኣኻኸበናን
እንቃለስ ዘለና
ኣባላት ብሄር ኩናማ
እና ነዚ ፍሬን ናብዚ
ብርኪ ንምብጻሕ
ዝኸኣልና፡፡ ስለዚ
መትከልና ብቀሊሉ
ዝርኤን ናብ ጥረጣረ
ዝወስደካ ኣይኮነን፡፡
ምኽንያቱ ሓፋሽ
ህዝቢ ስለ ዝመረጾን
ይቓለሰሉ እውን
ስለ ዘሎው፡፡ ሓፋሽ
ህዝቢ ዝወሰኖ መንገዲ
ክንወስድን፣ ክንክተልን
ክንመርሕ ናይ ግድን
ኢዩ፡፡ ሓፋሽ ህዝቢ
ነዚ መትከል ተቐብሉ
ክብሪና ዝሓለወን፣
ፍሬ ዘምጽኣለይ
እሉ ክኣምን እንከሎ
ንስኻ ነዚ መትከል
ዘይተኣምንን ካብዚ
መትከል ወጻኢን
ካብ ድልየት ህዝቢ
ናብ ደገ እንተደኣ
ከይድካ ህዝቢ ናይ
ምውዳብ ብቅዓት
ኮነ ኣኽእሎታት
ከም ዝርሕቁ ኢዩ
ዝርድኣኒ፡፡ ስለዚ
እዚ መትከል ናይ
ህዝቢ ምኻኑን እዚ
ጥራይ ዘይኮነስ
ካብዚ ሓሊፉ ጽባሕ
ህግደፍ ምስ ተኣለየ
ናይ መላእ ብሄራት
ኤርትራ መትከል
ከም ዝኸውንን ናይ
9ተ ብሄራት ኤርትራ
መማረጺ ከም ዝኸውን
ጥርጥር የብለይን፡፡
ነዚ ሓቂ ዝፈርሑን
ገና ብሕጂ ቀሚሽ
ኣደይ… ዝብሉ ሓይሊታት
ንክህልው ባህሪያዊ
ኢዩ፡፡
ኣብ መጽሔትና
(ዲሞክራስያዊ ሓድነት
ቁጽሪ 11) ከም ዘስፈርናዮ
ህግደፍ ምስ ተኣለየ
ካብ 16 ውድባት ናብ
9 ውድባት ከም ዝኸውን
ኣሚትና ኣለና፡፡
እዚ መትከል እዚ
ዋሕስነትና እዩ፡፡
ህዝቢ ካብ ዝድግፎን
ዝቅበሎን ሎሚ ኣይንገድፎን
ጽባሕ ኣይንገድፎን፡፡
ብሄር ኩናማ ጽባሕ
ኣብ መሬቱ ብሰላም
ክነብር እንተደኣ
ኮይኑ ወሕስነት
የድልዮ፡፡ ስለዚ
ምዕባላ ናይዚ ውድብ
ውጽኢት ናይቲ መትከል
ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡
እዚ ስለ ዝኾነ እዩ
ሓፋሽ ህዝቢ ‹‹ምስ
መትከልና ክሳብ
መወዳእታ ክንስድር
ኢና›› ዝብሉ፡፡ ዝመረጽናዮ ናይ ቃልሲ መትከል
ንስዳሮ ውድብና
ዓቢ ግደ ተጻዊቱ
ኢዩ፡፡
ሕቶ
፡- ሕራይ ካብዚ ብፍሉይ
መንገዲ ንክሓተካ፡
ውድብና ምስ ውድባትን፣
ጎረባብትን ዘለዎ
ዝምድና እንታይ
ይመስል?
ዲምሓኩኤ ምስ ተ.ሓ.ኤ
ሰ.ባ ኣብ ቀረባ እዋን
ርክብ ኣካይዱ ነይሩ
ብዛዕባ እዚ ርክብ
ውጽኢቱ ከመይ ትግምግሞ?
