Home

ትንታነ ዜና ወርሒ ሰኔ 16/06/2017

ስርዓት ህግደፍ ጌና ካብ ናይ ጥበራ ምንቅስቓሳቱ ከም ዘይፈገደ ካብ መቦቆላዊ መሬት ኩናማ ኤርትራ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ብመሰረት እቲ ዜና፡ ስርዓት ህግደፍ ሕጂ ተተሓሒዙዎ ዘሎ ፕሮፖጋንዳን ዘካይዶም ዘሎ ኣኼባታት ኣብ ሓደን ሓደ ኣጀንዳ “ንሕና ኤርትራውያን ሃገርና ሓራ ንምውጻእ መሪርን መስዋእቲ ከፊልና፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት እተን ካልኦት ብሄራት ኣደብ ክገዝኣ እንከለዋ ብሄረ ኩናማ ይጻባእን መጥቃዕቲታት ይፍጽም ኣሎ፡፡ ሓርነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ ንምሻጣ ይነጥፍ ኣሎ፡፡ ስለዚ ንስኹም ኣባላት ኩናማ ደቕኹም ኣምጽእኩም ክተዓርቁዎም ይግባእ” ዘትከለ እዩ፡፡

 

ህግደፍ ኣብ ወርሒ ሰኔ /2017 ኣብ ኩለን ከባቢታት ኩናማ ኣኼባ ብምክያድ ልዕል ኢልና ኣብ ዝጠቀስናዮ ኣጀንዳ ዕንክልል ይብል ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ በዚ መሰረት ካብ ኡጋሮ/ዳረታላ ንላዕሊ ንዝሰፈሩ ኣባላት ኩናማ ኣብ ኣርባዕተ መቒሉ ኣኼባ ኣካይዱሎም፡፡

ቀዳማይ ጉጅለ፡ ተቀማጦ ቁሸታት ዳሬታላ፣ ኣውሰቢ፣ ዳሴ ኮይነን ብዕለት 5/06/2017 ኣኪቡ፡፡ ካልኣይ ጉጅለ፡ ቁሸታት ቶለ ጋሙጃ፣ ኣይማባ፣ ኦሎኮሶን ብዕለት 9/06/2017 ኣኪቡወን፡፡ ሳልሳይቲ ጉጅለ ተቀማጦ ቁሸታት ኣጋኒ፣ ኩፍታሌ፣ ዳጊሎ፣ ኮሉኩን ኮናን ከባቢኣን ዝርከባ ጎዶቦታትን ዓዲታትን ኮይነን ብዕለት 10/06/2017 ኣኪቡወን፡፡ እታ ራብዓይቲ ጉጅለ፡ ተቀማጦ ካርካሻ፣ ታይካናባ፣ ኣይኮታ፣ ሹሻ ቢያ፣ ከቱምቡሬ፣ ታሊ ማሪቲን ብዕለት 11/06/2017 ብመሪሕነት ኣውረልዮ ጃኮሚኒ ካብ ኣባል ሰራዊት፣ ፖሊስ ዝጠርነፈ ኣብ ሩባ ማርደቢ ኣኪቦሙዎም፡፡ እዚ ኣኼባ ከቢድ ሓለዋ ዝተገብረሉን ንህዝቢ ብሰራዊት ኣኺቢቦም ብተሃዲድን ኣሪዒዶም ነቲ መደብ ንክቅበል ከቢድ ድፍኢት ዝተገብረሉ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ፡፡

ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ጉጅለ ብተዛረብቲ ትግርኛ መድረኽ ከም ዝተመርሔን ንትርጉም ካብ ሰራዊት ሓደ ኩናማ ዝሓቆፉ ከም ዝነበሩ ተረጋጊጹ፡፡ ኣብታ ራብዓይቲ ጉጅለ ኣውረሊዮ ጃኮሚኒ በዓሉ ብምትርጓም ከም ዝመርሔን ተዛረብቲ ትግርኛ ዝኾኑ ዘውረዱዎ ርእይቶ እውን ናብ ኩናማ ብምትርጓም ነቲ ኣኼባ መሪሑዎ፡፡ እቲ ኣጀንዳ ከምቲ ዝተጠቅሰ ሓደን ሓደን እዩ፡፡

