ዝበረሰን ዝነደየን ውድብ ንህዝቢ ካብ ብርሰት ነይድሕን !!  

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝውዳእ ኮይኑ የለን፡፡ ጉዳይ ናጽነት ተረጋግጹ፡፡ ኣብ እዋን  ናጽነታዊ ገድሊ ዝገበርናዮ ተሳትፎ ዝምስገን ጥራይ ዘይኮነ ቅንኢ ዘሕድረ እዩ ነይሩ፡፡ ናዓና ጥራይ ዘይኮነ ንጎረባብትና፡፡ እዚ ክቡር ህዝቢ እዚ መስዋእቲ ስርዓት ሻዕቢያ  ኮይኑ ክተርፍ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፡፡ ድሕር ናጽነት ጉዳይ መዓርነት ብሄራት፣ ሕቶ ዲሞክራሲ፣ ጉዳይ ጽቡቅ ምሕደራ ዓንዲ ሕቆ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ኮይነን ክለዓላ እንከሎዋ ንስርዓት ሻዕቢያ ከኣ መርዘን ኮይነንኦ ጸንሔን እየን፡፡ ኣብዚ ቀውጢ ጊዜ ምስ ምውዳቅ ስርዓት ኢሰያስ ተኣሳስሩ ክለዓሉ ዝግብኦም እዋናዊ ሕቶታት ክለዓሉ ንዕዘብ ኣሎና፡፡ ንኣብነት መተካእታ ስርዓት ህግደፍ መን እዩ ክኸውን? ንኤርትራዊ ምሕዝነት ኪዳን ብከመይ ኣማዕብልና መተካእታ ስርዓት ሻዕቢያ ንግበሮ?  ጉዳይን ሕቶ መዓርነት ሃይማኖት ብከመይ ይርኤ? ጉዳይ ሓድነት ሰራዊት ውድባትን መጻኢ ዕድል ኤርትራ ዝብሉ ዛዕባታት ስምዒታትን ኣቃልቦ ህዝቢ ኤርትራ ዝስሕባ እየን፡፡ ከም ኤርትራዊ ሕቶ ብሄርውን እንተኾነ ተጸግዑ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ጉዳይ ብሄር ብዝምልከት ምይይጥ ይገብሩ፡፡ ኣብቲ ምይይጥ ንኹሎም ብሄራት ዝጥርንፍ ደርፊ ማለት ብኹሎም ውድባት ተቓወሞ ዘይገጥም ንክንመርጽ ዕድል ይርከብ፡፡ ኣብዚ እዋን ከም ማእከላይ ጠርናፊ ደርፊ እለ ዝመረጽኩዎ ናይ ስውእ ተጋዳላይ መርሃዊ ኮይኑ ‹‹ትሽዓተ ብሄራታ›› ትብል ትኸውን፡፡ ግጥሚ ናይታ ደርፊ ዘይምምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ክልተ መስመራት እውን ኣይፈልጥን፡፡