መልሲ፡-
ሕራይ እዚኣ ነጥቢ
ዚኣ ኣስፊሕና ምርኣይ
ከድሊ እዩ፡፡ ኣብ
ቃልሲ ዲፕሎማሲ
ናቱ ተራ ኣለዎ፡፡
ኣቐደምና ከም ዝገለጽናዮ
ካብ ሽሕ ኣመለኻኽታኡ
ዘይጸረየ፣ ሚእቲ
ግን ኣመለኻኽታኡ
ዝጸረየ
ሰራዊት ይሓይሽ፡፡
ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ
ዘለዎ መሪሕነት
ኮነ ውድብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ
መዳይ ልዙብ ብዝኾነ
መንገዲ እንተደኣ
ሰጊሙ የዔውት ኢዩ
ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡
ካብዚ ብምብጋስ
ምስ ዝተፈላለዩ
ውድባትን ጎረባብቲ
ሃገራትን ዘለና
ዝምድና ኣብ ታክቲክን፣
ስተራተጂካዊ ዝተመሰረተ
እዩ ይብል፡፡ እዞም
ታክቲካዊን ስተራተጂካዊ
ምትእስሳርን ርክባት
ኣብ ድልየት ፖለቲካዊ
መደብ ዕዮኤን ዝሰረተ
ይኸውን፡፡ ንኣብነት
መሰል ርእሰ ውሳኔ
ክሳብ ምግንጻል
መትከል ብሄር ኩናማ
ኤርትራ ይቅበል
ዓፋር እውን ይቅበሉ፡፡
ክልቲኤን ውድባት
ስተራተጂካዊ ዝምድና
ኣለወን ክበሃል
ይከኣል፡፡
ስለ ዝኾነ
ከኣ ምስ
ብሄር ኮነ ዲሞክራስያዊ
ውድብ ዓፋር ቀይሕ
ባሕሪ ስተራተጅካዊ
ዝምድና ኣሎና፡፡
ቀጺልና ከኣ ክልቴና
ኤርትራውያን ኢና፡፡
ክልተና ከኣ ናይ
ብሄር መልክዕ ውዳቤ
ንኽተል ኣለና፡፡
ምስ ተ.ሓ.ኤ.
ሳ.ባ ርክባት ኣብ
ጽቡቅ ደረጃን ተመባጽዕና
ንክንስጉም ብምባል
ኣብ ጽቡቅ ምርድዳእ
እንከሎና ሃንደበታዊ
መስዋእቲ ኣቦ ወንበር
ተሓኤ.ሳባ ብ/ይ ስዩም
ዑቕባሚኪኤል ዝተሰመዓና ሓዘን ማዕረ
ክንደይ ከም ዝነበረ
ንኹሉ ኤርትራዊ
ግሁድ ኢዩ፡፡ ቃልሲ
ካብ ኮነ ከምዚ ዝኣመሰለ
ኩነታት ንከጋጥም
ንቡር እዩ፡፡ ትማሊ
ዘይተረዳዳእካሉ
ሎሚ ተዓርቅካ ሓቢርካ
ንምቅላስ እንዳተዳለኻ
እንከሎካ ከምዚ
ዝኣመሰለ ሃንደበታዊ ሞት ከጋጥም
እንከሎ ብፍሉይነት
ንዓና፣ ንደንበ
ተቓወምቲ ኤርትራ
ከኣ ዓቢ ጉድኣት
ኢዩ፡፡ ዝገበርናዮ
መባእታዊ ርክባት
ክቅጽል ምኻኑ ብምትእምማን
እንተኾነ ነዚ ሰናይ
ተበግሶ ናይ ክልቲኡ
ውድባት ዘይተሓጎሱን
ነቲ ርክብ ማይ ንምጅላሕ
ዝጓየዩ ሓይሊታት
ክህልው ናይ ግድን
ይኸውን፡፡ ንብሄር
ኩናማን መሪሕ ውድብኡ
ንምንጻል ህርድግ
ዝብሉ ውድባት ኮነ
ውልቀሰባት ከም
ዘሎው ምሕባር እውን
ኣድላይ ይመስለኒ፡፡