ኣብዚ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ህዝቢን ጭቃ ዓዲታት ዝሃቦ ርእይቶ ንሕና ንውድብ ዲምሓኩኤ ኣምጺእና ክንዓርቕ ዓቅሚ የብልናን፡፡ ለባማት ንምጥፋእን ንምእሳርን ከም ዝኾነ ኣቀዲምና ተገንዚብናዮ ኣሎና፡፡ ኣብ 1996 ልክዕ ከምዚ ኣኼባ ጸዊዕኩም ንኩሎም ለባማት ኣቦታት ብሄረ ኩናማ ኣጥፍእኹም፡፡ ሕጂ እውን ንምእሳር እትደልዩዎ ሰባት ስለዘለው እዮም፡፡ ስለዚ ኣኼባ ጸዊዕኩም ዕረቁና ሽንካር ከይበልኩም እቲ ትደልዩዎ ግበሩ ክብሉ መሊሶም፡፡ ብካልእ ሸነኽ ተቀማጦ ኣይማባን ከባቢኣን እቲ ትብሉዎ ዘለኹም ካብ ዓቅምና ንላዕሊ እዩ፡ ኮይኑ ግን መንግስቲ የገዲደና ካብ ሃለወ እንታይ ይገበር ክንፍትን ኢና ክብሉ ከም ዝመለሱ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ ኣሎ፡፡

እዚ ኣኼባታት ብዝምልከት መሪሕ ውድብ ዲምሓኩኤ ዘለዎ ርእይቶ፡- ብቀዳምነት ሓርነታዊ ቃልሲ ዲምሓኩኤ ኣብዚ ብርኪ ምብጽሑ ጸላኢ ፈሊጡ፡ ንብሄረ ኩናማ ኣብ ሓደ መድረኽ ጸዊዑ ምስኡ ንምምይያጥ ምኽኣሉ፡ እዚ እቲ ቀዳማይ ጸጋ እዩ፡፡ ካልኣይ ኣብ 1996 ብዝፈጸሞ ግፍዒ ሪዒድና መስዋእቲ ካብ ምኽፋል ሃዲምና እንተንዕረቅ ነይርና ሓርነታዊ ቃልሲ ብሄረ ኩናማ ኣብዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ብርኪ ኣይምበጽሔን፡፡ ሓርነታዊ ቃልሲና ቀጺሉ መሪር መስዋእቲ እንተዘይክፈል ነይሩ እዚ ንቅሓት እዚን እዚ መድረኽ ክርከብ ኣይምተኽኣለን፡፡ ጸላኢ እውን ሰውራ ሻምበቆ ኢሉ ካብ ምስትንዓቅ ሓሊፉ ካልእ ጸጋ ኣይምተረኽበን፡፡ ርእይቶ ሻዕቢያን ተሃዲድን ንጎኒ ገዲፍና ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ 1998 ኣካይዲና ብሓዲሽ ናይ ቃልሲ መንፈስ ስለዝተበገስና እንሆ ብሄረ ኩናማ ኣብ ቁጠባ ኮነ ፖለቲካዊ መዳይ ርኡይ ለውጢ ኣመዝጊቡ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ክበጽሕ ኪኢሉ፡፡ ካብዚ ንቅሓት እዚ ተበጊሱ ኣብ ዝተረኽበ መድረኽ ሓደ ቋንቋ ብምዝራብ መሰሉ ከረጋግጽ ኪኢሉ እዩ፡፡ እዚ ንቅሓት እዚ ውድብ ካብ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መትከልን ኣካይዳን ዝመንጨወ ጸጋ እዩ፡፡ ስለዚ ስርዓት ህግደፍ ንብሄረ ኩናማ ከም ቀንዲ ጸላኢኡ ዝርእዮ ዝነበረን ዘሎን ደቅኹም ኣምጽእኹም ዕረቁ ዝብል እንተኾይኑ ካብ ክልተ ሸነኻት ዝተበገሰ እዩ ዝኸውን፡፡

