Home

ደምዳሚ መግለጺ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)

ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ፡፡ ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዕለት 19/02/2014 ጀሚሩ ብፖለቲካዊ ቤት ምኽሪ ኩናማ ኤርትራ (ካብ 22/02/2014-23/02/2014) ብምቅጻል ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ከኣ ካብ ዕለት 24/02/2014-25/02/2014 ኣብ ዘሰላሰሎ ኣኼባ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ብሄረ ኩናማ ብምዝማድ፡ ዓለማውን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ፖሊቲካዊ ረስኒ ኤርትራን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝረኣዩ ዘለው ምዕባሌታትን ውረድ ደይብ ብሰፊሑ ገምጊሙ፡፡

ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ዝገምገመሉ እዋን መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሕዳር (ኖቨምበር) 4/2014 ንብሄራዊ ውድብኡን ንቃልሲ ብሄረ ኩናማ ኣፍልጦ ምሃቡን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ንቃልሲ ህዝቢ ኩናማን መሪሕ ውድብ ዲምሓኩኤ ዘይሽሙ ብምሃብን ብምጥቃኖም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ውድብ ዝርኤ ዝነበረ ምሹቁራር ተወጊዱ ብርእሰ ምትእምማን ኣብ ጎኒ ውድብ ደው ንክብሉ ምሕጋዙን፡ ንብሄረ ኩናማ ኤርትራ ትምህርትን ቁጠባዊ ዓቅሙ ክብ ንምባል ንዝሃቦ ዕድል ማእከላይ ኮሚቴ ዲምሓኩኤ ንህዝብን መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስጋንኡ ኣቅሪቡ፡፡ ፖሊቲካዊ ረስኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝፍትሸሉ እዋን ከኣ ኣብ መንጎ የሕዋት ደቡብ ሱዳን ዝርኤ ዘሎ ሕድሕድ ህልቂት ብሰፊሕ ብምርኣይ፡ ነቲ ግርጭት ደው ንምባል ብሸምጋልነት ኢጋድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምስጋንኡ ብምቅራብ ክልቲኦም ተናሕናሕቲ የሕዋትን ወገናት ናብ ልቦም ተመሊሶም ጉዳያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንክፈትሑ ማእከላይ ኮሚቴ ዲምሓኩኤ ትምኒቱ ገሊጹ፡፡ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝፍተሸሉ እዋን ከኣ ስርዓት ህግደፍ ሳዕሪሩ ንህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ናብ ባርነት ንክእተወና ዓንዲ ሕቆ ኮይኖምን ብስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዝጣልዑ ዘሎው እሞ ኣብ ስደት ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ብሙሉኦም ናብ ልቦም ንክምለሱን ኣብ ጎኒ ህዝቦምን ናይ ለውጢ ንፋስን ሓይሊታት ደው ንክብሉ ጸዊዑ፡፡