ብተመሳሳሊ መንገዲ
ምስ ሰናይ ተበግሶን
ኣመለኻኽታ ዘሎዎም
ውድባት ከምዚ ዝኣመሰል
ርክብ ቀጻሊ ኢዩ ዝኸውን፡፡
ሕጂ እውን እንተኾነ
ርክብና ኮነ ዝምድናና
ንካዕባዊ ረብሓ
እምበር ጽግዕተኛ
(Subbordinate) ንምኻን ከም
ዘይኸውን ክፍለጥ
ኣለዎ፡፡ ምስ ጎረባብቲና
ኣብ ሕገ-ህንጻና
ከም ዘቀመጥናዮን
ዘስፈርናዮ ኣብ
ናይ ካዕባዊ ረብሓታት
ዝሰረተ ዝምድና
ኣለና፡፡ ዝምድናና
ብቀንድኡ ናይ መትከልን
ኣብ መንጎ ህዝቢታት
ካብ ዘሎ ምትእስሳርን
ረብሓ ዝተበገሰ
ኢዩ፡፡
ሕቶ፡-
ሕራይ ሕጂ ካብ ውድባዊን፣
ግንባረዊን፣ ምስ
ጎረባብቲና ካብ
ዘለና ዝምድና ወጺእና
ኩነታት ጸላኢ እንታይ
ይመስል? ናይ ብሄር
ምንቅስቓሳት ብፍላይ
ከኣ ናይ ኩናማን
ዓፋርን ውድባት
ንምጭፍላቅ እንታይ
ዓይነት ሜላታትን
ፕሮጀክታት ይጥቀም
ኣሎው ንዝብል ብሰፊሑ
ምገለጽካልናዶ ?
መልሲ፡-
ሕራይ ኩነታት ጸላኢ
ኣብ ምንታይ ደረጃ
ኣሎ ንዝብል ማንም
ክርድኦን ክትንትንን
ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት
እዩ ዘሎ፡፡ ከምዚ
ክንብል ከለና ጸላኢ
ጽባሕ ድሕር ጽባሕ
ክወድቅ እዩ እሞ
ናብ ስልጣን ክንበጽሕ
ኢና ማለት ኣይኮነን፡፡
መሪር ቃልሲ ይጽበየና
ከም ዘሎ ምርዳእ
ከዲሊ ኢዩ፡፡
ስርዓት ሻዕቢያ ንዶባዊ
ግርጭት ኣብ ክንዲ
ብሰላም ዝፈትሕ
ብሓይሊ ንምፍታሕ
ስለ ተጓየየ ክሳብ
ሎሚ ለይቲ ሰላም
ተሳእኑ ካብ ኩናት
ኣብ ዘይንወጻሉ
ኩነታት ጢሕልና
ንርከብ፡፡ ናብ
ጎረባብቲ ሃገራት
ዝውሕዙ ዘሎው ስደተኛታት
ኣብ ገዛ ሃገሮም
እንታይ ሲኢኖም
እንታይ ንምርካብ
ከም ዝመጹ ዝጠፍኦም
ኣይኮነን፡፡ ዝጠፍኣናውን
ኣይኮነን፡፡
ኣብ ኤርትራ
ጨና ዲሞክራሲ የለን፡፡
ናይ ዲሞክራሲ ትካላት
ኩለን በሊለን፡፡
ህዝቢ ከም ድላዩ
ንከይዛረብ ናጽነቱን
መሰሉን ዓፊኑ ኣፉ
ሎጊሙዎ ኣሎ፡፡
እዚ ድማ ብዓይኒና
ንርእዮን ንሰምዖን
ዘለና ሓቂ እዩ፡፡
ከምዚ ዝኣመሰሉ
ሰርዓታት ምውዳቆም
ባህርያዊ ኮይኑ
እንተኾነ ምንም
ከይሰራሕካ ናይ
ፓርላማን ናይ ሚኒስቴራት
ወናብር ምቑጻር
ካብ ባህጊን ትምኒትን
ሓሊፉ ትርጉም ኣይክህልዎን፡፡
ምውዳቆም ናይ ግድን
ኢዩ፡፡ ዝደፍኦም
ሓይሊ ግን ከዲሊ
እዩ፡፡ እቲ ሓይሊ
ናይ ሓፋሽ ወይ ከኣ
ምትእክኻብ ናይ
ተቓወምቲ ውድባት
ክኸውን ይኽእል፡፡
