Home

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)

ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ፡፡ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ካብ ሓሙሻይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሰፊሕ ምይይጥን ምክክር ድሕሪ ምክያድ ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ፡፡

ኣብዚ ኣኼባ  ዓለማዊን ከባቢያዉን ሃገራዉን ምዕባለታትን ፖለቲካዊ ኩነታት ደንበ ተቓወመን ውድባውን ተመያይጡን ሚዛኑ ኣስፊሩ፡፡  ስርዓት ህግደፍ ቀጻሊንኡ ምምርግጋጽን ንምውሓስ ኣብ ልዕሊ ኣብ ብሄረ ኩናማን ህዝቢታት ኤርትራን ዘወርድ ዘሎ ስቅያትን ኩሉ መዳያዊ በደላት ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ፈቲሹ፡፡

መሪሕ ውድብ ዲምሓኩኤን ቃልሲ ብሄረ ኩናማ ኤርትራን፡- ሓሙሻይ ውድባዊ ጉባኤ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛም ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዝሓንጸጾም መደባት ብሙሉኦም ኣብ ስራሕ ከም ዝወዓሉ ኣብዚ ኣኼባ ኣረጋጊጹ፡፡ ኣብ ሓሙሽትኡ ኣብያተ ጽሕፈት ከጋጥሙዎ ንዝጽንሑ ብድሆታት ብትብዓት ሰጊሩ ናብዚ መድረኽ ምስግጋሩ፡ ዝተሰመረሉ ዝላ ናይ ውድብ ምኻኑ ኣረጋጊጹ፡፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ብሄረ ኩናማ ኣብ ጽቡቅ ደረጃን ናብ ሓዲሽ ናይ ለውጢ ኣንፈት ምስግጋሩ ዝፈትውና ብጾትናን መሓዙትናን ጥራሕ ዘይኮኑ ጸላኢ እውን ኣብ ዘረጋገጸሉ ብርኪ ከም እንርከብ መዚኑ፡፡ ብቁጽሪና ውሑዳት እንተኾና እውን ንመሰልናን ንቀጻልነትና ኣብ እነካይደ ዘለና ቃልሲ ንበቆ መስዋእቲ ከም ዘይብልና ኣብ ባይታ ኣርኢና ኢና፡፡ ተወዲቡ ዝነቅሔ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ መሰሉ ኮነ ቀጻልነቱ ዋርዲያ ከም ዝኾነ ብተግባር ኣርእዩ፡፡ ኩናማ ቀጻልነትኡ ብምውሓስ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከም ዜጋ እንታይ ከበርክት ከም ዝኽእል ንጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ብግልጺ ኣርኢና፡፡ ብሄረ ኩናማ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢታት ኤርትራ ኮነ ድሕሪ ናጽነት መሰሉን ቀጻልነቱ ንምውሓስ መስዋእቲ ከፊሉ ታሪኽ እንተመዝገበውን፡ መበቆላዊ መሬት ከም ዘይብሉ፣ ብሄረ ኩናማ ካብ ጥንቲ ኣባሓጎታቱን ኣያታቱን ዝወረሶን ዝዓቀቦን ታሪኽ ከም ዘይብሉ ቆጺሮም የስተናዕቁዎን ከም ዝጸንሑን፣ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኣብ ዝዝተዩ መድረኻት ተረኺቡ እጃሙ ንከየበርክት ኣግሊሎም ከም ዘይጸንሑን ንውድብ  ካብ ብሔሩ ንምንጻል ብሓዲሽ ናይ ኣቀራርባ  ምሕዞ ተንቂሳቒሶም “ታሪኽ ኩናማ ክዕከብ ኣለዎ፤ ነዚ ጅግና ህዝቢ ቦትኡ ክንህብ ይግባእ” ኢሎም ንክከሽሹና ተበጊሶም ኣሎዉ፡፡ መሬቱን ጥሪቱን ጉልበቱን ህይወቱን መዘሚዝካን ኣጽንትካን ነዚ ብሄር ካብ ኤርትራ ንምጽራግ ዝሓለነ ምህዞ ኣብ ባህልኡን ያታቱን ዘሚቶም ከም ዘሎዉ ካብ መድረኻት ሽንግሩዋ ክዕዘብ ከም ዝኸኣልውን መዚኑ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዙ ንብሄራት ኤርትራ ዘይባህልኦምን ያታቶም ብምጥፋእን በምዕዳል ሓድሽ ህዝቢ ከምዘይፈጠረ ሎሚ ከኣ ንብሄር ኩናማ ዘይባህላዊ ደርፊታቱን ኣኸዳደናን ብምሓብ ነቲ ካብ ትዉልዲ ናብ ትዉልዲ ክዉረስን ክስገር ዝግብኦ ያታትን ደርፊታትን ባህሊታት የጠፊእ ከምዘሎ መርሕነት ተገንዚቡ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማን መሬቱን ባህልኡን መንነቱን ሰላህታዊ ኩናት ኣዊጁን ንቀጸልነት ስርዓት ህግደፍ ንብሄር ኩናማ ቤጃ ንምግባር ከም ተበግሰን ከም ልማዱ ንመሬትን ምምህዳራዊ ከባቢ ብሄር ኩናማ ናብ ዓውደ ኩናት ናይ ምቅያር መደብ ከምዘለዎ መርሕነት ውድብ ገምጊሙ፡፡ ስለዚ ህዝቢታትን ብሄራት ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኦም መዲቡ ዝግብር ዘሎ ዉዲት ነቂሖም ከፍሽሉ ይግባእ፡፡

