Home
ካብ መበቆላዊ መሬት ኩናማ ኤርትራ ዝመጸና ዜና
- Details
- Published on Monday, 18 May 2015 08:43
ዕሱብ ማናጀር ባንክ ባረንቱ፡ ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ቁጠባ ስርዓት ህግደፍ ንምድጋፍ፡ ኣብ ባንኪ ባረንቱ ብኣባላት ብሄረ ኩናማ ዝተቐመጠ ገንዘብ ምዝራፋ ድሕሪ ምቅላዕ፡ ነቲ ፍሽለት ንምሽፋን ንሓንቲ መስኪን ሰራሕተኛ ጽሬት ዝኾነት ኣባል ኩናማ ኣነ ሰሪቐዮ ኢልኪ እመኒ ኢሉ ኣሲሩ ከቢድ ስቕያት የውርድላ ከም ዘሎ ካብ ባረንቱ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡
እዛ መስኪነይቲ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ተሾቅሪራ ብሰላም ዶ ካብዚ ገዛ ይወጽእ ኢላ ንኣምላኻ ካብ ምልማን ሓሊፋ እንታይ ስልጣንን ዓቅሚ ረኺባያ እያ ካብ ባንኪ ገንዘብ ትዘርፍ?
እቲ ዝመጸና ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ባንኪ ብዕሱባቱ ገንዘብ ብምዝራፍ ንሓንቲ ጅግና ስውኢቲ ሓርበኛ ኣባል ኩናማ እቲ ዝተዘርፈ ገንዘብ ኣነ ሰሪቐዮ ኢልኪ እመኒ ኢሎም ብሓይሊ የእሚኖም ኣባላት ኩናማ ንክኸፍሉዎ ምግዳዶም ኣዛኻኺሩ፡፡
ሕጂ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ነዛ ኣዴ ህይወታ ንምጥፋእን፡ ነዚ ተዘሪፉ ዝብሉዎ ዘሎው ገንዘብ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ንክኸፍሉዎ ካብ ምግዳድ ዓዲ ከምዘይውዕሉ እቲ ዝመጸና ዜና ኣቃሊዑ፡፡ እዚ ከይዲ እዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ኩናማ ዘለዎ ጽልኢን ንዕቀት ብግልጺ ዘርኢ ምኻኑ ሓቢሩ፡፡
ስለዚ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ስርዓት ህግደፍ ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ በደል ኣብ ልዕለና ንክፍጽም ኢና ናብኡ ንቀርብ? ካብዚ ዝኸፍእ ጭቆናን ንዕቐትን ከ ኣሎ ዶ? ስለዚ ኣብ ልዕለና ዝፍጸም ዘሎ ኣሬሜናዊ ግፍዕን ጭቆናን ንምብርዓንን ንምምካት ሕጂ እውን ኣብ ጎኒ መሪሕ ውድብና ተሰሊፍና ክንቃለስ ይግባእ፡፡ ከምኡ እውን ዘበገስናዮ ሓርነታዊ ቃልሲ ብሄረ ኩናማ ናብ መጨረሻ ምዕራፉ ንምብጻሕን ኣብ መቓብር ስርዓት ህግደፍ ፍትሕን ማዕርነት ብሄራት ኤርትራ ንምርግጋጽ ካብ ወትሮ ንላዕሊ ነቕሕና ነዚ እከይን ሰይጣናዊ ስርዓት ህግደፍ ክንቃለስ ይግባእ፡፡