ኣብ ቁጠባዊ መዳይ
ኩነታት ናይቲ ስርዓት
ኣዚዩ ባይታ ስለዝዘበጠ
ክልተ ሚልዮን ህዝቢ
ኤርትራ ናይ ወጻኢ
ረድኤት ተጸባይ
ኮይኑ ኣሎ፡፡ ካብ
ወጻኢ ማለት ሃገራት
ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓ
ሓገዝ ይጽበዩ ኣለው፡፡
ዕምሩ ስልጣኑ ንምንዋሕ
ኣብ ኤርትራ ጥሜት
የለን ብምባል ባዕሉ
ብዝወለዖ ኩናት
ንህዝቢ ብጎሮሮኡ
ሕዙ ነዚ ግርጭት
እንተ ዘይፈትሕኩምለይ
ሬድኤት እኽልኹም
ኣይቅበሎን ስለ
ዝበለ እቲ ህዝቢ
ኣብ ጸገም ኣሎ፡፡
ዲፕሎማስያዊ ሸነኽውን
እንተኾነ እቲ ተነጽሎ
እናገፍሔ
ይኸይድ ኣሎ፡፡
ስርዓት ህግደፍ
ምስ ኣሜሪካ ኣብ
ምውጥዋጥ ከም ዝርከብ
እንሆ ብዓይኒና
እንርእዮ ዘለና
ሓቂ እዩ፡፡ ምስ
ኣውሮፓውያንን ሕብረት
ኣፍሪካን እውን
ኣብ ከመይ ደረጃ
ከም ዝበጽሐ እንርእዮ
ዘለና ጉዳይ እዩ፡፡
ዲፕሎማስያዊ ርክብ
ስርዓት ሻዕቢያ ንህነጸት
ሃገር ዘይኮነ
ኣጽዋራት ሸሚቱ
ብኡ ድማ ክልተ ኣሕዋት
ህዝቢታት ነንሕድሕዶም
ንክቓተሉ ዝዓለመ
እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ
ዲፕሎማስያዊ መዳይ
ዝወርድ ዘሎ ክሳራ
ሕፍረትን ውድቀትን
እዩ ዝኽተሎ ዘሎ፡፡
ክህሉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት
ኹሉ ምስ ቀበጸ ናይ
ሃገራውያነት ኮቦርታ
ኣልዒሉ ‹‹ጠበቓ ሃገር››
ኢየ ኢሉ ክንየው
ኣቕሚኡ ሰጊሩ ምስ
ሓያላን ሃገራት
ኣብ ምውጥዋጥ ይርከብ፡፡
ይትረፍ እዚኤን
ካብ ፓክስታንን
ዩክረይን ዝሸመተን
ናይ ኩናት ኣጽዋራት
ነፍሰን ዘማዕበለ
ሃገራትውን ተጠንቂቀን
ይኸዳ ኣለዋ፡፡
ምስ ሓያላን ሃገራት
ናብ ቁርቁስ ምእታው
ኣልትመትሊ ህዝቢ
እዩ ናይ መስዋእቲ
በግዕ ዝኸውን፡፡
ንህዝቢ ዝሓሊ ስርዓት
ከምዚ ኣይምሓሰበን
ይብል፡፡
ኩነታት ጸላኢ ከምኡ
እንተኾይኑ ንህላዌኡ
ዝፈታትን ዓይነት
ውደባን ተቓውሞ
ነጺሉ ናይ ምጥቓዕ
መደብ ንክህልዎ
ባህሪያዊ እዩ፡፡
ስርዓት ሻዕቢያ
ህላዌኡ ንምርግጋጽ
ኣብ ዝተፈላለዩ
ውሽጣዊ ጉዳያት
ጎረባብቲ ሃገራት
ኢድ ክእቱ ኣለዎ፡፡
ጎረባብቲ ሃገራት
ቀሲነን፣ ረግኤን፣
ብሰላም ቀጺለን
ማለት ንስርዓት
ኢሰያስ መርዘን
ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ
ጉዳይ ኢትዮጵያ፣
ሱዳን፣ የመን ክሳዕ
ሎሚ ለይቲ እንታይን
ንምንታይ ይፍሕር
ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ፡፡
ንዜጋታቱ ዘይሓስብ፣
ንስግኡ ዘይሓስብ
ስርዓት ብሰላም
ሓቢርካ ናይ ምንባር
መርሖ ክሓስብን
ይሓሊ ኢዩ ማለት
ዘበት ኢዩ፡፡ እቲ
ውሽጣዊ ኩነታት
ኤርትራ ዝፈጥሮ
ወጥሪ ዝተፈላለዩ
መልክዕ ውድባታት
ዝወነና ፖለቲካዊ
ምንቅስቓሳት ንክቅልቀላን
ብሓባር ተኣኻኺበን
ንክቃለሳ ግድን
ኢዩ፡፡ ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን
ከኣ ኣብነት ናይዚ
ኩነት ኢዩ፡፡ ኣብ
ውሽጢ ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን
16 ውድባት ኣለዋ፡፡
ሰለስተ መልክዕ
ውዳቤታት ናይ ብሄር፣
ሕብረ-ብሔር፣ ናይ
ሃይማኖት ውዳቤታት
ኣለዋ፡፡ ካብዚኤን
ኣዚዩ ንስርዓት
ሻዕቢያ ዘፍርሖ
ውዳቤ ናይ ብሄር
ኮይኑ ነዚ መልክዕ
ውዳቤ ንምድምሳስ
ኣብ ዝሓለፋ ዓስርተ
ዓመታት ብዝተፈላለየ
ሜላታት ተጠቂሙን
ብዙሕ ሚሊዮናት
እንተ ኣፍሰሰውን
ስለዘይተሳከዔ ሎሚ
ሎሚ ካልእ ኣገባብ
ኣብ ምጥቓም ይርከብ፡፡
ኣንጻርን፣ ናይ
ብሄር ውድባት ንምቅንጻል
በብእዋኑ ዘውጽኦም
ፕሮጀክታታት ናይ
ብሄር ውድባትውን
ብወገነን ናተን
መገዲን ፕሮጀክት
ሓንጺጸን ስለ ዘፍሸለኦ
በዚ ተረቢሹን መንግስቲ
ክነሱ ኣገባብ ኣቀላልሳ
ናይተን ናይ ብሄር
ውድባት ብምኩራጅ
ናይ ባህሊ ጉጀለ
ቆይሙ፣ ካሴታት
መሊኡ ኣብ ውሽጢ
ብሄር ኩናማን ናብ
ወጻኢ ኣብ ምንቅስቓስ
ይርከብ፡፡ እዚ
እውን ምስ ፈሸሎ
ንብሄር ኩናማን
መሪሕ ውድብኡ ዲምሓኩኤ
ብዝረኸቦ ኣጋጣሚን
መገዲታት ካብ ብሄራትን፣
ህዝቢታት ኤርትራን
ተቓወምቲ ውድባት
ኤርትራ ንምንጻልን
መተካእትኡ ናይ
ምምጻእ ፈተነ ጀሚሩ
ኣይተሳክዔን፡፡
ሕጂ ሕጂ እንተኾይኑሉ
(ነቲ ውድብ) ንምንጻል
(ካብ ኹሉ መዳያት)
እንተፈሺሉ ከኣ
ንብሄር ኩናማ ካብ
ምድሪ ኤርትራ ንምጽራግ
ኣብ ምንቅስቓስ
ይርከብ፡፡ ኣብ
ውሽጢ ዘሎ ብሄር
ኩናማ ካብ ኩሉ መንግስታዊ
ቤት ጽሕፈታትን፣
ትካላትን ተሰጉጉን
ተነጽሉን ኣብ ዝኾነ
መንግስታዊ ትካላት
ኣቲዩ ንከይስርሕ
እውን ተኸልክሉ
እዩ፡፡ ንኣብነት
ኣብ ባረንቱ (ዋና
ከተማ ብሄር ኩናማ
ኤርትራ) ዝርከባ
መንግስታዊ ቤት