ናዓይ ዘገደሰኒ ኣብ ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ምህላወን ትገልጽ መስመር ጥራይ እዩ፡፡  ንሳ እታ ደርፊ ማለተይ ስርዓት ሻዕቢያ ከም ዝጥቀመላ እውን ኣይጠፍኣንን፡፡ ናይ መምረጽኤይ ምኽንያት እታ ዝገለጽኩዋ እያ፡፡ ስርዓት ሻዕቢያ ኣብ ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ምህላወን ትኣምን ከም ዝነበረት ትገልጽ፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ኣይተመረጸትን፡፡ ካልእ ደርፊ ወይ ከኣ ክላስካል ተመሪጹ፡፡ በትኣ ዝተመረጸት ክላስካል እውን ሕጉስ እየ ነይረ፡፡ ጽንሕ እለ ኣብ 2001 ስርዓት ሻዕቢያ ንብሄር ብሌን ኤርትራውያን ኣይኮኑን ብምባል ናቶም ዌብ-ሳይት ብምውጽኦም ብዙሕ ኣዛሪቡ ብዙሕ ተጻሕፉ፡፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ሾሞንተ ብሄራት እምበር ትሽዓተ ዝበሃል ነገር ወይ ከኣ ቋንቋ የለን ይብሉ፡፡ እዚ ብውሽጢ ውሽጢ ክበሃል ዝጸንሔ ሎሚ ብጋህዲ ዘርግሖሞ ኣሎው፡፡ ስርዓት ኢሰያስ ነዚ ስጉምቲ ዝመረጸ ንመርሕ ውድብ ዲምሓኩኤ ንምብታን ብዝከኣሎ ኩሉ ሰርሑ ምስ ፈሸለን ምስ መሳዕስዕቱ እውን ፈቲኑ ምስ ኣበዮ ነዚ ብሄር ብስሩዕ ካብ ምድሪ ኤርትራ ክንሰጎ ኣለና ካብ ዝብል ኣምር ተበግሱ ምስ ሓደስቲ ተፋቀርቲ ተሰልፉ ይርከብ፡፡ ነዚ ኣርእስቲ ዝመረጽኩዎ እውን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ብሄር ንምጽቃጥ እዩ፡፡ ጉዳይ ሕቶ ብሄር ብዕምቆት ክርኤ ዝግባእ ዛዕባ እዩ፡፡ ብዘነደዩን ዝበረሱን ውድባት ሽሕ ጊዜ ይናዓቅ ይቃለስ እምበር ኣብ መጻኢ ኤርትራ ካልእ ሓዊ ክትኸውን ትኽእል እያ፡፡ መትከል ሕቶ ብሄር ሸራሪፍካን ጎዛዚካን ንጽባሕ እልካ ዝግደፍ ኣይኮነን፡፡ ሎሚ እምበር ድሕር ውድቀት ሻዕቢያ ትሽዓትኤን ብሄራት ነናተን ውድብ ሕዘን ክመጻ ምኻነን ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ናይ ሎሚ ቃልሲ ናይ ጽባሕ ሓዋርያት ካድር ናይ ሕቶ ብሄር ኮይኖም ከም ዝመጹ ምንም ጥርጥር የለን፡፡ ጉዳይ ኣገባብ ቃልሲ ኣመልክቶም ፈጻሚት ሽማግሌ ወስኑ ስለ ዝኾነ ህላዌና ናብ ውሽጢ ኤርትራ ክኸውን ኣሎዎ እሎም ክንደይ ጀጋኑ ኣርክቦምን ኣጥፍኦምን ደም ናይቶም ጀጋኑ ከይነቀጸ ኣገባብ ቃልሲ ቀይርና ሰራዊት ዝበሃል ጉዳይ ንመጽናዕቲ ኣንጠልጥልና ኣሎና ኣደስክልና ኣሎና ክብሉ ምስ ሰማዕናዮም ከኣ ሰራዊት ዲምሓኩኤን ብጾቱ መስተንክራዊ ዓወታት ምስ ኣመዝገቡ ከም ዝጠፈሹ ሸቓጣይ ረስዖሞም ዝነበሩ ኣባላት ብገንዘብ ብጥቅሚ ኣብ ምግዛእ ይርከቡ፡፡ ተቃለስቲ ስለ ዝነበርኩም  ነታ ተኣምኑላ ዝነበርኩም መትከል ሃየ ተበገሱ ይብሉ ኣሎው፡፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ግምባር ድሕነት፣ ሕቶ ብሄር ዝነጽግ ምኻኑ ዳግማይ ርእይቶ ክንገብር እና ማለቶም ጥራይ እኹል ሓበሬታ እዩ፡፡ እቲ ዝተከለሰን መትከልን ናይ መሰል ደዋውሱ ናብ ዝኾነ ኣንፈት ዘገላብጥ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምውናን ከም በለጽን ብቅዓት ዝወሰደ ውድብ ብከመይ ገዳይም ተጋደልቲ ደምሓኤ ከም ዝእክብ መስደመሚ እዩ፡፡  ዝኾነ ኮይኑ ሻዕቢያን መሰልቱን መሳዕስዕቱን ዝነደዩን፣ ዝበረሱን ክንሶም ንህዝቢ ካብ ብርሰት ነድሕን ንክብሉ ሓቅነት ኮነ ብቅዓት የብሎምን፡፡ ስለምንታይ ነቅሑ እልካ ሽም ውድባት ምጽላም መሕሰሪኦም እዩ፡፡

 

ስለምንታይ ነቅሑ እልካ ሽም ውድብ ምጽላም፡- ነዛ ንኡስ ኣርእስቲ ብተወሳኺ ህበ ክሕንጥጥ ካብ ዘገደደኒ ቐንዲ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣብ ዝተግብሩ መስርሕ ሓድነታት ብዘጋጥሙ ጉዳያት፡ ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድን ምዝርራብ ናይ በለጽ መንገዲ ብምምራጽ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ውድባት ዝገብሩዎ ዘሎዎ መጥቓዕቲ ንምግላጽ እዩ፡፡

