Home

ንኣየናይ ሕጋውነት ሓዳር ፍትሕ ተጠሊቡ ኢልካ ምሕባር?

ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ) ፈነወ ሓበሬታ ጽውጽዋይ ማዕከን ሸፋቱ ህግደፍ ጥርዙ ስሒቱ ንተወጢሩዎ ዘሎ ወጥሪ መፍትሒ ብምስኣን ዕለታዊ ሶሙናዊ ዝሰራጨው ዘሎ ሓበሬታታት መለክዒ ስኢኑሉ ከም ዘሎ እቶም እንፈልጦን ዕለታዊ እንከታተሎን ዝተባህለ እንተተባህለን ንኸይንሰምዖ ካብ ነዊሕ እዋን ኣረጋጊጽና ኢና፡፡

ዓንጃል!!

ስመይ ጥራሕ ይጥቀሱ እምበር ዝተባህለ ይበሃል ኢሉ ተመከሔ ከም ዝበሃል፡ ሕጊ ኣልቦ ስርርዕ ሸፋቱ ህግደፍ ኣሹንኳይ ሰብ ፍጡር ሃመማ ከይተረፈት እውን ፈንፊናቶም ከም ዘላ ስለዝፈልጡ፡ እዚ ገይሮም እዚ ፈጢሮም ንዝበሃልዎ ሓቂ ኣሚኖም ጥራሕ ኣይበሃሉ እምበር ኩሉ ኣሕናኺ ነገራት ሽመትን ልዕልነትን ስለዝስምዖም ደድሕሪ ጽላለኦም ደድሕሪ ሃተውተዎም ምኻድን ምስማዕን እቲ ዝሰምዖም ጥራሕ እዩ ዕቡድ ወይ ጽሉል ክበሃል ዝከኣል እሞ፡ ከምቲ ሓደ የዋህ ኣነ እገድድ ምስ ዝሃለለ ዕቡድ ክሰምዖ ዘኹድድ እትብል ኣስተንትኖኡ ክትዝከርን ክትመክርን ይግባእ፡፡

ኣብ መርበብ ኢንተርነት!!

ወይዘሮ ሳባ ሃይሉ ፍትሕ ጠሊባ ዝብል ጽሑፍ ድሕሪ ምንባበይ ንኣእምሮይ ቀጥ ኣቢለ፡ ምስ መንን ኣየናይ ሕጋውነት ዝለበሰ መርዓ ድኣ እዩ ፍታሕ ዝጥለብ ኢለ ድሕሪ ምምርማረይ ጉዳም ዘመን! ሰማይ ሰማይ ነፊሩ ተመን፡ ዘስምዕ ሓበሬታ ኾይኑ ረኺበዮ፡፡

ከመይሲ!!

ደቂ ዓለም እንፈልጦ ሓደ መውስቦ፡ መውስቦ ክጽዋዕ ከም መውስቦ ክፍለጥ ሕጋውነት ክለብስ ኣብ ሕጊ መንግስቲ ኣብ ሕገ እንዳባ ብሽማግለታት እተወሕስ ምስ ዝኸውን እቶም ዝተዋሰቡ ሰብ ሓዳር ኣብ ክጻዋወረሉ ዘይኽእሉ ግዜ፡ ኣብቲ ዝተዋሰቡሉ ምስ እተወሓሓሱሉ ሽምግልና ጠለቦም የቕርቡ እሞ ከምታ ናይ መውስቦ እታ ፍትሕ ከኣ ሕጋውነት ትለብስ፡፡

እቲ ሓቅን ቅኑዕን እዚ ኾይኑ!!

እዚ ሕጂ ዝተዘርወ ጽውጽዋይ ጠለብ ፍትሕ ነቲ ወረ ዝዘርገሖ ክምልሰልና እንደልዮ፡ እቲ ንፍትሕ እተጠልበ ሓዳር በየናይን ናይ ኣየናይ ሃገርን ቅጥዔ ሕጊ መውስቦ ወይ ሽምግልና ዓደቦ ስለዝነበረ እዩ? ኣብ ኤርትራ ንሃመማ ከይተረፈ ዝገሃጽ ዓጽሚ የብልካን ዲኻ ተባሂሉ የብለይን ኣብ ዝበሎ ክቕጻዕ ዝፍረድ፡፡ ከምኡ ኸኣ ሃገራዊ ምሕደራ ኣብ ባራትን፣ እንዳ ስዋን፣ እንዳሜስን ዕለታዊ ዝሕገግ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉኸ እቲ ጠለብ ፍትሕ ኣበይ ኣቕሪበንኦ? መልሲ ክወሃበና ይኽእልዶ?