ጽሕፈታት ዝሰርሑ
ዝነበሩ ብሄር ኩናማ
ስራሕ እልካ ከም
ዘይሰርሕ ስለዝገበሩዎምን፣
ስለዝበደሉዎም መብዛሕትኡ
ከይፈተወ ለቂቁ፡፡
መሪሕ ጭርሖ ናይዚ
ፕሮጀክት ‹‹ዓወት
ንምርግጋጽ ሾሞንተ
ብሄራት ኤርትራ››
ዝብል ኮይኑ ነዚ
ንምርግጋጽን ምስ
እዚ ብምትእስሳር
ብሄር ኩናማ ካብ
ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን
ወይ ናብ ሱዳንን
ይስደድ እሞ ነቲ
ስቡሕ መሬት ንምውራስ
ምስ መሰልቱ ኣብ
ውዲት ይርከቡ፡፡
በዚ መንገዲ ጥራሕ
እዩ ብሄር ኩናማ
ኮነ ዲምሓኩኤ ክድምሰስ
ዘለዎ ዝብል እምነት
ሕዙ ይንቀሳቐስ
ኣሎ፡፡ ናብዚ ደረጃ
ንምብጻሕ እተን
ብብሄር ዝተወደባ
ውድባት ክፈርሳን
ክንጸላ ኣለውን
እሉ ነዘን ናይ ብሄር
ውድባት ንምፍራስን
ንምንጻል ዝተፈላለዩ
ሜላታት እንተፈተነ
እውን እቲ ፈተነ
ፈሺሉ፡፡ ኣብዚ
ዝሕዝነካ እንተሎ
ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ
ኣብቲ ናይ ጸላኢ
ፕሮጀክት ተሰሊፎም
ናብ ወጻኢ ምኻድ
ሓርነት ብሄር ኩናማ
ከም ዝረጋገጽ ኣሚኖም
ዝሰርሑ ዘለው ደቂ
ብሄር ኩናማ ምህላዎም
እዩ፡፡ ናብ ወጻኢ
ከይዶም ተማህሮም
ንነብሶምን ንህዝቦምን
ከምኡ እውን ንውድቦም
ዝጠቅሙ እንተደኣ
ኮይኖም ክንዛረብ
ኣይምተገደድናን፡፡
ትማሊ ሓደ ክልተ
መንእሰያት ይመጹ
ነይሮም፡፡ ግን
ሕጂ 20-30 ዝኾኑ ምስ
ሙሉእ ስድራ ሩባ
ሰጊሮም ይመጹ ኣለው፡፡
ቀጺሉ ከኣ ብደረጃ ቁሸት
ክሰግር ኢዩ፡፡
ቀስ እንዳበለ ካብቲ
ናይ ጭንቀትን ስቓይ
ንምህዳም ከይተፈለጦም
መሬት ዓዲበኦም
ይለቁ፡፡ ድልየት
ስርዓት ሻዕቢያውን
ንሱ እዩ፡፡
ኣብዚ
መንእሰይ ብሄር
ኩናማ ኤርትራ ኣብ
ግምት ዝግባእ ጉዳይ
ኣሎ፡፡ ትማሊ ኣቦታትናን
ኣባሓጎታትና ነዚ
መሬት እዚ ዓቅቦም
ነዚ ወለዶ ኣመሓላሊፎምልና፡፡
ስለዝኾነ ሎሚ ናብዚ
ብርኪ በጽሕና ኣለና፡፡
ኹሉ ስዱድ ኣብ ሽመልባ፣
ሱዳን ከምኡ እውን
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ
ዘሎ ኣባል ብሄር
ኩናማ ናብ ወጻኢ
ንምኻድ እምነ
እንተደኣ ኮይኑ
ኣብ ኣውሮፓ መሬት
ስኢኖም ካብ ሃገር
ናብ ሃገር ኮለል
ዝብሉ ‹‹ጅብሲ›› እና
ንኸውን፡፡ ከምኣቶም
ኮይና ከም እንተርፍ
ክንፈልጥ ይግባእ፡፡
ስለዚ መንእሰይ
ብሄር ኩናማ ክፈልጦ