ማሕበራዊ ናብራ ብሄረ ኩናማን ኣብ ምምሕዳራዊ መዳይ ዘጓንፉዎ ዘለው ብድሆታት፡- ብሄር ኩናማ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ካብቲ ዝነበሮ ብዝያዳ ካብ እዋን ናብ እዋን እንዳንቆልቆለ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ካብ ጸጋታት እታ ሃገር ከም ተነጸለን ከም ኣሕዋት ብሄራት ኣፍደገ ባሕሪ ዘወነነት ሃገርና ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ጸጋታት እዚ ክትጥቀመሉ ብዘይምኽኣላ መዋጽኦ ዝተሓረማ ሃገር ንክትኸውን ገይሩዋ፡፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩናትን ጽልኢን ሸሚሙ ክልተ ኣሕዋት ህዝቢታትን ብሄራትን ኣባቲኹ ኣብ ጽቡቅና ኮነ ጸገማትና ንረዳድኣሉ ዝነበርና ጽቡቅ ጉርብትና ዘርጊዎ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምፍጣጥ ኣቲዩ፡ ናብ ኤርትራ ዝኣትዩ ዝነበረ ሃለኽቲ ኣቕሑ ኮነ ቁጠባዊ መስመር ብምዕጻዉ፡ ህዝብና ናይ ጥምየትን ዓጸቦን ደመና ኣንጸላልዩዎ ተስፋ ኣብ ዝቆረጸሉ ብርኪ ይርከብ፡፡ ብሸነኽ የመን መተንፈሲ ንከይርከብ ከኣ፡ ኣብ የመን ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ቅልውላው  ብምትእትታው ንኤርትራ ናብ ዘይቅዱስን ዘይንረብሃሉ ምሕዝነት ኣላፊንዎ፡፡ ህግደፍ ዘስዓቦን ብሁቲ ብምዕብላሉ በዚ መዳይ ዝርከብ ቁጠባ ኮነ ማሕበራዊ ርግኣት የልቦን፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት ህግደፍ በትረ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ምስ ርሑቅን ናይ ቀረባ ዘይተዛመድቲና ሃገራትን ሃይሊታት ተመሓዚዩ፡ ብዘይ ንያት ህዝቢ ንኤርትራ  ናብ ዓውደ ኩናት ከም ዝቀየረ ገምጊሙ፡፡ ስለዚ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ናይ ካልኦት ሃገራት መዔንደሪት ኮይና፡ ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛ ሃገሩ ጓናን ውሳኔ ኣልቦ ህዝቢ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ትማሊ ብሄረ ኩናማ መሬት ዘይብሉን፡ ጋሽ ከኣ ዋና ዘይብሉ መሬት ኢሉ ከም ዘይጨደረ ሎሚ ከኣ ኤርትራ ዋና ዘይብላን ንዜጋታቱ ከኣ መሪህን ዉሳኔ ናብ ዘይብሎም ህዝቢታትን ብሄራት ኣብጺሑና፡፡ ስለዚ ትሽዓቲኡ ብሄራት ኤርትራ ብቆራጽነት መበቆላዊ መሬቶምን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታቶም  ንምውሓስ ተቢዖም ክቃለሱ ከም ዝግባእ ማእከላይ ኮሚቴ ዲምሓኩኤ ኣብ ኣኼብኡ ኣሚቱ፡፡

መድረኽ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ዝርኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባሌታትን፡- ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርኤ ዘሎ ምዕባሌታት ኮነ ዘንጸላልዎ ዘሎ ብድሆታት ኣብ ግምት ይእቱ የለን፡፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ኣብ ክንዲ ዝቃለስ፡ ኣብ ምቅድዳዉ  ይርከብ የለን፡፡ ዘሎ መማረጺን ተሪፉና ዘሎ ዕድል በብዝመሰሎምን ዘድምዓሉ ኣገባብ ብምዉዳብን ብምልፋን ኣብ ትሕቲ ሓንቲን ዝሰፍሔ ሃገራዊ ጽላል ብምዕሳል ክደምዕ ምግባር እዩ፡፡ መሪሕ ውድብ ዲምሓኩኤ ንሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ረዚን ምኻኑ ኣረጋጊጹ፡፡ ከምኡ እውን ብሄረ ኩናማ ከም ዋሕዱ ቁጽሩ፡ ካብኡ ዝድለ እጃም ኩሉ ገይሩን ፈጺሙን፡ ካብ ተገብረሉ ትጽቢት ንላዕሊ ምፍጻሙ እውን ንከበርሕዉን ፈቲኑ፡፡ ብድሕሪ ሕጂ እውን ካብ መሪሕ ውድቡ ዲምሓኩኤን ብሄረ ኩናማ ዝድለ ኣበርክቶ ንምፍጻም ድልው ከም ዝኾነ ደጊሙ ኣስሚሩሉ፡፡

ብሓሙሽቲኡ ኣብያተ ጽሕፈታት ዝቀረቡ ናይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ናይ ስራሕ መደባት ተመያይጡ ኣጽዲቁ፡፡ ንዝካየድ ናይ ኣርባዕተ መሓዙት ውድባት ኮንፈረንስ ድልውነቱ  ኣረጋጊጹ፡፡ “ካብ ሓድነታዊ መድረኻት ዘይምህዳም ክሳብ ዘፍርሱኻ ከኣ ዘይምጽባይ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ግምት ዘእተወ ምኻኑውን ኣስሚሩሉ፡፡ ኣብ ምዝዛም ኣብ ኹሉ ጽቡቕናን ሕመቕናን ዝበጽሑና ህዝቢታትን መንግስታት ኢትዮጲያን ሱዳንን ምስጋንኡ ኣቕሪቡ፡፡ 

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ዲምሓኩኤ

ለካቲት 3 2018