ንድሕርት ተመልስና ናይ ሰብዓታት ታርኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንዕዘብ እንኾለና፡ ብዙሕ ኣሉታዊን፣ ኣወንታዊ ብድሆታት ነይሮም ይዮም፡፡ ነዚ ኣሉታዊን ኣወንታዊን ጎኒ ቃልሲ ኣብቲ ጊዜ ብኣካል ዝነበሩን፣ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ብቀረባ ዝኸታተሉዎን፣ ዝመርሑ ዝነበሩ ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ገሊጾሞ እዮሞ፡፡ ካብዚ ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትምህርቲ ዝተረኽበ ኣይመስለንን፡፡ ስለዚ ከኣ እዩ ታሪኽ ንክደግሙን ንህዝቢታት ኤርትራ ተሓለቅቲን፣ ፈተውቲ ሓድነት ንክመስሉ ህርድግ ዝብሉ፡፡ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ክፍለ ዘመን ከምቲ ሕሉፍ ታሪኽ ኣገባብ ቃልሲ እቲ ሓያል ነቲ ድኽም ንምውሓጥ ዝግበርን፣ ናይ በለጽ ኣካይዳን፣ ናይ ውድብካ ጸብለልትነት ንምርግጋጽ ዝግበር ኣካይዳ መሰረት ዘይብሉን፣ ብተደጋጋሚ ክፈሽልን ክገሃድ ንዕዘቦ ዘሎና ጉዳይ እዩ፡፡ ሕጂ እውን ካብቲ ሕሉፍን ምዕቡል  ቃልሲና ትምህርቲ ኣይተረኽበን፡፡

ብፍላይ ኣብዚ ጊዜ እዚ ብግልጽን፣ ጎልሑ ዝርኤ ዘሎ ኣካይዳ ቃልሲ ነቲ ታሪኽ ዝጎሓፎን መሰረት ዘይብሉን፣ ዶሮና ዝወቅዖ፣ ምፍንጫል፣ ምጉጅጃል፣ ኣብ ሞንጎ ውድባት እንዳኣተኻ ምብትታንን፣ ሓሶት፣ ነንሕድሕድካ ምጥቓዕ ዝኣመሰሉ ስልቲ ኣብ ዝባኖም ብምጻር ሓለይቲ ሓድነትን፣ ሓለይቲ ህዝቢ ንክመስሉ ለይቲን መዓልትን ኣብ ዓውደ ኢንተርነት እጅግኦም ሰብስቦም ክሳብ ህዝቢ ዝተፍኦም ዓጀፍጀፍ ክብሉ ዝውዕሉ ዘሎው ሓይልታት ክትርኢ እንከሎካ ብጣዕሚ እዩ ዘገርም፡፡ እዞም ሓይልታት ካብ ውልቀ ረብሓ ወጽኦም ንደቂቅ ደው ኢሎም እንተዝሓስቡ ኣብ ምንታይ ደረጃን ኣበይ ከምዘለው ምተረደኦም፡፡ ብድልየት ህዝቢ ተጎልብቢካ ህላዌኻ ንምርግጋጽ እንተ ኾይኑ ህዝቢ ነቅሑ ስለ ዘሎ እንተ ዘይጸዓር ይምረጽ፡፡ ሎሚ ዘበን ሓደ ብሄር ተመራሒ ሓደ ብሄር ተመራጺ ዝኾነሉ ኣምር ተቐይሩ ከም ዘሎ ምብራህ ኣየድልን እዩ፡፡ ብሽም ሕብረ-ብሔራዊ መልክዕ ውደባ ዝግበር ባርነት ዳግም ኣብ ኤርትራ ዝርኤ ኣይመስለንን፡፡ ብሓሶት፣ ምጉጅጃልን፣ ብምጥቅቃዕ ዝርኸብ ዓወት የለን፡፡  ንነፍስኻ ከም ደላይን ሓለዋ ሓድነት ንካልኦት ጸረ ሓድነት ገርካ ምጽላም ዋግኡ ዝኽፈለሉ እዋን ቀሪቡ እዩ፡፡ ንዘይመረጽናዮ መስርሕ ክትቅበሉ ኣሎኹም እልካ መዓልቲ ምስ ቀትሪ ምውንጃል፣ ኣብ ውሽጢ ውድብ ኣቲኻ ሁከት ምፍጣር ኮነ መሓዛ ውድብ ናይ ምፍራስ መደብ ምሓዝን እቲ ሓቂ ምስ ተረጋገጸ የለናሉን ማለት ምሕረት ክግበረሉ ዘይግባእ ወንጀል ስለ ዝኾነ እዚ ባህሊ ክግታእ ኣሎዎ፡፡ እዚ ናይ ውልቀይ ርእይቶ እዩ፡፡