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝተረኣዩን ዝረኣዩ ዘለው ዘይቅየር ደልሃመት ብምእላይ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ጽላል ንምምስራት ካብ ዕለት 31/1/2014-04/02/2014 ብደረጃ መርሕነት ፖለቲካዊ ሓይሊታት ዝተኻየደ መድረኽ፡ ዲምሓኩኤ ብኣካል ዝተሳተፈ ኮይኑ፡ ነቲ ጽላል ንምምስራት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውድብ ዝወሰዱዎ ዘይዲሞክራያዊ ስጉምቲ ብልዙብን ብእንካን ሃባን መስርሕ ርዝነት ውድብን እምነትን መትከልን ዕላምኡን ከይተሸራረፈ ፍታሕ ምርካቡ ይበል ዘብል ከም ዝኾነ ማዕከላዊ ኮሚቴ ዲምሓኩኤ ኣነጺሩ፡፡ ኣብዚ መስርሕ ንሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ንምርግጋጽ ከይተሓለሉ ንዝጸዓሩ ኣቦ መንበራት ውድባት ኣመስጊኑ፡፡ ይኹንምበር ዘይተባህለ ዝጽሕፉን ዘይተጻሕፈ ንምንባብ ዝህንደዱ ዘረግቲ መርበባትን ሓለፍቶምን ኣብ ዝተፈላለዩን ብዝተፈላለዩ ቋንቛታት ዝጸሓፍ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ጽሑፋትን “ዲምሓኩኤ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ “ኪዳን/ግንባር” ወይ ከኣ ናብቲ ሓድሽ ጽላል ንክምለስን ንክኣቱ ይቅረታ ሓቲቱ ንዝብሉ በላ በሎታት ውድብ እዝኒ ከም ዘይህብ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቃለስቲ ብጾት ንክርድኡልና ውድብ ብምዝኽኻር ዲምሓኩኤ ሎሚ ዝተዛረቦ ጽባሕ ዝደግም ውድብ ከም ዝኾነ መላእ ብሄር ኩናማን ህዝቢ ኤርትራን ዝፈልጡዎ ሓቂ ስለዝኾነ ብኣፎም መዓርን ሽኾር ተዛሪቦም፡ ኣብ ስራሕ ዓንዴል ዕረን ጸረ ሓድነት ዝኾነ መደባቶም ንዝፍጽሙ በተንቲ መርበባትን ተሓቢኦም ብብዕር ሽም ንዝጽሕፉ ውልቀሰባት ዝወሃብ ግብረ መልሲታት (ዲምሓኩኤ) ብዓንተብኦ ዝሰገሮን ድሑር ከይዲ ምኻኑ ንክግንዘቡዎንን ንካልኣይ ግዜ ናብ ሓሸውየ ከም ዘይኣቱ ኣሚቱ:: መሪሕ ውድብ ዲምሓኩኤ ካብ ዕላማኡን ዝወሰዶ መርገጽ ሓንቲ ስድሪ ፍንትት ከምዘይብልን ዝሓዞ መርገጽ ከምዘይቀይር ጸላእትን መሓዙትን ከም ዝፈልጡዎ ማእከላይ ኮሚቴ ኮነ ፖለቲካዊ ቤት ምኽሪ ኩናማ ኤርትራ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፡፡

ብሄረ ኩናማ ኤርትራ ብመሪሕነት ዲምሓኩኤ ሓርነቱ ንምርግጋጽ ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ዝኸፍለሉ መድረኽ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ነዚ ፍትሓዊ ቃልሲ ንምብርዓንን ብሄር ኩናማ ንምጽናት ሓድሽቲ መደባት ብምሕንጻጽ ብዙሕ እንተፈተነውን ክሳብ ሎም ለይቲ ብፍሽለት ይዛዘሙምበር እቲ ውዲት ደው ኢሉ ከም ዘይፍለጥ መርሕነት ውድብ ገምጊሙ፡፡ ድሕሪ ብዙሕ ፈተነን ፍሽለትን ድሕረትን ባህላዊ ዝንባለታትን ልምዲታት ብምጥቃም ሓድነት ብሄር ኩናማ ንምብታን ሓድሽ መደብ ኣውጺኡ ኣብ መደበር ስደተኛታትን ኣብ ዲያስፖራ ውራየ ኢሉ ተታሒዙዎ ኣሎ፡፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኩናማ ጽልኢ ሰፊኑ ነንሕድሕዶም ንክተሃላለቁ ናይ ክፍኣት መርዚ ብምንዛሕ ክሳብ ናይ ኢግዝኣብሔር ሰላምታ ንከይህሉ ብዑሱባቱን ተለኣኣኽቱ ንምፍጻም ይህንደድ ከም ዘሎ ብደረጃ ፖለቲካዊ ቤት ምኽሪ ኩናማ ኤርትራ ገምጊሙ፡፡ ነዚ ውዲት ንምፍሻል ብደረጃ ፖለቲካዊ ቤት ምኽሪ (120 መርሕነት ዘሎዎ ኣካል) ተመያይጡ ሰለስተ ውሳኔ የሕሊፉ፡፡

