Home
ክልተ ሽሕ ዓመታት ንድሕሪት ዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራ!
- Details
- Published on Friday, 07 July 2017 05:47
ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር፡ ኣብታ ማዓርን ጸባን እትውሕዘላ ዝበሃል ክፋል ዓለምና ማእኸላ ምብራቕ፡ ብሃይማኖት ክርስትና መድሓኒ ዓለም ተባሂሉ ዝእመነሉ፡ ትንቢት ነቢያት መፈጸምታ ክረክብ፡ ብሉይ ኪዳን ብሓድሽ ኪዳን ክትካእ እሞ ኩሉም ነገደ ኣዳም ድሕነት ክረኽቡ ምእንቲ ሓደ ዓቢይ መምህር መድሓኒ ዓለም ተወልደ።
ናብ ኣስትምህሮ ናይዚ ዓቢይ መድሓኒ ዓለም ምስ እንምለት፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ክፍለ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብዛ ኩሉ ጸገም ዘይስኣና ሃገርና ኤርትራ ድማ ብፍላይ እንረኽቦን ከም ሳዕቤኑ ድማ ገጂፍ ዋጋ እንኸፍለሉ ዘሎና ትዕቢት ዝመንቀልዩ ግብዝና ኣብ ህዝቢታት ዓቃባዊያን ዝኾኑ ፈሪሳዊያኒን ኣይሁዳዊ ሕጊ ክእላታት ኢና በሃልቲ ሳዕሪሮም ስለ ዝነበሩ፡ ንመንገዲ ድሕነት ደቂ ሰባት ብምሳሌታት ምስባኽ ሓደ እንኮ መማረጺ ኢዩ፡ ነዚ ዓቢይ መድሕን ደቂ ሰባት። ዘሕዝነካ ነገር እንተ ነይሩ፡ እቶም ክእላታት ኣይሁዳዊ ሕጊ ኢና በሃልቲ ይኹኑ ግቡዛት ፈሪሳዊያን ነዚ ኣምሳላዊ ዘረባ ይርድእዎ ዘይምንባሮም ጉዳይ ኢዩ። ዋእ፡ ወዲ ኩኔ ሎሚስ ኣኺሉካ ካብ ብሄራዊ ውዳቤ መትከልካ ናብ ሃጽ ዝበለ ገዳም ደብረ ቢዜን ድኻ ክትመርሓና ደሊኻ ኢልኩም ከም ተሓትቱኒ፡ ኣይሰሓትኩዎን። ኣይተጋገኹምን የግዳስ እቲ ቀንዲ ዕላመኤይ ከምኡ ዘይኮነስ፡ ነዛ ሓጻር ክፋል ታሪኽ ክርስትና ከም መሳሊል ብምጥቃም ከልዕሎ ጉዳይ ስለ ዘሎኒ ጥራሕ ኢየ። ድኽነትን ዋሕዲ ምህሮ ዝፈጥሮም ጸገማት ክፍለ ኣህጉርና ኣፍሪቃ እውን ንጎኒ ገዲፍና፡ ናብ ጉዳይ ህዝቢናን ሃገርና ኤርትራን ኮፍ ኢልካ ከተስተንቲን ከሎኻ፡ እምበርከዶ ብሃቂ ካብቶም ቅድሚ ክልተ ሽሕ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝነብሩ ዝነበሩ ግቡዛት ፈሪሳዊያኒን ኣይሁዳዊ ሕጊ ክእላታት ኢና በሃልቲስ እንታይ ፍልሊይና ኣብ ዝብል ሓሳበ ጭንቀት የሸሚመካ። ወላ ክንዲ ፍሬ ኣድሪ እትኣክል ክልሊይ ድማ ኣይትረኽበሉን። ቅድሚ ሳልስቲ ብምሳላዊ ኣዘራርባ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጥቅሲ ኣቅሪበያ ነይረ።
ብዙሓት ዜጋታትና፡ ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዘሎው ነታ ጸጋታት ዝብል ቃል ብጌጋ ተረድዮኒ። እንሆ ከብርሃሎም ድማ ተገዲደ ኣሎኹ። ንበል እሞ፡ ሓደ ወዲ ሰብሲ ኣብ ገዝኡ ጸጋታት ኣሎዎ እንተበልና ምናልባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ሓደ ሓረስታይ መልኡ ኣኺሉ ዝፈሲስ ጸባ ወይ ብራሕ ጥራኽ ኮይኑ ክረኣየና ይኽእል ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን ክንዮ እዚ ምኳኑ ቁሩብ ሓንጎልና ምስራስ የድሊ። ነዚ ኣኽሉ ዝፈሲስ ዘሎ ጸባን ብራሕን ዘምጸኤ ኣእምሮ እቲ ሓረስታይን ረሃጽ፡ ድኻም፡ ደቁን ጓሶቱን ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ዘይዳህሰስ ጸጋ ናይዚ ስድራቤት ምኳኑ ክልተ ሽሕ ዓመታት ንድሕሪት ተመልስና ከም ፈሪሳዊያኒን ክእላታት ሕጊ ኣይሁድን ምርድኡ ዝኣብየና ኣምሳላዊ ዘረባ ክኸውን ኣይምተገበኤን። ጸጋታት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ብቀዳሚነት ወርቂ ቢሻን ነሓስ ዶባሩባን ካልእትን ኣብ ሓንጎሎም ዝመጽእ ዜጋታትና ሕጂ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብዚ እውን ጸጋታት ሓይሊ ሰብ ንድሕሪት ይውንዘፍ ከም ዘሎ ዘማትእ ጉዳይ ኣይኮነን። ናብታ መንቀሊ ኣርአስተይ ዝኾነ ጉዳይ ተቃወምቲ ውድባት ሃገርና ብመንጽር ዘይድህሰብ ጸጋ እስከ እንመልከት። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ዝበዝሑ መንእሰያት ሃገርና ካልእስኳ እንተ ተረፈ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ዝደልዩ ወለዶ ምኳኖም ምንም ዘኸራክር ጉዳይ ኣይመስለኒን። እዚ ክንዲ ዝኾነ፡ መንእሰያት ዘመንና ካብቲ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓንቲ ውድብ ክትጻወር ኣይትኽእልን ኢያ ዝብል ውልቀ ምልካዊ ፍልስፍና ተላቒቆም፡ ሜዳ ኤርትራስ ከዋሃህዳ ዝኽእል ኣእምሮኣዊ ጸጋ ዜጋታት እንተ ረኹቡስ ይትረፍዶ ሓደ ውድብሲ ወላ ሽሕ ውድባት እውን ክጻወር ዝኽእል ገፊሕ ሜዳ ኢዩ ናብ ዝብል እምነት ከም ዝበጽሑ ብግልጺ ንምልከት። እዚ ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ዘይደሃሰኣኡ ጸጋታት ንቕሓተ ኣእምሮ መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ሃገርና ኢዩ። እዚ ክንዲ ዝኾነ እንሆ ብሄራዊያን፡ ህብረብሄራዊያ፡ ኣውራጃዊያን፡ ሃይማኖታዊያኒን ካልኦት መልክዕ ውዳቤታትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰሰኑ ክኸዱ እንርዮም ኣሎና። ኣብዚ ሓንቲ ንኩላቶም እተገድስ ሓባራዊት ጉዳይ ከም ዘሎ ከነኣተውዕል ይግባእ፡ ንሱ ድማ ስር በተኻዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኢዩ። ጸጋ ዝኸውን ዘሎ እምበኣር፡ ዘይከምቲ ቀደም ብሓደ ሰብ፡ ብሓደ ፍልስፍና( ሰልፊ ናጽነት)፡ ብሓደ ውድብ( ህግ) ዘይኮነስ ብሓባራዊ መርሕነት፡ ንናይ ኩሉ ዘማእኸለ ፍልስፍና፡ ፍልልያቶም ኣኽብሩ ስሙር ግንባር ክፈጥር ዝኽእል ጸጋታት ምህላዎም ኢዩ። ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ዝኸይድ ድማ፡ እዚ እንዛረበሉ ዘሎና መንእሰይ ደላይ ለውጢ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ስለያዊ ሓበረታ ኣትሕዝካ፡ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ኣብ ባይታ ብተግባር ናይ ምትርጓም ዓቅሚ ጸጋታት ዝውኒን ምኳኑ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ኢዩ እምበር ጸጋታት ተቃወምቲ ውዱባት እንብል ዘሎና። ነዚ ኣኺሉ ተሪፉ ዝፈሲስ ዘሎ ዓቅሚ ጸጋ'ዚይ ክንጥቀመሉን ክንምዝምዞ ዘይምኽእልና ጉዳይ ግን እንታይ ረብሓ ኣሎዎ?
መርባቲ ኣምረን ኢየ ሰሰናዩ