Home

ዝርዝር ዜናታት ዓወት ካብ ዕለት (17/01/2014 ክሳብ 18/01/2014)

  1. ማዕበል መጥቃዕቲታት ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብምቅጻል ብዕለት 17/01/2014 ሰዓት 7፡30 ናይ ለይቲ፡ ካብ ባረንቱ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ሪሒቃ ትርከብ ቢሪሞ ካንትሪ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ሃብቲ መበቆላዊ መሬት ኩናማ ጺዒና ንከበሳ ትኸይድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኤን 3 ብኣርፒጂ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ነታ መኪናን ዝጸዓነቶ ንብረት ሙሉ ንሙሉእ ከም ዘዕነዎ ካብቲ ከባቢ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡
  2. ህርኩታት ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብዕለት 18/01/2014 ለይቲ ሰዓት 8፡30 ናፍታ ጺዒና ንኣቁርደት ገጻ እተምርሕ ንዝነበረት መኪና ኣብ ሩባ ኳዕላይ ብምድባይ ብኣርፒጂ፣ ኢድ ቡንቧን ከላሽንን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ብምክያድ ነታ መኪናን ናፍታን ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝገበሩዋ ካብቲ ከባቢ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡
  3. ብተመሳሳሊ ዕለት 18/01/2014 ለይቲ ሰዓት 7፡30 ኣብ መንገዲ ሓሬናን ጎሉጅን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ወታሃደራዊት ቶዮታ መኪና ብኣርፒጂ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝገበራ ካብቲ ከባቢ ዝበጸሓና ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣብዛ ወታሃደራዊ መኪና ሲቪል ሰባት ክህልው ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ስለዘሎ፡ ሕጂ እውን ንካልኣይ ግዜ "ሲቪል ኣባላት ወታሃደራዊ መካይን ንከይጥቀሙን መኪናኦም ሰራዊት ንክጥቀሙሉ ዝህብዎም ዘሎው ከይዲ ደው ከብሉን ጥንቃቄ ክገብሩ መሪሕ ውድብ ዲምሓኩኤ በዚ ኣጋጣሚ መልእኽቱ የሕልፍ፡፡ ንተወሰኽቲ ዜና ዓወታት ወርሒ ጥሪ ተኸታተሉና፡፡