ቀዳማይ፡- ጌና ኣይነቅሑን፡ መዓረ ክንደይ የሳቒዮምን የጽንቶምን ከም ዘለኹ ኣይፈለጡን ካብ ዝብል ብድዔ ተበጊሱ፡ ኣገዲደ ክዕረቁ ክገብሮም እየ ዝብል እንተኾይኑ፡ ጸላኢ የብለይን ካብ ዝብል ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ ዝምንጩው እዩ፡፡ ስለምንታይ በዓሉን ዑሱባትን ካብ ዝነዝሑዎ  ፕሮፖጋንዳ እንድሕሪ ተበጊስና፡ ውድብ ዲምሓኩኤ እንተዘይኮይኑ ካልእ ጸላኢ ወይ ዝቋወም የለን ይብሉ ስለዘሎዉ፡፡

ካልኣይ፡- ክረምቲ ምስ ሓለፈ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩናት ክከፍት እዩ፡ ዲምሓኩኤ ከኣ መንገዲ ክመርሕ እዩ ካብ ዝብል ፍርሒ ዝብገስ ኮይኑ፡ ክንደይ ለባማት ኣባላት ኩናማ ኣጥፊኤ፡ ክንደይ ኮን ተርፉኑ ጽንዓቶምን ትብዓቶም እንታይ ይመሰል ዝብል ንምፍላጥ ናብ ሓደ ይእኽቦም ምህላው ክንግንዘብ ይግባእ፡፡ ብተወሳኺ ዶብ ዝሰገረን ናብ ሳልሳይ ዓለም ዝኸዱ ደቂ ቁሸትኩም መዝጊብኩም አምጽኡዎ ዝብል ዘሎዉን ቁጽሪን ብዝሒ ብሄር ኩናማ ብምፍላጥ ንሃላዋቱ ይህድድ ኣይህድድ ንምትንታንውን ክኸውን ይክእል፡፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንደይ ለባማት ኣባላት ኩናማ ቐቲሉ ከም ዘርደኤ፡ ኩናማ ኮይኖም ዑሱባት ሻዕቢያ ዝኾኑ ነዚ ሓቂ እዚ ካብ ምክሻሕ፡ ኢዶም ናብ ዲምሓኩኤ የወጣውጡ ምህላዎም ዘይምልባምን ዘይምንቓሕ እዩ፡፡ እዞም ዑሱባት ብመትከል ጸላእቲ ሰውራ ኩናማ እንተዘይኮይኖምውን እንተዘይተማሂሮምን ናብ ሓድነቶም እንተዘይሰጊሞም ምስ ሃለቐኦም ናብ ግበኣተ መሬቶም ንክኣትው ናይ መዓልቲ ጉዳይ ጥራሕ እዩ ዝኸውን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ካብዘን ክልተ ጫፋት ተበጊሱ ወግሔ ጸብሐ ደቕኩም ኣምጽእኩም ዕረቁ ክብል ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣቲዩ ይርከብ፡፡ ማንም ሰብ ጥቅሙ ኣይስሕቶን፡፡ ትኪ እውን መውጽኢ ቀዳድ ኣይስእንን፡፡ ብዘይቃልሲን መስዋእቲ መሰል ኮነ ዓወት ኣይርከብን፡፡ ስለተጨቆነ እምበር ጽጋብ ሸንዲሑዎ ክስዋእ ዝመረጸ ኩናማ ኮነ ኤርትራዊ የለን፡፡ ተሳቒና ብሓዘን ማሲና ዘሎና ካልእ ጸላኢ ስለዝጨቆነና ዘይኮነ ስርዓት ህግደፍ ዘውረደለና በደል እዩ፡፡ ስለዚ ኣባላት ኩናማ መዓረ ክንደይ ንነዓቅን ነይርና ሕጂ ኣብ ምንታይ ብርኪ ከም እንርከብ ማንም ኣባል ኩናማ ዝግንዘቦ ሓቂ እዩ፡፡ ንስርዓት ህግደፍን ዑሱባቱን ሕማም መርዘን ኮይኑዎም፡ ብደረጃ ሃገር ከም ኣጀንዳ ሒዞም ንተዓረቅ ኣብ ዝብሉሉ ደረጃ ምብጻሕ፡ ስለዝተቃለስናን ስለዝተሰዋእና እምበር ህያብ ወይ ብትካቦ ዝተረኽበ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝርከብ ኣባል ኩናማ ሓደ ፋል ይዛረብ ኣሎ፡፡ ስለዚ ምስ እንቃለስ ጥራሕ ኢና ክንዕወት እንኽእል፡፡ ምስ እንዕወት ጥራሕ ኢና መሰላትና ብዘይምሽርራፍ ክረጋገጹ ዝኽእሉ፡፡ መሰላትና ብዘይ ምሽርራፍ ምስ ዝረጋገጽ ጥራሕ እዩ፡ ክብርን ርዝነትን ዝህልወካ፡፡ ብጥበራ ህግደፍ ተታሊልና ኣብ ጓል ነገር እንድሕር ኣቲና ዓወት፣ መሰል፣ ርዝነት ኮነ ክብሪ ክርከብ ኣይከኣልን፡፡