  1. ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ኣብ ሕገ ህንጻኡ ኮነ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ፡ ክዕቀቡ ዝግብኦም ባህሊታት ብምዕቃብ ነቶም ዱሑር ባህሊ ከኣ ናይ ምእላይ መደብ ሓንጺጹ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ጎኒ ጎኒ ኣብ ዝቃለሰሎም ዘሎ እዋን ኣብ ኣካዳሚያዊን ፖለቲካዊ መዳያት ዘሎ ጎደሎን ነቃዕን ብምምዝማዝ ሓድነትን ናይ ቃልሲ መስርሕ ብሄር ኩናማ ይዕንቅፍ ምህላው ብምግንዛብ ነዚ ሓደጋ ኣብ ሓጺር እዋን ንምእላይ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ልዑል ጻዕርን ጠመተ ንክህብ ወሲኑ፣
  2. ሓድነት ብሔር ኩናማ ዝብትኑ ድሑር ባህሊታት ንምውጋድ ተባሂሉ ዝተፈጠሩ ባህላዊ መድረኻት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን ጉጂላዊ መሰላት ኣባላት ብሄር ኩናማ ይትንክፍ ስለዘሎ ንከምዚ ዝኣመሰሉ ባህላዊ መድረኻት ናብ ዘመናውን ሕጋዊ መድረኻት ንምቅያር ከም ዝቃለስ ወሲኑ፤Kona naudima sawarowa kutu.
  3. ካብቶም ዝተገልጹ ዘይዲሞክራሲያዊ መድረኻት ዝዋሃብ ዘሎ ዘይዲሞክራሲያዊን ድሑር ባህላዊ ብይንን ፍጻሜ ንከይረኽቡን ንክቃለሶምን ፖሊቲካዊ ቤት ምኽሪ ኩናማ ኤርትራል ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቁ፡፡

ብተወሳኺ ኣባል ውድብን ዘይተማህረ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኩናማ ፖለቲካዊ ንቅሓቱ ክብ ብምባል ሓርነታዊ ቃልሱ ንምዕዋትን ንሓድነት ብሄረ ኩናማ ዋሕስ ንክኸውን ፖለቲካዊ መጽሓፍቲ ብምድላው ንህዝብን ተጋደልቲ ብዘቅርቦ ዝነበረ መስርሕ መሰረት “ዘይተማህረ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብናን እቲ ውሑድ ዝተማህረ ክፋልን ብምትሕብባር ሓርነታዊ ነጻነት ነረጋግጽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተዳለወ ፖለቲካዊ መጽሓፉ ቁጽሪ 17፡ ንፖለቲካዊ ቤት ምኽሪ ኩናማ ኤርትራን ማእከላይ ኮሚቴን ቀሪቡ ምይይጥ ምስ ተገብረሉ፡ ናብ ህዝብን ተጋደልትን ንክወርድ ውሳኔ ሂቡ፡፡ ኣብ መጨረሻ ብፖለቲካዊ ቤት ምኽሪ ኩናማ ኤርትራን ማክአላይ ኮሚቴ ዲምሓኩኤ ኣብ ሓጺር እዋን ዝዕመሙ ህጹጽ ናይ ስራሕ መደባት ብምሕንጻጽ ኣኼብኡ ዛዚሙ፡፡ ንመላእ ህዝቢታት ኤርትራን ኩናማን ዓወትን ኣሳልጦን ተመኒዩ፡፡ ንህዝቢን መንግስቲ እትዮጲያ ከኣ መስጋንኡ ኣቅሪቡ፡፡

“ዘይተማህረ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኩናማን ዝተማህረ ውሑድን ብምትሕብባር ሓርነትና ነረጋግጽ”

መትከላት ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም ክዕንብቡ እዮም!!

ለካቲት 26-2014