ዘለዎ ኣቅሚ ስኢኖም
ኣብ መሬትና ኢሎም
ንዝተረፉ ኣቦታትናን
ኣቦሓጎታትና ሓርነት
ንምሃብ ኣብ ዓውዲ
ገድሊ ክንስለፍ
ይግባእ፡፡ እዚ
እንተደኣ ዘይኮይኑ
እቲ መንእሰይ ንኣዲኡን፣
ኣብኡን ጸውዑ ናብ
ወጻኢ ሓደ ከይተረፈ
እንተደኣ ከይድና
መበቆል ብሄር ኩናማ
ኣብኡ ከሎ ተወዲኡ
ክተርፍ እዩ፡፡
እንተዘይኮይኑ ጉዳይ
መሬት ኩናማ ታሪኽን
ነበረያ ነበረ ኮይኑ
ክተርፍን ኣብ ኢድና
ከም ዘይኣቱ ክፍለጥ
ኣለዎ፡፡ ከምዚ
ክበሃል እንከሎ
ካብ ቅንኢ ብዝተበገሰ
ሓሳብ ከም ዘይኮነ
ኣብ ግምት ክእቶ
ይግባእ፡፡ እዞም
ናብ ወጻኢ ክንከይድ
እና ዝብሉ ዘሎው
ጽባሕ ተማህሮም
ምስ ተመለስሱ ኣበይ
ዘሎ መሬት እዩም
ዝነብሩ? ኣድኡን፣ ኣብኡን
እንተዘይለው ኣበይ
ክነብር እዩ? እቲ
መንእሰይ ከም ድለቱ
ይኽድ ግን ክፈልጥ
ዘለዎ ጽባሕ ናበይ
ክምለስ ኣለኒ ናብ
ሃገረይ ክምለስ
ምኻኑ ክሓስብ ኣለዎ፡፡
ስለዚ ንሕና ለባማትን
ፖለቲከኛታት እንተደኣ
ኮይና በቲ ጸላኢ
ዘውጽኦ ዘሎ ውጥን
ክንከይድ የብልናን፡፡
ንሕና ክህልውና
ዝግብኦ ጭርሖ መሬት
ኣደ ወይ ከኣ ሞት
እልና ነቲ ብውሽጢን
ብደገን ዝደፍእ
ዘሎ ሓይሊ ስዒርና
ብዓወት ክንቅልቀል
ኣለና፡፡
ኣብ ልዕሊ
ብሄር ኩናማ ዝወርድ
ዘሎ ስቓይ ርእና
ኣለና፡፡ ትማሊ
ንደቂ ኣንስቲዮ
ሪእሰን ላጽዩ ብጥይት
ይቆሉወን ነይሩ፡፡
ሎሚ ከኣ ንደቂ ኣንስቲዮ
ብጎሮሮኤን ሓንቁ
ይቐትለን ኣሎ፡፡
በዚ ከኣ ጸላኢ ኣብ
ልዕሊ ብሄር ኩናማ
ዘለዎ ጽልኢ ክንርእዮን
ክንምስክርን በቂዕና፡፡
ስለዚ ኣብ ከምዚ
ደልሃመት ኣቲዩ
ንዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ
ርእካ ናብ ወጻኢ
ምኻድ ጽቡቅ ድዩ
የዋጽኣና? እዚ እዩ
ንሕና እንዛረበሉ
ዘለና፡፡ ንህላዌን
ቀጻልነት ክረጋገጽ
እንተኾይኑ ናይ
ኹልና ተገዳስነትን
ተሳትፎ ክህልው
ይግባእ፡፡ በዚ
ኣገባብ እንተኸድና
ጥራይ እዩ ብህይወቶም
ክንረኽቦም ንኽእል
ኣሽሓት ኣባላት
ብሄር ኩናማ ኣቢልና
ህላዌናን ቀጻልነትና
ክነረጋግጽ እንኽእል፡፡
ምስቶም ዘይለባማትን
ጽቡቅ ኣረኣእያ
ዘይብሎም መደብ
ክንከይድ የብልናን፡፡
እዞም ሰባት ስሕተቶም
እንተ ተቀበሉ ናብቲ
ቁኑዕ መንገዲኦም
ክምለሱ ንላቦዎም፡፡
ሓፋሽ ብሄር ኩናማን፣
መንእሰይን እቲ
ሓደጋ ኣብ ቅድመና
ተገቲሩ ከም ዘሎ