ቀንዲ ነይዞኦም ሓይሊታት ጸገም እንታይ እዩ እንተበልና እቲ ዝወጠኑዎ ውዲት ኣብ ተግባር ከይተተርጎመ እንኮሎ ብምፍሻሎምን ዕርቃኖም ስለዝወጹን፣ ከምኡ እውን ውሽጠ ውድባዊ ጸገማቶም ብጎሮሮ ስለዝሓዞም ካብ ዓቅሊ ጽበታዊ መገዲ ተበግሶም ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ኣትዮም ይኾኑ፡፡ ምጉጅጃል ግዝያዊ ዓወት እምበር ዘልኣለማዊ ከም ዘይኸውን ብግብሪ ክፈልጡ ምግባር ኣደላይ እዩ፡፡

መስርሕ ሓድነት ሓሙሽተ ውድባት ካብ ዝጅምር ኣትሕዙ ክሳብ እዛ ዕለት ብተንኮልን፣ ብበለጽን፣ ብትምክሕቲ ዝተጓዙ መራሕቲ ገለ ገለ ውድባት ኣለው እዮም፡፡ እዞም ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣብ ዝተግብሩ መስርሕ ሓድነት ተወላዋሊ መርገጺ ዝሕዙን ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ዝነፍሱ ናይ ሰውራ ሓንቀርቲ ኮይኖም ኣሎው፡፡ እዝኦም መራሕቲ ተሓለቅቲ ሓድነት ንክመስሉ ንውድባት ከቆናጽቡ ክትርኢ  ብጣዕሚ እዩ ዘደንጽወካ፡፡ ቀንዲ መበገስኦም ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኮይኑ ሰራቂ ሞባእ በዓሉ ይልፍልፍ ከም ዝበሃል እቲ ዝፈሓሱዎ ተንኮልን፣ እቲ ዝደልዩዎ ሾቶ ስለዘይተሳከዔን፣ ከምኡ እውን ውሽጣዊ ቅልወላዎምን፣ ተወላዋሊ ኣካይድኦም መሰረት ስለዘስኣኖም ብሽም ሓድነትን፣ ተሓለቅቲ ህዝቢ ንክመስሉ ስለ ዝደለዩ ጥራይ እዩ፡፡

ካብ ተመክሮናን ካብ ኣካይዳ ተቃወምቲ ውድባት ከም ዝተዓዘብናዮ ካብ ድኽመት ኣመራሪሖምን፣ ካብ ውዲታቶምን ፍሽለቶም ንምህዳም ውድባትን፣ ብጾቶም ብምጥቃዕ ናይ ህዝቢ ድምጺ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ ምኻኑ ማንም ሰብ ዝፈልጦ እዩ፡፡ ናይ ብሄር ውድባት ኣፍርስካ ኣንጻር ሕቶ ብሄር ጠጠው ዝበሉ መሰረታት ከስብካ ዓቢ ውድብ ንምኻን ህርፋን ኣስክሩዎም ለይትን መዓልቲን ናይ ብሄር ውድባት ከቆናጽቡ ምርኣይ ቃልሲ ኣይኮነን፡፡ ነዚ ኣካይዳ ድማ ምዕቡልን ብሱልን ኣገባብ ቃልሲ እዮም ዝብሉዎ፡፡ ዘበን ብዝተፍኦ ኣካይዳ ህዝቢ ምድላል ከም ዘይከኣልን፡ ሕሰረቶም ካብ ምጉልባብ ካልእ ለውጢ ከምጹኡ ከም ዘይክእሉ መራሕቲ ገለ ገልኡ ውድባት  ክግንዘቡ ይግባእ፡፡ ንምንታይ ፈሸልኩን፣ ወዲታተይ ተዓምጸጹ፣ ንምንታይ ሓሰርኩ ካብ ዝብል ምሕር ዓቅሊ ጽበታዊ ስጉምቲ ዝውሰድ ጸለመ መገመቲ ካብ ምኻን ዘልሉ ዘምጽኦ ፋይዳ የለን፡፡ ዝኾነ ውድብ ናተይ እዩ ዝብሎን  ዘዋጽኦን ናይ ሓድነት መስርሕ ንክመረጽ መሰሉ እዩ፡፡ ብጸለመ ክመጽእ ዝኽእል ተቀባልነት ህዝቢ ከም ዘይለ ተረድእና፣ ሓቀኛን እሙን ሓለይቲ ህዝቢ ንኹን፡፡ ብጸለመ፣ ብሓሶት ዝፈርስ ውድብ እንተልዩ እቶም ዝበረሱን ዝነደዩን ጥራይ እዮም ዝኾኑ፡፡ ዝነደየን ዝበረሰን ንህዝቢ ካብ ብርሰት ናይ ምድሓን ኣቅሚ ኮነ ብቕዓት የብሎምን፡፡ እዚ ጭርሖ እዚ ኣይናቶምን እዩ፡፡ 

ተጋዳላይ ደጨላ