Home

ጋዜጣዊ መግለጺ ስክረታርያ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ስክረታርያ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣቲይዎ ካብ ዝነበረ ደውታ ንምስጓሙ፣ ብፖለቲካዊ ሓይልታትና ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታትን ቀጻሊ ዘተን ርክብን ብምጥንኻር፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤሃባደለ፣ ካብ ዕለት 20 ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ትሕቲ “ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ኩሉ ንምኽፋል ንዳሎ” ዝብል ቴማ ኣገዳሲ ሰሚናር ኣካይዱ።