ናይ ምሕባር ግደታ
ኣለና፡፡ እዚ ሓደጋ
ከም ዘሎ መታን ክፈልጡ
ኢና ንሕብር ዘለና፡፡
ብሬድዮን ኮነ ብመርበብ
ሓበሬታ ኣቢልና
ካብዚ ሓደጋ ንክወጽእ
ኢና ንምሕጸን ዘለና፡፡
ከም መሪሕ ውድብ
ብሄር ኩናማ ንምንታይ
ዘይሓበረና ኣበይ
ኣዘኻኽሩና መዓስ
ኣተሓሳስቡናን ኣንቅሑናን
ከይንበሃል እንሆ
ንሕብር ኣለና፡፡
እዚ ብስርዓት ሻዕቢያ
ተወጥኑ ዘሎ ፕሮጀክት
ንዋዛ ከም ዘይኮነን
እዚ ጉዳይ እዚ ንኹሉ
ኣባል ብሄር ኩናማ
ዝምልከቶ ምኻኑ
ክፈልጥ ይግባእ፡፡
ከም ውድብን ከም
መሪሕነትን ክንገብር
ዝግበኣና ቁም ነገር
እንተልዩ እቲ ሓቂን
እቲ ወድዓዊ ኩነታት
ምሕባር ጥራይ እዩ፡፡
ትማሊ ትማሊ ብደረጃ
ብሄሮምን ብሕብረ-ብሔር
ወድቦም ቀጻልነቶም
ከረጋግጹ ዘይከኣሉ
ሎሚ ከም ጠበቓን
ወኪል ብሄር ኩናማ
ኤርትራ ኮይኖም
ክህንድዱ ምርኣይን
ምስ ጸላኢ እዲን
ጓንቲን ኮይንካ
ነቲ ብጸላኢ ተወጥኑ
ዘሎ ፕሮጀክት ኣብ
ምስልሳል እጃሞም
ከበርክቱ ዝተዳለው
ሓይሊታት ምህላዎም
እውን ክገርመና
የብሉን፡፡
ሓሙሻይ ክፋል
ሕራይ ናይ መወዳእታ
ሕቶ ኣብ መበል ሻድሻይ
ስሩዕ ኣኼባ ማእላይ
ኮሚቴ ዲምሓኩኤ፡
ጉዳይ ሃገራዊ ኩነታት
ብከመይ ኣሊኹሞ?
እንታይከ ገምጊምኩም?
መልሲ፡- ሓደ
ውድብ ናይ ኣኼብኡ
ኣጀንዳ ከምዚ ነይሩ
ከምዚ እዩ እሉ ከብሪህ
ጉቡእ ኣይመስለንን፡፡
እንተኾነ ውድብና
ካብ ህዝቢ ዝሓቦ
ጉዳይ ስለ ዘይለ፡
ኩነታት ጸላኢ፣
ደምበ ተቓውሞ ገምጊምና
ኢና፡፡ ድሕሪ ምፍራስ
ስርዓት ሻዕቢያ
ክመጽእ ዝክእሉ
ጸገማት እውን ኣሚትና
ኢና፡፡
ሕቶ፡- ኣነ
ብወገነይ ወድኤ
ኣለኹ፡፡ ትውስኾ
እንተልዩካ?
መልሲ፡-
ኣነ እውን ተሪፉኒ
ዝብሎ የብለይን፡፡
ክስመረሉ ዝግባእ
ነገር ግን ኣሎ፡፡
ተበታቲንካ ዝግበር
ቃልሲ የለን፡፡
ብሽም ሓድነትን
ህዝቢ ምሽቃጥ እውን
ግዝኡ ዝሓለፎ ሜላ
እዩ፡፡ ሓይሊታትና
ኣወሃህድና ነቲ
ኣብ ቅድሜና ዘሎ
ጸላኢ ነልግሶ፡፡
ካልእ ብሽም ሓድነት
ዝሸራረፍ መሰል
ዘይምህላው ምፍላጥ
ከኣ እታ ሓቂ ምኻኑ
ኣሚንካ ምቅላስ
እያ ተዋጽኣና፡፡
ሎሚ ኣብ ገድሊ ዘይነረጋግጾ
መባእታዊ መሰል
ጽባሕ መንግስቲ
ምስ ኮና ክነረጋግጾ
ኢና እሞ ናብ ፍጹም
ሓድነት እተው ማለት
ብኹሉ ሸነኻቱ ዝድገፍ
ኣይኮነን ክድገፍ
እውን ኣይግባእን
ይብል፡፡
ሕጂ እውን
መትከላት ዲምሓኩኤ
ንዘልኣለም ክዕንብቡ
እዮም !!