 

ኣብዚ ሕጂ እዋን በዓል መን ተሰዊኦም፣ ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣሎና ኢልና ምጅሃር ወይ ከኣ ብኩራ ካብ ቃልሲ እንቦኾረሉ እዋን ኣይኮነን፡፡ ብሓዲሽ መንፈስን ናይ ቃልሲ ወኔ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍን ዑሱባትን እንከተሉን እዋን ኢና ንርከብ፡፡ ብሄረ ኩናማ ሓድነቱ ኣትሪሩ ብዓወት ንከይወጽእ “ እንተደሊኹም ወጻእ ኪዱ እምበር ስለምንታይ ትቃለሱ? ካልኦት ብሄር ከይዶም ስለምንታይ ንስኹም ትቃለሱሎኩምን ”  ብዝብል ሜላ ንብሄረ ኩናማ ካብ ኤርትራ ደፊኡ ንምውጻእን ንስደት ምስ ኣምረሑውን ኣብ ቃልሲ ንከይሳተፍን ናብ ወጻኢ ሃገር ንክሰግሩ ከም ቀዳማይን ካልኣይ ኣጀንዳታት ሰሪዑ ይነጥፈሉ ኣሎ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ሓሳቡ ዘይቅበል ኩሉ ካብ ገጽ ኤርትራ ኣጥፍኡ ህግደፋዊ ሕብረተሰብ ናይ ምፍጣር መደብ ከም ዘሎዎ ብግልጺ ይነግረና ከም ዘሎ ክንግንዘብ ይግባእ፡፡ ወጻኢ ናይ ምኻድን ዘይምኻድን ስርዓት ህግደፍ ክነግረና ክንጽበ ኣይግባእን፡፡ ንዑ ዝምልከት እውን ኣይኮነን፡፡ ስደት ሓርነት ኮነ ክብሪ ከም ዘይኮነ ንስርዓት ህግደፍ ጠፊኡዎ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ክብሪ ናብ ዘይርከቦ መንገዲ ዝደፍእ መንግስቲ ኢዱ ክእርንብ ይግባእ፡፡ ስለዚ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ንህግደፍን ዑሱባትን ብግልጺ  “ንብሄረ ኩናማ ዘዋጽኦ መንገዲ በዓሉ ይፈለጦ እዩ ግደፉዎ”  ኢልና ክንነግሮም ይግባእ፡፡ ዲምሓኩኤ ህይወት ሓደ ኩናማ ክጠፍእ ኣይደልን፡፡ ሓደ ኣባል ኩናማ ህይወት ሓውኡ ወይ ቀጻልነት ብሄረ ዝጻባእ እንተድኣ ኮይኑ፡ ልዕሊ ዓቅሚ ዲምሓኩኤ ከም ዘይኾነ ካብ ወዲ ጫሞ ትምህርቲ ክቕሰም ይከኣል፡፡ ዲምሓኩኤ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዕርቂ ዝበሃል ኣይገብርን፡፡ በዚ ሕሱር ፕሮፖጋንዳን ምትላሉ ዝደናገር ኣይኮነን፡፡ ንግብኣተ መሬቱ ካብ ወትሮ ንላዕሊ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ሓርነታዊ ቃልሲ ብናህሪ ክቅጽለሉ እዩ፡፡ ዓቅሚ ብሄረ ኩናማ፡ ብሓድነት ንሓርነት ኩናማ ምበር ምስ ዕርቂ ስርዓት ህግደፍ ኣይኸውንን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ልዕሊ ኹሉ ምስ ነፍሱን ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ክዕረቅ ይግባእ፡፡

መትከላት ዲምሓኩኤ ንዘልኣለም ክዕንብቡ እዮም!!!