Home
ዝርዝር ዜናታት ዓወት ናይ (03/01/2014)
- Details
- Published on Wednesday, 22 January 2014 06:06
ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብዕለት 03/01/2014 ኣብ መንጎ ደምበ ዲማን ኣርማጮህ ዓሪዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣሃዱ ግንባር ስለያ ሰዓት 7፡30 ለይቲ ብዝወሰዱዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንክልተ መራሕቲ ሓይሊን መስርዕን ክቐትል እንከሎ፡ ነቲ ስለያዊ ኣሃዱ ፋሕ ብትን ከም ዘእተወሉ ካብ ንቁጣ ጀጋኑ ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ፡፡
እዚ ስለያዊ ኣሃዱ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንምክፋት ተዳሊዩ ከም ዝጸንሔን፣ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ናብ ውሽጢ ጸሊቆም ህዝቢ ንከይውድቡ ኣሰር ብምፍታሽ ክዕንቅፍ ዝጸንሔን፣ ነዚ እከይ ተግባራቱ ከም ሓለፋ ለይቲ ሳዕሳዒት ወይ መዘናጊዒ ኣዳሊዩ ክዘናግዑ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን እዩ እዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተወስደ፡፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰናበዱ መራሕቲ ግንባር ስለያ ነቲ መድረኽ ከቋርጹን ነቲ ዝጸንሔ ታሕጓስ ናብ ጸልማት ዝቀየረ መጥቃዕቲ ምንባሩ ካብ ጀጋኑ ዝመጸና ዜና ወሲኹ ሓቢሩ፡፡ ዲምሓኩኤ ንጭቁን ኣባል ምኽልኻል ከም ጸላኢ ኣይርእን፣ ኣይየጠቅን፡፡ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ብምቕባል ኣብ ልዕሊዑ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ኣይፍጽምን፡፡ ኣሃዱታት ግንባር ስለያ ግን እንዳተነግሮም ብተደጋጋሚ ምንቅስቓስ ዲምሓኩኤ ንምዕንቓፍ ይተናኾሱ ስለዘሎው፡ ሕጂ እውን ናብ ልቦም ንክምለሱ ጸዋዒትና ነቅርበሎም፡፡ ንቀጻሊ ተኸታታሊ ዜናታት ዓወት ተኸታተሉና፡፡
ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታ ዲምሓኩኤ