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ!!

ኢሰያስ ሞይቱ ተባሂሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ተሰሚዑ፡፡ እቲ ዝተባህለ ኸኣ ሓሶትን ፈጠራን ምዃኑ ተቓሉዑ ንምቅላዑ ኸኣ ሕጊ ኣልቦ ኣባራእሱ ኣብ ማዕከን ቴሌቪዥን ወጺኡ፡፡ ብኣይ ክዛረቡ ዘይርብርቡ ዘቃልሕዎ ወረ እዩ ኢሉ ተመኪሑ እሞ፡ እቲ ናይ ሽዑኡ ምህሮ ክኸውን ዘይመኽኣሉኡ እንታይ እዩ እቲ ጸገም? ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ መነባብሮኡ (ሓዳሩ) ዕላል ዝድገም? ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ምስ ወይዘሮ ሳባ ሃይሉ ተሓቛቒፉ ምስ ተራእየ እንታይ እዩ ክበሃል- ንሱኸ እንታይ እዩ ክብል?

ዕላል ኣስመራ

ኢሳያስ ምስ ሓደ ናይ ጸወታ ቢልያርዶ መጋጥምቱ እናተጻወቱ እንከለው ንሓደ ተዓዛቢ ናይ መን ትመርሕ ኣላ ምስ በሎ እቲ ምስክር ተዓዛባይ ከኣ- ሃገር ሙሉእ ኣነ እየ ዝመርሕ እናበልካ ነዛ ኑቕጢ ቢልያርዶ መን ይመርሓ ጠፊኡካ? ኢሉ መለሰሉ እሞ፡ ወይዘሮ ሳባ እቲ ዘቕርበኦ ጠለብ ፍትሕ ንኣየናይ ሕጊ ወይ ኣኽባሪ ሕጊ እየን ከቕርባሉ መልሲ ክረኽባሉ?

"ኣበይን በየናይ ሕግን ምስ ኣመርዓኹምኒ-ሕጂ ብዛዕባ ፍትሕ ትጠልቡኒ ኢሉ ኣይረትዖምንዶ?"

ንሕስረት እተዓጥቀ ሸፍታ፡ መምህሮም እየ ዓላሚኦም እየ ነይረ ዝብሎም በዓል መለስ ዜናዊ ርክቦም ምስ በዓል ሜርኬል ኣቦማ- ኢሳያስ ከኣ ሆይሆይታ ምስ መሻፍትቱን ብዳማን መዓስ እዩ ኣብ ዓለም ሕጊ ከም ዘሎ ክኽበር ከም ዘለዎ ኣሚኑ ክስማዕ፡ ኣብ ውሸጢ መጽሓፍ ዶኾን ሰይጣን ንእግዚኣቢሄር (ረቢ) ብሓጢኣተይ ምሓረኒ ዝብል ጽሑፍ ምህላው ዶኾን ክስማዕ?

እቲ ዝሓሸ

ዓቕለጽበት ውሒጡዎ ተወጢሩ ዘሎ ኣባራእሱ ከምዚ በለ እዚ ገበረ ተሪፉ ንሱን መሻፍትቱን ብኸመይን መዓስን ይጓሓፉ ኣወንታዊ ስጉምቲ እንተዝንደፍ ምሓሸ ካብ ኣብ መፈሸኺኡ ጽውጽዋይ ምውዓል እሞ፡

ትማል ሞይቶ ኢሎሙኒ!!

ሕጂ ኸኣ ሓዳሩ ክፍታሕ ይብሉኒ!!

ጽምዋ ኣጥቂዑዎም ብኣይ ክዛረቡ ዝውዕሉ ዝሓድሩ ስምዕዎም ኢሉ ነታ ካብ ርሑቕ ኪሎመተር እትልለ ኣብ ገጹ ዘላ ማዳ ብእሽዕላል ክዓብጣ ምግባሩ ጥራሕ ስለዝኾነ፡ ይተኣሰር ይፈታሕ! እቲ ንዓና ዘድልየናን ዕላማናን ንሱን መሻፍትቱን ብህጹጽ ንምስጣሕ ጥራሕ ነድህብን ንላዘብን ሓደራ፡፡

ሰናይ ቅነ!!!

ዝወሃብ መልሲ እንተሎ ኣብ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)

ሚላኖ-ኢጣልያ